ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ኤውሮጳ፣ ኣንጻር ኣኼባታት ህግደፍ ተቓውሞታት ይቕጽል

Eri Demoመቐጸልታ ናይቲ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣንጻር ኣኼባታት ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ተቓውሞታት፣ ኣብ ጀርመን ከተማ ከለን'ውን ዝነብሩ ኤርትራውያን'ውን ብሰንበት 14 ግንቦት ተመሳሳሊ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብሰንበት 7 ግንቦት'ውን ኣብ ጀርመን፣ ስቱትጋርት ክካየድ ዝተወጠነ ኣኼባ ህግደፍ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ድሕሪ ዝገጠሞ ተቓውሞ፣ ናብ ካልእ ኣዳርሽ ክግዕዝ ከምዝተገደደ ኣይርሳዕን።