መግለጺ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብምኽንያት ዓለምለካዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

መብዛሕቲኡ ህዝቢ ዓለም 8 መጋቢት ከም ዓለምለኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣኽቢሩ ይውዕል። እዚ ዝኾኑሉ ከኣ፡ ሳላ’ቲ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወረደ ድርብ ወጽዓን ብሰንኪ ድሑር ባህልታትን ጌጋ ኣተራጒማ  ሃይማኖታት ዘስዓቦ ጸቕጥታት፣ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየድ   ዘይሕለል ቃልሲ ዝተበጽሐ ኢዩ።