በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ብስም "ውህሉል ዕዳ" ሰሊዕዎ ብዘሎ ክፍሊት፣ ህዝቢ የማርር

ELPA

በዓል መዚ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ብስም "ውህሉል ዕዳ" ንዓማዊሉ ሰሊዕሎም ዘሎ ክፍሊት፣ ንህዝቢ ከምዘማርር ጌርዎ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ በዓል መዚ፣ ብሰንኪ ክኽተሎ ዝጸንሐት ዘይቅርዑይ ምሕደራ፣ ተገልገልቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ወርሓዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከይከፈሉ ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ብስም "ውህሉል ዕዳ" ተሰሊዕሎም ዘሎ መጠን ገንዘብ ካብ ዓቕሚ እቲ ዝበዝሐ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ምዃኑ ኣስሚሮም።