Petition Against Eritrean Government’s deceptive Festival in Seattle, Washington

F

e

s

t

i

v

a

l

 

i

n

 

S

e

a

t

t

l

e

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ 3ይ ሱሩዕ ኣኼባኡ ሎሚ 24 ሓምለ ብወግዒ ከፊትዎ

3ይ ሱሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ፡ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ ዕለት 24 ሓምለ 2017 ዓ.ም ብኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ብወግዒ ተኸፊቱ ። ኣብቲ ስነ ስርዓት መክፈት ንዝቕጽል መዓልታት ንክዝትዩሎም ዝተቐረቡ ኣጀንዳታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ፡ ኣጠቃላሊ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ዕለታዊ ዘሕልፎም ዘሎ ከበድቲ ተጽዕኖታት ምልክን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸቅጥታትን፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናመረረ ይኸይድ ምህላውን፡ ኣስካሕካሕን ጅምላዊ ህልቂትን ፈታኒ ተረኽቦታትን ዋሕዚ ምስዳድ መንእሰያትን ቀጻሊ ተጻብኦን መሰናኽላትን ግበታዊ ስርዓት ህግደፍን፡ ከምኡ’ውን ንተስፋ ኣልቦነት ጭካነን ኣዕናዊ ፖለቲካዊ መስርሓትን ተዋላዋልን ኣደናጋርን መርገጺታትን፡ ጸረ ሰላምን ምሕብሓብን

Add a comment

ሰሙን ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ካብ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ጀሚሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵን ናይ ማእከላይ ብረት ምምልላስን ሓሓሊፉʼውን ናይ ከቢድ ብረት ድምጺ ዝስምዖ ኩነታት ወተሃደራዊ ሓበሬታታት ክዘሩቕ ( ብጽንጽንታ ) ክስማዕ ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡

Add a comment

ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ............

ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገረ ጀርመን ብምርኻብ ኣብ ጉዳይ ህለው ኩነታት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፡ ስደተኛታትን ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሱራት ፖሇቲካ፡ ሃይሇ ወልደ ትንሳኤ ቢትወደድን ኣስቴርን ጉዳይ ተዘራሪቡ

Add a comment

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘየውረዶ ኣደራዕ የለን

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ማእለያ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ዝብኢ ከም ዝኣተወን ኣጣል ካብ ማሙቕ ገዝኡ ኰነ ተባሂሉ ከም ዝስደድ ይግበር ኣሎ። ሃገሩ ገዲፉ ክወጽእ ከሎ ድማ ብቐሊሉ ክሳገር ኣይክእልን እዩ። ብዙሕ ኣደራዕ ክሳብ መቕተልቲ ከይተረፈ እዩ ዘጓንፎ ዘሎ። ሓደ ካብ’ቶም ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ
መንጎ ጭፍራ ህግደፍን ኢትዮጵያን ዝፍጠሩ ናይ ብረት ረጽምታት ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መንቀሊታት መንእሰያትና ሃገሮም ገዲፎም ክወጽኡ ከለዉ ህግደፍ ብተመልከተለይ ክትኲሰሎም ከሎ1፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ

Add a comment

ጭፍራ ህግደፍ ሕማሙ ተላዒልዎ ንኣመንቲ ገለ ሃይማኖታት ኤርትራውያን ዜጋታት ይኣስርን ይስውርን ኣሎ

ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ኣህጉራዊ ሰነዳት ሰፊሮም ክኽበሩ ዓለም ምሉእ ዝቃለሰሎም መሰረታዊ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝመረጽካዮ እምነት ምኽባር እዩ። ደቂ-ሰባት ብዘይፍርሓት ምዩቚ ከይበሉ ሃይማኖታዊ እምነቶም ክኽበረሎም ይግባእ። ጭፍራ ህግደፍ ፖለቲካዊ ድዩ ወላ ሃይማኖታዊ ሓዘል ሓሳቡ ክገልጽ ዝኽእል ሰብ ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ኣካል ከም ዘየሎ ዓለም ምሉእ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብቀዳምነት ዝርእዮ ናእዳን ናይ ኣድናቖት መዝሙርን ዝገብር ጥራሕ እዩ ከም ናቱ ገይሩ ዝወስዶን ዝርእዮን። ብዝተረፈ ከምኡ ዘይገበረ ኣብ ምልክት ሕቶ እዩ ዝኣቱ። ኣብ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ጭፍራ ህግደፍ እዚ ዘይገብር እንተዀይኑ መን እዩ ብዘየገድስ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ክምብርከኽ እንተኣበየ ከኣ ክሳብ’ውን
ክጠፍእ እ

Add a comment

ተባዓት ደለይቲ ፍትሒ


ዕርዲ ህግደፍ ተሓምሽሹ ደላይ ፍትሒ ተዓዊቱ። ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ እቲ ብ8/07/2017 አብ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ንፈስቲቫል ህግደፍ መኪቱ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ገይርዎም ። ሕሰም ናብራ ህግደፍ ዝመረሮምመናእሰይን አዴታትን አቦታትን ብናህሪ ብምቕዋም መናውራት ህግደፍ አፍሽልዎ ።

Add a comment

ሱዳን፣ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣገልግሎታት ከማልኣሎም'የ ትብል

Shagarab

ሱዳን፣ ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነቶም ንምሕላው ኮነ ዘድሊ ኣገልግሎታት ከተማልእ ምዃና ንምክልትል ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሱዳን በክሪ ሓሰን ሳልሕ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር- ሱና ሓቢሩ።

ንሱ፣ ምስ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ሓሚድ ማናን ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይቶም ኣብ መዓከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ምምይያጥ'ዩ ነዚ መግለዚ ዝሃበ።

Add a comment

መልእኽቲ ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ኣብ ሰሚናር 22 ሓምሇ 2017

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ሕግን ስነ ስርዓት ባህሊውን ማሕበራውን ክብርታት ጠፊኡ፣ ልዕልና ናይ ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ግዝያዊ ሕጽኖቶም ዘስተማቕሩ ዘሇዉ ውሑዲት ሰብ ረብሓ ነጊሱ ኣሎ። ነዚ ብግዜ ክነመኽንየለ ዴማ ከቶ ኣይግብኣን። እቲ ሽግር ጉዴሇት ፖሇቲካዊ ንቕሓትን ብቐንደ ዴማ ስጡምን ቀጻሉ ውሕስነት ዘሇዎ ዱሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ዝሰነቐ ሃገራዊ ናይ ሱርበተኻዊ ሇውጢ ወኒ ክንፈጥር ዘይምኽኣልናን’ዩ። “ሓባእ ቁስለ ሓባእ ፈውሱ” ከም ዝበሃል ሽግራትና ኣብ ምልሊይ ዓይንና ንሓሲ እንተኾይንና መፍትሒታቶም ክሽፍቱና ግዴን’ዩ። ከም እምነትና ኩለ

Add a comment

ብደላሎ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጻ ወጽዮም

ኣብ ከባቢ ከተማ ከሰላ ወታሃደራት ሱዳን 71 ብደላሎ ተጨውዮም ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽእዎም ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር። እቶም ጨወይቲ ነቶም ካብ ኤርትራ ንሱዳን ክኣትዉ ዝሓዝዎም መንእሰያት ኣብ ከባቢ ሩባታት ዓጥባራ ካብ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ኣገዲዶም ሒዞሞም ከምዝነበሩ ወኪል ዜና ስምረት ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሰራዊት ሱዳን ነቶም በብእዋኑ ካብ ኤርትራ ፈንጢሶም ዝኣትዉ ዘለዉ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ንምቕባል ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ተጻብኦታት ይገጥሞ ከምዘሎውን ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሓቢርናዮ ከምዝነበርና ነቶም ካብ ኤርትራ ዝወጹ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ደቂ በኒሻንጉል ንምሓዝ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ ሰራዊት ሱዳን ናብ ሱዳን ክኣትዉ ስለዝኸልከሎም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሰራዊት ሰራዊት ረጽሚ ከየጋጥም ስግኣት ከምዝነበረውን ይሕበር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራዊት ሱዳን በቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ኣብ ተጠንቀቕ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ።

Add a comment

ኤርትራውያን መንእሰያት ተመሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-ግራት ተመሪቖም

ኣብ ኤርትራ ተደኩኑ ዘሎ ስርዓት ንረብሓን ጥቕምን ህዝብና ዘይኰነስ ንኽብሪ ሓደ ሰብ ዝዝውሮ ጭፍራ ጥራሕ ዝሕሉ ትካል እዩ። ብከም’ዚ ከኣ ን27 ዓመታት ከይዱ ጌና’ውን ይኸይድ ኣሎ። እቲ ንምእንቲ ነጻነቱ ኢሉ ዘለዎ ኩሉ ሕሉቡ፡ ንጹፉ፡ እታ ሓንሳብ ጥራሕ ክትነብር እትኽእል ሂወቱ ከይተረፈ ዝኸፈለ ህዝቢ ግን ኣብ ሃገሩ ተዓዛብን እሱርን ኰይኑ ክነብር ተፈሪድዎ ይርከብ። እቲ ውሽጣዊ ፖሊሲ ናይ ህግደፍ እምበኣር ንህዝብና ብሓፈሻ ዝረግጽን ዘሳቕን ኰይኑ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ናይ መጻኢ ዕድሎም ጽልሙት ኰይኑ ስለ ዝረኣይዎ ካብ ሃገር ነፊጾም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ኣለዉ። ብጐረባብቲ ሃገራት ኣቢሎም ድማ ኣርሒቖም እንዳ ተሰደዱ እዮም

Add a comment

ንሕሉፍ ታሪኽ ምኽባር ናብ መጻኢ ወሎዶ ምስግጋር

ሓሙሻይ ዓመታዊ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ዳግመ ርክብገዳይም ተጋደልቲተ.ሓ.ኤ.ነቲ ሰፊሕን ክቡርን ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከም ዘይፍለ ኣካል ሓርነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቐቢሩ ከይተርፍ፡ ከይርሳዕ፡ ብዝተፈላለየ መልክዑ ንምእካቡን ንምስናዱንካብ 2012 ዝጀመረ ተበግሶ ለብዘበን ዓመት`ውን ካብ 30 ሰነ- 2 ሓምለ 2017 ኣብ ደንቨር- ኮሎራዶ ተኻይዱ።

Add a comment

ህዝባዊ ዘተ! ህዝባዊ ምንቅስቃስ! ህዝባዊ ጽላል! ብተግባር‘ዩ ዝስራሕ

ነቲ ቀንዲ ዘምጻኣኒ ሓሳብ ዝድግፍ ኣብነት ብምቕዳም ክጅምር፡  ሓደ ግዜ ኣብ ብራስል ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዚወዓልናሉ ሓደ ኣባል ፓርላማ ከምዚ በለና--------``ኣብ ኤውራጳ ክትዕወቱ እንተደሊኹም ኣብ ዘዘለኹምዎ ዓዲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኪከውን ከተረድእዎን ክትከስብዎን ኣለኩም፡ ምኽንያቱ ኸኣ ዝኾነ ውሳኔ ብድምጺ ናይ ህዝቢ ስለዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጎንኹም ኣምጽእዎ በለና። ---- `` ኣብ ጀርመን መን ኢዩ እቲ ህዝቢ ዝባሃል  ዘሎ እንተዳኣ ኢልና ጉዳይና ኤርትራዊ ስለዝኮነ፡ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮኑስ  ጀርመናውያን እውን፡ ኣብ ሽወደን ኣንተኮይኑ እውን ሽወደናውያን ወዘተ-- ክሶብዎን ኣብ ጎንኹም ክኾኑን ኣለዎም ማለቱ ኢዩ።  ስለዚ ብዓቢኡ ንኤርትራውያን ጥራሕ ኣይኮናን ከነረድእን ክንከስብን ዘሎና እቲ ንነብረሉ ዘሎና ህዝቢ እውን ኣብ ጎንና ከነምጽኦ ቃሊሲ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ኤውሮጳ ብዘይጥርኑፍ ኣገባብን ሳላ ግዱሳት ሲቪክ ማሕበራትን ውድባትን ውልቀሰባትን ብመጠኑ ተቃውሞና ገለ ዓወታት እውን ተመዝጊቡ ኢዩ፡ ግን እኹል ኣይኮነን።

Add a comment

ፖለቲካዊ ርእይቶ ኮይንካ ብምርካብ ‘ምበር፡ መሲልካ ብምቕራብ ኣይውከልን

 ፖለቲካዊ ርእይቶ ከም’ቲ ብድሌት ቀይሕ ወይ ጸሊም፡ ሓጺር ወይ ነዊሕ፡ ጓል ወይ ወዲ ንምዃን ዘይከኣል፡ ካብ ደርባዊ ባህርን ህዝባዊ ውግንና ወጻኢ ከም ቃሕታኻ መሪጸ ኣለኹ ኢልካ ትኽደኖ ተራ ነገር ኣይኮነን። ናብ ኣየናይ መስመር፡ ጸገማዊ ወይስ የማናዊ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ ወይስ ፍጹም ምልካዊ ፋሽሽታዊ ኣረኣእያ ትውግን ዝድርኽ ሰናይ ፍቓድ ዘይኮነ መሰረታዊ ባህ

Add a comment

ህዝባዊ ውዳበታትን ኣብ ስርዓት ዘሕድሮ ስግኣትን

ሓደ ካብ ናይ ሕብረተ-ሰባት ማሕበራዊ መለለይታት ውዳበ’ዩ። መለለይ ሕብረተ-ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ መፍለይን መለለይን ክፍለ-ዓለማት፣ ዞባታት፣ ሃገራት እውን’ዩ። ስለዚ ውደባ ፍቱን መሳርሒ’ዩ ኣብ ደሞክራስያዊ ምሕደራ። ብዘይ ውደባ ዓለም ምስ ኩሉ ጸገማት ብኸም’ዚ ዘላቶ ክትከይድ ኣይምኸኣለትን። ብዘይ ውደባ ንክፍለ-ዓለማት ማለት ኣህጉራት ዘተኣሳስር ገመድ ኣይምሃለወን። ብዘይ ውደባ ዞባዊ ናይ ሰላምን ልምዓትን ምትእኽኻባት ኣይምተራእየን። እዚ ዘመልክተና ነገር እንተሃለወ ውደባ ሓይሊ ምዃኑ፡ ከይተወደብካ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕ

Add a comment

ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተጸወዐ ሰሚናር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተቓኒዑ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ጠንቁ፡ ሳዕቤኑን መፍትሒኡን ንምዝርራብ ዘዳለዎ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ሰልፊ፡ ኣመራርሓን ካድራትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ውልቀ ግዱሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ22 ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብምውቕ ናይ ህንካን ሃባን ኣገባብ ከምዝተሰላሰለ ብኣካል ዝተሳተፉ ምንጭታት ድምጺ

Add a comment

ስምረትና ዓወትና - ፍልልይና ጥፍኣትና!!

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ተዛሪቡ ዘስምዕ ሰሪሑ ዘድምዕ መሪሕ ውድብ ክንሃንጽ ኢና ዝብል ጭረሖ ሒዙ ኣብ ቀንዲ ዋኒን ህዝቢ ኤርትራ ክውዕል ይቃለስ ኣሎ። በብእዋኑ ዝምዕብል መደባት እናውጸአ ድማ ፖለቲካዊ ወፍርታቱ የጠናኽር ኣሎ። ብፖለቲካዊ እምነት ኤስደለ እዘን ዘለዋ ኩለን ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውድባት ነንሕድሕደን እናተመላላኣን እናተሓጋገዛን ክኸዳ ዘለወን እምበር ኣብ ነንሕድሕደን ክወዳደራ ዝግበአን ጸላእቲ ኣይኮናን። እንተተዋዳዲረን እውን ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ውድድር ናይ ቅዱስ ቅንኢ ውድድር እምበር ናይ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ውድድር ክኸውን ኣይግባኣን ዝብል ኣምነት ኣለና። ኣውዲቕና ክንሰግሮ ዝግባኣና መዋዳደርትና ስርዓት ህግደፍ

Add a comment

ተጋ/ስብሓት ነጋ ምስ ጋዜጣ ወይን ካብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ዝተወስደ

ዝኽበርኩም ሰማዕቲ/ኣንበብቲ፡ ነዚ ቃለ-መጠይቕ ብመጽር ረዚን ፖለቲካዊ ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ኣብ ምስፋሕ ሓጋዚ’ዩ ካብ ዝብል ተበጊስና፡ ንገለ ክፋሉ ነቃልሕ ከም ዘለና ኣቐዲምና ንሕብር።

Add a comment

ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይደ

ብዕሇት 01/ ሓምሇ/ 2017 ዓ.ም.ፈ. ብኣቦ-መንበር ስ.ዯ.ግ.ኤ. ዝተመርሐ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይደ ኣብ ሎስ- ኣንጀሇስ። ዕሊማ ኣኼባ፡ ምስ ህዝብና ተሊዚብና ሃነጽቲ ሓሳባት ካብ ህዝብና ምቕባልዩ። ነካይድ ዘሇና ሃርነታዊ ቓስሉ ንምዕዋት ከኣ ህዝባዊ ተስታፍነት ክህልዎ ከምዝግባእ ስሇንኣም ክፉት ህዝባዊ ርክብ ኣካይዴና።

Add a comment

ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ምፍሕፋሕ ከየጋድድ ይስጋእ

Asmara 2ነሓሰ ኣትሒዙ ክትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓድሽ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ መንበሪ ኣባይቲ፣ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ከየጋድዶ ተሰጊኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦል ሓድሽ መምርሒ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐን ስፍሓትን ዝርከበሉ ከባቢታትን ዝምርኮስ ኮይኑ፣ 20 ትርብዒት ሜትሮ ንእትግመት ተራ መንበሪ ገዛ እቲ ዝኸበረ መጠን ክራይ 600 ናቕፋ'ዩ።

ተኻረይቲ፣ ኣብ ርእሲ'ቲ ተሰሊዑሎም ዘሎ መጠን ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፣ ከም ካንሸሎ ንዝኣመሰለ ብሓባር ዝጥቀምሉ ክፉት መሬት ፣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ ብሕሳብ 50 ሳንቲም ክኸፍሉ'ዩ ተሰሪዕሎም ዘሎ።

Add a comment

ፓርላማ ሕ.ኤ. ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓያሎ ውሳኔታት የሕሊፉ

eu pፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ሓያሎ ውሳኔታት የሕሊፉ። እቲ ፓርላማ ብሓሙስ ዕለት ዕለት 6 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ዝምድንኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንምምሕያሽ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፣ ገና ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

Add a comment

ንቀጠር ብምጥላም ምስ ኣሜርካ ዝርከብ ዕርቂ የልቦን !!

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ሰነ-ሓሳብ፡ ብውጽኢቱ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰታት ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ግፍዕታትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ኣትሪሮም ዝቓወሙ ወይ’ውን ዝኹንኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ብኣውንታ ክግለጽ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብዝምልከት ግን፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ዝምድናታት ዝደናገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን።

Add a comment

ምጭፍጫፍ ,,ማንኪን,, ፡ ማህሰይቲ እምባሲ አርትራን ኣብ ሮማ

 ,,ማንኪ,, ብፋስን ማርተሎን ተጨፍጪፉ፡ አምባሲ አርትራ መንኲሱ፡ ኣባላት ህግደፍ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ሃዲሞም፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ስደተኛታት ኣብ ፈቐዶ ፕያሳታት ሮማ ብሓጎስ ይስዕስዑ፡ ተሓባበርቲ ጣልያን ንስደተኛታት ኣብ ጎድንኹም ኣለና ይብላ፡፡

Add a comment

ጸረ ህዝቢ ደርባዊ ባህርን ፋሽሽታዊ ተግባርን ህግደፍ ብኤርትራ ክጽዋዕ የብሉን?

ኣንቱም ሰባት እዚ ምስኪን ህዝቢ፡ ኣይብኢዱ ኣይብኣፉ፡ ኣይበልዐ ኣይሰተየ፡ ንገዛእ ርእሱ ተጨፍሊቑ እናነበረ ኤርትራ ከም’ዚ በለት ገበረት እናተባህለ ይሕመ፣ይኽሰስ፡ ይውቀስ ኣሎ። ሃገረ ኤርትራ’ኮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበር ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣይኮነትን። ብርግጽ ሃገረ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ ትመሓደር የላን። ዜጋታት ኤርትራ ከም ሰባት ኮነ ብእኩብ ከም ህዝብታት ነብሶም ባዕሎም የመሓድሩ የለውን ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ። ከም ንብረትነቱ ናይ መላኺ ኢሳያስ ዝኾነ

Add a comment

ብኣ ቢሎ ብኻ ምወሰዶ ንማንኪስ እዚኳ ክውሕ ዶ

ካብዞም ብዙሕ ዓመታት ዓንገረር ዝበለና

ትማል ዝመጹ መንእሰያት ይሕሹና

ተለዓል መንእሰይ::

Add a comment

ተግባር’ዩ ምስክር።

ሰብ እንተለዎ ብቕዓት ቁም-ነገር

ብኣፍ ብጃህራ ዘይኮነ ብተግባር’ዩ ዝስፈር

ኣምስሉ ከይከውን ከይህልዎ ኣበር

ብህዝቢ’ዩ ዝምዘን ተግባር’ዩ ምስክር።

Add a comment

ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን 2017-2018

ክቡራት ተኸታተልቲ መድረኻዊ ኣርእስትታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ነቲ ብምኽንያት ጽንብል በዓል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ግንቦት 24 2017 ኣብ መድረኽ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ ዘመሓላለፍክዎ መልእኽቲ፣ጉዳይና ምእንቲ ዘኽሙ(Momentum) ከየጥፍእ ክብል 2ይ ክፋል ኣተሓሒዘ ክሰደልኩም ግድን ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መልእኽተይ ኣተኩሮ ዝገበርክሉ ጉዳይ ዘተ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገራዊ ባይቶ’ዩነይሩ። እቶም ክልተ ጽላላት ኣካላት ዘተ፣ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን (ኤደኪ)ሽዱሽተ ውድባትን ዝፍለጡ ድምር ፖሎቲካዊ ውድባት’ዮም። እቲ ዘተ ብድሕሪ ምቕሃም ዋዕላ ናይሮቢ ከምዝጀመረዝፍለጥ’ዩ።

Add a comment

ኤርትራዊት መንእሰይ: ስደተኛታት ንምሕጋዝ ካብ ኣሜሪካ ናብ መዓስከር ሰደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ትጉዓዝ

ሳብሪና ኣማን ጀሚል ትበሃል። ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ኣብ ቐጠር ዝዓበየት ኮይና ድሒራ’ውን ናብ ኣሜሪካ መጺኣ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ጆርጅሜሰን ዩኒቨርሲቲ ብኮሚኒኬሽን ተመሪቓ። ቀጺላ ኣብ ዓለምለኸ ባንክ ኣብ ትሰርሕሉ ዝነብረ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ድኽነት ንምጉዳል ዝዓለመ ፕሮጀክትታት እቲ ትካል ሰሪሓ’ያ።

Add a comment

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ‘ዚ ስርዓት ኩሉ ተፈጥሮኣዊ መሰሉ ዝሰኣነ ሕብረተ-ሰብ’ዩ።

ከም ምርምራማዊ መጽናዕትን መደምደምታን ጀርመናዊ ፕሮፈሶር ስነ-ቁጠባ ማርቲን ዎልፍ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ብእንኮ ሰልፊ ህግደፍ ቆይሙ ዘሎ መላኺ ስርዓት “ ኦሊጎ ፕሎቶ ክራሲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል’ዩ። ንሱ ነዚ ኣጸዋዋዓ ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ ኦሊጎ” ን ኦሊጋርኪ” ዝብል ቃል ዝውክል ኮይኑ፡ ሓደ ኣዝዩ ንኡስ ወይ ውሑድ ጉጅለ ንፍሉይ ረብሓታት ተኣኻኺቡ፡ ስልጣን ተቖጻጺሩ፡ ናይ ዓመጽ ኣገዛዝኣኡ ንምርግጋጽ፡ ሰለም ዘየብል ኣካል’ዩ። ብኣገላልጻ ፕሮፕፈሶር ማርቲን ዎ

Add a comment

26 ሊዕሇዎት ኣዘዜቲ ሰራዊት ናይ ወጻኢ ሕክምና ከይገብሩ ተኣጊድም

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ኤርትራ ከምዘረጋገጹዎ፡ ኢሰያስ ንዕስራን ሽደሽተን (26) ሊዕሇዎትን ማእከልትን ኣዘዜቲ ሰራዊት ኣስማቶም ረቑሑ ናይ ወጻኢ ሕክምና ከይገብሩ ኣጊደዎም፡ ካብ ኢሚግረሽ ከኣ መውጽኢ ቪሳ Exit Visa ከይወሃቦም ንሚኒስትሪ ጥዕናን ሚኒስትሪ ምክሌኻሌን ዘጠቓሌሌ ጥብቒ ትእዚዜ
ኣምሓሊሉፉ ከምዘሎ ኣረጋጊጾም ምንጭታትና። ይኹን’ምበር እቲ ዜተዋህበ ጥብቒ ትእዚዜ ኣብቶም ሰሇስተ ትካሊት ጥራይ ተሓጺሩ ስሇ዗ይተረፈ፡ እቲ ሓበሬታ ዴሮ ሶሉኹ እቲ ሚስጥር ንጎዯና ምስተ዗ርግሔ ዴማ፡

Add a comment

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 183 ስደተኛታት ንስክላ ካብ ሞት ድሒኖም

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ 183 ስደተኛታት፡ ብሓገዝ ሓይሊ ባህሪ ስፔን ንስክላ ካብ ኣፍ ሞት ከም ዝተረፉ፡ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ስደተኛታት ህጻናት ከም ዝኾኑን ሓይሊ ባሕሪ ስፔን ብ6 ሓምለ 2017 ንዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማኸናት ዜና ጸብጺበን።

Add a comment

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቦታ ትዓጹ

israel

መንግስቲ እስራኤል፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ዝገብሮ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት፣ ኣብ ባር ሸባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ከምዝዓጸዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ወሲድዎ ዘሎ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፣ ነቲ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ዝጸንሐ ሪጋ፣ ጻዕቂ ሰብን ጽቕጥቅጥን ብዝበኣሰ ዘጋድድ'ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቤናይ ብራክን ኤላትን ክልተ መሐደሲ ነቑጣታት ጥራይ ከምዘለዋ ገሊጾም።

Add a comment

ጥምጥም ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ሰብ-ሕልና ጀጋኑ ደቂ-ሃገርን ኣብ “ዲያስፖራ”

ህግደፍ ነቲ ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ቃልሲ ዝነበረ ኲነታትን ግሩህ ኣተሓሳስባ ህዝብናን ተበሊጹ፣ መዘና ዘይብሉ ገንዘብን ካልእ ናይ ህዝቢ ንብረትን ክገፍፍ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ። ድሕሪ 1991 እውን እንተዀነ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እንዳተፈጠረ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣካል ህዝብና ዝዀኑ ኤርትራውያን ገንዘብ ክእክብ ከም ባህሊ ወሲዱ ዋና ስርሑ ገይሩ ቀጺልዎ
እዩ። ጌና’ውን ይቕጽሎ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ግን እቲ ዝእከብ ገንዘብ ንረብሓ ህዝብን ንልምዓት ሃገርን ክንዲ ዝኸውን፣ ብኣንጻሩ ህግደፍ ብዓመጽ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ህዝቢ ስልጣን ንኸይሕደግ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ

Add a comment

ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመን

12 ሓምለ መዓልቲ ጭፍጨፋ ኣካለ ስንኩላን ማይሓባር፡ ፋሽስታዊ ዝብኢ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣንጊሁ ዝነቀወላ ዕለት’ያ!

Add a comment

ህጹጽ ዜና

ሎሚ ቀዳም 8 ሓምለ 2017 ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለውዎም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ኣባላት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ወኪል ዜና ስምረት ካብቲ ከባቢ ሓቢሩ። እቶም ስርዓት ህግደፍ ብፍሉይ ክከታተሎም ዝጸንሐ ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ህግደፍ ከየስተባሃለሎም በብ ጉሩፕን ብውልቅን ንምምላጥ ኣብ ዝሃቀኑሉ እዋን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ስለዘርከብዎም ንልዕሊ ሰላሳ ደቒቕ ዝኸውን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምግባሮም ገርግፍ ኣብ ዝበሃል ምምሕዳር ሱዳን በጺሖም ኣለዉ። ዛጊት ክሳብ 40 ዝኸውን ቁጽሪ ዘለዎም ኣባላት ሱዳን ክኣትዉ ከለዉ ላንድ ክሩዘር ዝርከበአን ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ሒዞም ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ይሕብሩ። ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ኣባላት ኣባላት’ውን ኣብቲ ዶባት ተሓጺሮም ከምዘለዉ ወኪል ዜና ስምረት ብተወሳኺ ይሕብር። እዞም ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ነበር፡ ካብ በኒ ሻንጉል ዝበሃል ብሔረሰብ ኢትዮጵያ ዝውለዱ ኮይኖም፡ ስርዓት ህግደፍ ከም መጋባርያ ክጥቀመሎም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ታዕሊም ዝወሰዱ እዮም ኔሮም። እቲ ዋሕዚ ሕጂውን ቀጻሊ እኳ እንተሃለወ ስርዓርት ህግደፍ ኩሉ ዝከኣሎ ጌሩ ከትርፎም ይጽዕር ከምዘሎው’ን ይሕበር። ቀጻሊ ምዕባለታት ኣብ ዝቕጽል ዜናታትና ከነቕርቦ ኢና።

Add a comment

ጉጉይ ኣቅጣጫ

ቀደም፡ ነቲ ብ ተክሳስ ዝፍለጥ ዝነበረ “ ፊልሚ ጓሶት“ cowboy መን ቀዲሙ ረኣየ  ዓቢ ጉዳይ`ዩ ነይሩ፤ ……….  “ ሲናማ ኢምፔሮ “ነቶም ናኣሽቱ  ዘይሕለም ኮይኑ፤ እቶም ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብ ”ሲነማ ዳንተ“  ዝረኣዩዋ ግና  ነቶም ድሕሪ ሰሙን ኣብ ሲነማ ” ኮረቻ ሮሳ“ ንኽርእዩ ዋ ዝጽበዩ ዘለዉ ይሕክዩሎም/ ይገልጽሎም።................ ገለ ካብቶም ሰማዕቲ ነታ ፊልሚ ብዓይኒ ሕልነኦም ዳሕሲሶም ነተን 75 ሳንቲም  ኣብ ካልእ ማዓላ ኣውዒሎም  ከም ኣብ ኮረቻ ሮሳ ዝወዓሉ ኮይኖም ዝሕክዩ  ነይሮም። ኣብ ዘዘለውዎ ደሓን ይሃሊዉ።

Add a comment

ጓሳ ዘይብለን ኣባጊዕ

ኣንቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሔር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኮነን፡ ሓጢኣት ኣብ ርእሲ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትተኣታተዉ ኣለኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኮነን፡ ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ከኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣለኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሓተትኩምን፡ ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ክኸውን ኢዩ። ( ትንቢተ ኢስይያስ ምዕራፍ 30 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 3)

Add a comment

ሰዲህኤ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ኣካይዱ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።

Add a comment

እቲ ናታስ ንሓማታ”

ኣብ ሓምሻይ ክፋል ጽሑፍና፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኤርትራ ከይትምዕብል ዓጊቶም ሒዞማ ዘለው፡ ናይ ደገ ሓይልታት’ዮም፡ ብፍላይ ከኣ ኣመሪካን መርጋበርያኡ ስርዓት ወየኔን’ዮም” ንዝበሎ መሰረት ገይርና፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ፡ መጀመርያ ኣብ’ዚ ዞባ’ዚ ንናይ ምዕራብ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ተዓሲቡ ከገልግልን፡ ኣርሓ ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ኮይኑ ክረአን ዝነበሮ ሕልሚ፡ ምስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዝጻሕተሮ ኲናት ተሳዒሩ ምስ ወጽ

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኬባ መሰጋገሪ መሪሕነት ግሃድኤ-ሕድሪ

ማእከላይ መሰጋገሪ መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዕለት 14 / ሓምለ / 2017 መበል ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብኣዝዩ ስጡም፡ ግሉጽ፡ ሕድ-ሕዱ ተኣማሚኑ ጉዕዞ ቃልሲ የማእዝን ምህላዉ ብዘንጻባርቕ መልክዕ ኣሰላሲሉ፡፡

Add a comment

መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ...............

ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብምምላመበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ሃገረ ጅቡትን ስርዓት ህግደፍን ዝደገሰ ግርጭት ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበን ውሳነ ድማ ከም ዘሕለፈን ተገሊጹ።
እቲ ግጭት ብሃላሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ 2008 ከምዝተጀመረ፡ ንግስነት ቀጠር ካብ 2010 450 ዓቀብቲ ሰላም ወተሃደራት ኣዋፊሩ፡ ብመነጎኝነት ክሽምግሎ ምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንግስነት ቀጠር መስርሕ ሽምግልና ኣቍሪጹ ወተሃደራቱ ምስ ሰሓበ፡ ህግደፍ መሊሱ መሬት ጅቡቲ ከም ዝወረረ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ብዘቕረቦ ናይ ተወሪረ ጥርዓን መሰረት ድማ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን እቲ ሕብረት ነቲ

Add a comment

ዕደና ወርቂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቂ ሰባትን ኣካባብን ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማት !!

ጉጅለህግደፍካብጽባሕናጽነትኣትሒዙኣብህዝብናዘውርዶዘሎበደልንግፍዕን፣እዚኢልካክጽብጸብኣሸጋሪኢዩ።ሎሚብዛዕባዕደናወርቅንሳዕቤናቱንኣብኤርትራኣልዒልና፣ካብውሽጢኤርትራብዝርከቡ ውፉያትተቓለስቲ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተላእከልና ብስእሊ ዝተሰነየጽጹይሓበሬታከነቕርብንፈቱ።

Add a comment

ደምዳሚ መግለጺ 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) ድሕሪ'ቲ ውድብና፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት 2017 ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዘካየዶ 7ይ-ውድባዊ ጉባኤኡ፡ ንመበል ካልኣይ ጊዜ፡ ካብ 01 ክሳብ 05 ሓምለ 2017፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ።

Add a comment

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ግዛኣተይ ብወተሃደራት ኤርትራ ተወሪሩ ክብል ንዘቕረቦ ክሲ ከጻሪ ንዝመዘዞ ኣካል፡ መንግስቲ ህግደፍ ኣይቅበልን ክብል ከም ዝነጸጎ ተፈሊጢ።

ኣብ’ቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ወተሃደራት ብምስፋር፡ መስርሕ ሽምግልና ሒዛ ዝነበረት ሃገረ ቀጠር፡ ወተሃደራታ ኣውጺኣ መስርሕ ሽምግልና ምስ ኣቋረጸቶ፡ መንግስቲ ህግደፍ ከም ኣመሉ፡ ንልኡላዊ ግዝኣት ጅቡቲ ወሪሩ ከም ዝሓዘ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ተወሪረ ክሲ ከም ዘቕረበ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ክሲ መሰረት ገይሩ ኣብ’ቲ ብዕለት 5-6 ሰነ 2017 ዘካየዶ መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ምስ ክልቲኣቶም መንግስታት ዝዘራረብ፡ ነቲ ቦታ ድማ ብኣካል ዝዕዘብ ልኡኽ ክሰድድ ብዘመሓላለፎ ው

Add a comment

ኤርትራ ማዕድናት ካብ ዘፍርያ 81 ሃገራት ዓለም ብምምሕዳራዊ ዓቕሚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ

ኤርትራ ዝተፈላለየ ማዕድናት ካብ ዘፍርያ 81 ሃገራት ዓለም ብምምሕዳራዊ ዓቕሚ ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ከምዘላ ተገሊጹ። ባህርያዊ ሃብትን ምምሕዳራዊ ዓቕምን ዝከታተል ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ናይ 2017 ጸብጻቡ፣ ንግሉጽነትን ተሓታትነትን፣ ነዳዲ፣ ጋዝን ማዕድናትን ዘፍርያ ሃገራት ዓለም መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ንኖርወይ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክሰርዓ እንከሎ፣ ንኤርትራ ከኣ ኣብ መወዳእታ ሰሪዑዋ ይርከብ።

Add a comment

23- ኤሱዙ(isuzu) ናይ ሓለፍቲ መካይን ተኣጊዯን፡ 5- መራሕቲ መካይን ተኣሲሮም።

ምንጭታት ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ዗ካየደዎ መጽናዕቲ፡ ንክልተ በበይኑ ፍጻሜታት ግና ናይ ሓባር ረብሓን ምትእስሳርን ዗ለዎ፡ ኮነ ኢልካ ብልሽውና ንምዕባይ ክስርሓሉ ጸኒሑ። ንክልቲኡ ፍጻሜታት ዗ቃልዕ ብክልተ ሓረጋት ተገሊጹ ነናቱ ኣስማት ተዋሂቡዎ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ

Add a comment