ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ኤርትራ ን33 ዓመታት ብኸመይ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር ኣላ?
ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት መበል 33 ዓመት በዓል ናጽነታ ብኽብ ዝበለ ድምቐት ኣብዒላ።እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ንእሽቶ ሃገር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ እያ ብ24 ግንቦት 1991 ናጽነታ ተጐናጺፋ።
ሓድሕድ ባእሲ ኤርትራውያን ብዘሕዝን መልክዑ ይቕጽል
ትማሊ ሰንበት ኣብ ሸፊልድ ብሪጣንያ ኣብ ጎደናታት ብዝተፈጥረ ባእሲ ኤርትራውያን 22 ሰባት ኣብ ሕክምና ተዓቒቦም ከም ዘለዉ ደይሊ መይል ገሊጻ።
እንግሊዝ፡ ኣብ ጐደናታት ብዝተኻየደ ከቢድ ዕግርግር 25 ሰባት ተኣሲሮም
እቲ ዘጋጠመ ባእሲ ኣብ መንጐ ኤርትራውያን ደገፍን ተቓወምትን ዝተፈጥረ ባእሲ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ ገለ ሓበሬታታት ግን ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጠቐሶ 'ካልእ ፍሕሶ ኲናት' ካብ ምንታይ ዝብገስ እዩ?
ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሃገራዊ በዓል ናጽነት ብድምቀት ከተብዕል እንከላ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኲናት ከጋጥም ከም ዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" የድሊ ምባሉ ይዝከር።