ሰፊሕ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ደንማርክ ዓርቢ ዕለት 24 /11/ 2017 ልክዕ ሰዓት1200 ክኸዉን እዩ። ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ማእከል ርእሰ ከተማ ኮፐንሃዉን (Københavns Rådhuspladsen ) ክብገስ እዩ።

ወገን ህዝብን ወገን ጸላእ ዘነጸረ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ

መበቆሎም ብዘይገድስ ስርዓታት፡ ጸላእቲ ህዝቢ ክኾኑ ኢሎም ጸላእቲ ኣይኾኑን። ህዝቢ ብወገኑ ንሓደ ስርዓት ካብ ባዶ ተበጊሱ ብጸላእነት ኣይሰርዕን። ሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት ፈታዊ ወይ ጸላኢ፣ ወገን ብዙሓትን ውጹዓትን ወይስ ወገን ውሑዳት ገዛእቲ ደርብታት ምዃኑ ዝውስን ባህሪኡ’ዩ። ባህሪ ኣረኣእያ ስለዝኾነ ረቂቕ’ዩ። እቲ ስርዓት እንታይ ባህሪኡ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይሓትት። ምስ ናይ ካልኦት ሕሉፋትን ህልዋትን ስርዓታት እናነጻጸርካ ምርኣይ የድሊ። ነዚ ኩሉ ክትግበር ከኣ ናቱ ግዜ ይወስድ። ዝበዝሕ ህዝቢ ናብ ዕለታዊ ዋኒኑ ደኣምበር ናብ ፖለቲካ ትኹረት ሂቡ ነገራት ብደቂቕ ስለዘይከታተል፡ ካብ ባህሪኡ ተበጊሱ እዚ ኣንጻር መንነተይ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰለይ፣