ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ብህዝባዊ ምልዕዓላት አብ ጀርመን ዚተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ

መልዓሊ ምኽንያት ናይዚ በሳእል ተሰንዩ ትርእይዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ነቶም ወዲ 93 ዚዕድሚኦም ኣቦ - ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር - ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ኣስታት 11 መዓልታት አብ ከተማ ኣስመራ ዚገጠሞም ናይ ማእሰርቲ ዓዘራን-ግፍዕን ነይሩ። ኤርትራዊ አብ ሃገር ጀርመን ድማ ንህግደፍ ኵናኔኡን ብድሆኡን ንምስማዕ ካብ ርሑቕን ቀረባን፡ ንጀለምታን ክረምትን ጠሓሒሱ አብዚ አብ ከተማ ፍራንክፎርት ብምርካብ ዚሰፍሓ  ሰላማዊ ሰልፊ አካይዱ።