ብርክት ዝበሎ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገስ ማሕበራት ዝተረኽብሉ ዋዕላ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ለንደን ተቓኒዑ።

ብርክት ዝበሎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገስ ማሕበራትን ሃገራውያን ውልቀ ባእታታትን ዝተሳተፍዎ፡ “ፖለቲካዊ ዘተ ንሓባራዊ ዕዮን ሕብረተ-ሰብኣዊ ጥምረትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ፡ ኣብ ዕለት 7ን 8 ሚያዝያ 2018 ኣብ ከተማ ለንደን  ከም ዝተኻየደ፡ ብ8 ሚያዝያ 2018 ዝተዘርገሐ መግለጺ ናይ’ቲ ዋዕላ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተወስደ ተበግሶ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዓቢ ድርኺት ዝፈጥር’ዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡  ገምጋም ሕሉፍ ተመክሮ ኣብ ኤርትራዊ ሓባራዊ ዕዮ፣ ሕድሕድ ምትእምማን ብኸመይ ክህነጽ ይኽእል ከምኡ’ውን ራእይ ደሞክራስያዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናብ ዝብል ዘቕንዑ ብርክት ዝበሉ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝቐረብሉ መድረኽ ከም ዝነበረ፡ ኣብ’ቲ ጽሑፋት መሰረት ብምግባር ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡ ከም’ዚ ዓይነት መድረኻት ቀጻሊ ክኸውን ከም ዝተራእየን ኣረዲኡ።

 

 ኣብ’ቲ ዋዕላ 10 ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ከምኡ’ውን 6 በርገስ ማሕበራት ከም ዝተሳተፋ፤ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝግበር ዘን ውጽኢቱን ብቐጥታ ኣብ ህዝቢ ምብጻሑን ዘይምብጻሑን ዝከታተሉ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ጸጊዕነት ዘይብሎም ነጻ ውልቀ-ሰባት ክህልው፡  ኩለን ምስ  ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዝዋሳኣ ናይ ዜና ማዕከናት ንሓድነት ህዝቢ ከምኡ’ውን ንዕብየትን ሓያልነትን ደምበ ተቓውሞ፣ ቀዳምነት ሂበን ክሰርሓን ከም ዝጸወዐ’ውን እቲ መግለጺ ኣረጋጊጹ።