ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ            حزب النهضة الإريتري                      

 

            

 ክፍሊ ዜናን ባህልን                                                        مكتب الإعلام                        

 “ቀዳማይ ጉባኤ ጨንፈር ወሽመጥ ዓረብ

ብዓወት ተሰላሲሉ

 

ቀዳማይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ጨንፈር ወሽመጥ ዓረብ ብዓርቢ ዕለት 13.06.2008 ብዓቢ ዓወት ተሰላሲሉ።  

 

ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝመጹ ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ክርከብዎም እንከለዉ ኣቦመንበር ሓጋጊት ባይቶ ከምኡውን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሉኡኽ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ስርርዕን ብምክፋሎም ነቲ ጉባኤ ተወሳኺ ድምቀት ክህቦ ክኢሉ።

 

እዚ ሰሩዕ ጨንፈራዊ ጉባኤ ኣባላት ኣብ መሪሕነት ኮይኖም ሃገራዊ ጉቡኦም ክፍጽሙ ዝጸንሑ ንጥፈታት ስራሕቶም ካብ ዝጀመርሉ እዋን ስጋብ ዕለተ ጉባኤ መግለጽን ጸብጻብን ኣቕሪቦም።

 

ኣብ ናይ ምምይያጥ ኣጀንዳ ዝወረዱ ሮቛሒታት ነታ ዝሓለፈት ጨንፈራዊት መሪሕነት ኣብ ዕድመ ጉዕዞኣ ንዘጋጠማ ኣሉታውን ኣወንታውን ነጥብታት ብተጋባእቲ ኣብ ገምጋም ድሕሪ ምእታው ብሓደ ሸነኽ ነቲ ክስራሓሉ ዝጼነሐ መደብ ዕዮን ውሽጣዊ ሕግን ኣመሓይሾሞ ኣጽዲቆም በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንዝካየድ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ብኸመይ ኣገባብ ንኽዓዉትዎ ምኽኣል ዝብል ነይሩ።

 

ይኹን እምበር ካብ መሰረታት ዝቐረቡ ሸውዓተ (7) ቡቑዓት ኣባላት ናይ መሪሕነት ሓላፍነት ተሰኪሞም ሃገራዊ ጉቡኦም ብዝማዕበለን ዝሰልጠነን ሜላ ተጠቂሞም ንኽዋስኡሉ ብተጋባእቲ ተመሪጾም።

 

ተጋባእቲ ብወገኖም'ውን ንዝመጽእ ውድባዊ ጉባኤ ብኹሉ መዳያቱ ብተዳልዮሙሉ ዘለዉ ሜላታት ንኸዓወኡትዎ ካብ መሰረታት ስጋብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት ናህዳ ቃል ከምዝኣተዉ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንናይ ናጽነትን ሓርነትን ስዉኣትና

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ሰላምን ብልጽግናን ንህዝቢ ኤርትራ