ፖለቲካዊ ምጽማም እንተነዊሑ፡ ናብ ፖለቲካዊ ዕሽነት ይቕየር፡

ኣብ ዝኾነ ዓውደ ስራሓት ዓንቀፍቀፍ ከጋጥም፡ ኣብ መንጎ ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ስራሕ ዝራኸቡ ሰባት ዘይምቅዳው እንክፍጠር፡ ድሌትን ክውንነትን ምጥዕዓም ኣብዩ ክላተም፡ ኣብ ክንዲ  ብዝመስለካ ወይ ዝሓዝካዮ ቅጽበታዊ ግብረ መልሲ ምሃብ፡ ብልቦና ብትዕግስቲ ክትሪኦ ክትምርምሮ ግዜ ምሃብ ሓላፍነታዊ ምዃንካ ዘመልክት ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ’ዩ። መበገሲ ናይ’ቲ ዘይምቅዳው ካብ መሰረታዊ ናይ ባህሪ ፍልልይ ዝመንጨወ፡ ሓደ ብዋጋ ናይ’ቲ ካልእ ክነብር ዝዓለመ ኮይከውን ኣዳቒቕካ ምፍላጥ ከኣ፡ ልቦና ብዱል ወይ ብዱላት ዝሓትት’ዩ። ብዱል ወይ ብዱላት መበገስን መዕረፍን ናይ’ቲ ግጭት ብግቡእ ከየጽንዑ፡ በዳሊ ክሳብ ዝልብም ደረት ንዘይብሉ ግዜ ክጽመሙ እንተመሪጾም ግን፡ ልቢ ምዕባይ ዘይኮነ መርኣያ ዘይብስለት  ፖለቲካዊ ልምሰት’ዩ ዝኸውን።