ትርጉም ህይወትን ምንባርን ኣብ ኤርትራ

ንሓደ ሰብ፡ ሓቀኛ ትርጉም ህይወትን ምንባርን ግለጽ ተባሂሉ ምስዝሕተት፡ እንታይ ኢሉ ከምዝምልስ ንምግማቱ የጸግምዩ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት፡ ምስ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘሎ ናይ ሰባት ትርጉም ህይወትን ምንባርን፡ ሰማይን ምድርን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብናተይ መረዳእታ፡ ሰባት ሓቀኛ ትርጉም ህይወት የስተማቅሩ ኣለዉ ክብሃል እንተኾይኑ፡ እታ ዘላቶም ሃብቲ፡ ገንዘብ፡ ጥሪትን ንብረትን ማለትዩ፡ መንፈሳውን ነገራውን እምነቶም፡ ስምዒቶም፡ ብዘይ ግዳማዊ ተጽዕኖን ትእዛዝን፡ ብናጽነት በታ ቃሕ ትብሎምን ትርድኦምን ፍልስፍና፡ መዓልታዊ መደባቶም ከሰላስሉ ምስዝኽእሉዮም፡፡ ትርጉም