ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

መግለጺ ኩናኔ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ መራኺቢ ብዙሃን ብፍላይ ኣብ ፌይስቡክን ኣብ ቴሌግራማትን ቲዩተራትን ዝኸይድ ዘሎ ፡ብገለ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ብግበታዊ ስርዓት ዝተወደቡን፡ውልቀ ስሚዒቶም ንምርዋይ ኮነ ፡ንውልቃዊ ረብሓን ጥቕሞምን ንምስላጥ ዝዓለመ፡ንህዝባዊ ሰውራ 31 ጥቅምቲ ኣኽሪያ ዘይመልክዑ ብምትሓዝን ፡ ብምጥምዛዝን ናይ ጃሃዳውን ጡርፉነታውን መልክዓት ምትሓዝ ጥራይ ከይኣክል ፡ ነቲ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ዓበይቲ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን ፡ ንዘበናት ብሰላምን ፍቕርን ምክብባርን ዝነብረሉ ዝነበረ ኣካውና ብምርሳዕ ፡ ንክፋጠጡን ከይተኣማመኑን ዝገበር ፕሮፖጋንዳታትን መናፍሕን ይሰዱ ምህላዎም ፡እዚ ተግባርዚ ውልቃዊ እምበር ንብሙሉእ ህዝብታት እስላምን ክርስቲያንን ኤርትራውያን ከምዘይውክልን ብምእማን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ይኹን ኣብ