ኣብ ጉዳይካ ካብ ምክሳስ ምድግጋፍ

ብሃገረ ደረጃ ዝፍጠር ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ባህሪያዊ ሓደጋታት ዘኸተሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጎ ግዳያት ምክሳስ ምውቕቓስ ዘይኮነ፡ ምድምማጽ ምድግጋፍ’ዩ ፍቱን መድሓኒቱ። እቲ ጸገም ሰብ ዘምጸኦ እንተደኣ ኮይኑ፡ ናይ’ቲ ጸገም በዓል ቤት መን? ስለምንታይ? ብኸመይ? ምፍላጥ የድሊ። ባህሪያዊ ሓደጋ ምስ ዝኸውን’ውን ከምኡ፡ መንቀሊኡ ፈሊጥካ ዝምከተሉ ውጥን ምጽናዕን ምውጻእን የድሊ። ኣብ’ዚ መሰረታዊ ረቛሒታት’ዚ እኹል ሓበራዊ ኣገንዝቦ ምስተታሕዘ ድማ፡ ናይ ተግባር መደባት ትስእልን ነብስኻ ከፋፊልካ፡ ዘድሊ ዕጥቂ ወኒንካ ትወፍር’ሞ ኣድማዒ ውጽኢት ከኣ ተመዝግብ። ዝወረደ ሓደጋ ብማዕረ ዝሃስየካን ብዘይ ናይ ኩልኻ ተሳተፎ ዘይምከት እናሃለወን፡ እቲ ጾር ክራገፈልካ ትደሊ፡ ተ