ጠንቂ ምድኻም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ውድዓዊ ድዩ ባዕላዊ?

ኣንቱም ሰባት ንበይነይ ድየ ተሃዊኸ ወይስ ኩሉኹም ከም’ዚ ከማይ ኢኹም? ኣነ’ኮ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጸገም ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ምንቅስቓስ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ብፍላይ፡ ኣበይ በጽሐ፡ እንታይ ተባህለ
ተገብረ ክከታተል ውልቀ ማሕበራዊ ህይወተይ ምምራሕ ስኢነ። ረዚን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘይብሉ ኣብ እከለ ውድብ ምፍንጫል ተፈጢሩ፡ እከለ ኣንጻር እከለ ጽሒፉ፡ ኣብ ኢንተርኔት ዘርጊሑ፡ ርኢኻዮዶ
ኣንቢብካዮ’ዶ ዝብል ፈኲስ ዕላል እንተዘይኮይኑ፡ ከም’ቲ ዝደልዮን ዝምነዮን እከለ ዝተባህለ ውድብ’ኮ ውሽጣዊ ሓድነት ኣለዎ፡ ብተግባር ከኣ ጽቡቕ ንጥፈታት ይገብር’ዩ።