ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ንዘካየድዎ ተቓውሞ ንምድጋፍ፣ ሰልፍታት ይቕጽል

Paris Manif

ነቲ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብ31 ጥምቅቲ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ተቓውሞ ንምድጋፍ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይቕጽል ኣሎ። በዚ መሰረት፣ ኣብቲ ኣብ ከተማታት ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ፣ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫ፣ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ኣመሪካ ከተማ ሲያትልን ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝተሳተፉ ኣማኢት ኤርትርውያን፣ ኣሳእል ናይቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን ብምልዓል፣ ብዘይሕጊ ምእሳር ዜጋታት ደው ክብል ጸዊዖም።