ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ከም ቃሕታኻ ዝመሓደር ሃገራዊ ፖለቲካዊ ህይወት የሎን ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራሲ ወይ ከኣ ባርባራዊ ጭቆና’ዩ።

ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካዊ ጭቆና ውጽኢት ናይ ድኹም ኣተሓስስባ’ዩ። ጭቆና ውጽኢት ናይ ዕውር ስሰዐ’ውን እዩ። መሰረት ናይ ከም’ዚ ዝበለ ኣተሓሳስባን ውጽኢቱ ዝኾነ ጭቆናን ከኣ ስልጣን’ዩ። ግጉይ ኣጠቓቕማ ስልጣን። ስልጣን ምስ ዘይመቓራሕ፣ ስልጣን ምስ ዘይከፋፈል፣ ኣብ ኢድ ውሑዳት ወይ ሓደ ሰብ ጥራሕ ምስ ዝኹመር፡ መሳርሒ ህዝቢ ምዃኑ ተሪፉ፡ መሳርሒ ዓመጽን ግህሰትን ይኸውን። እዚ ናይ ዓመጽ ወይ ጭቆና መንግስታዊ ምሕደራ፡ ካበይ ይብገስ ብደቂቕ ክትፈልጥ፡ ብዓይኒኻ ት