ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ኰይኑ
ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ሎሚ ዓመት ንመበል 111 ግዜ ዝተኻየደ 21 መድረኻት ዝነበሮ ቱር ዲ ፍራንስ ኣብታ ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር ትውሃብ ቀጠልያ ማልያ 387 ነጥቢ ብምውህላል ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ’ሎ።
ኤርትራን እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መድሃኒት ዝጻወር ዓሶ የስፋሕፍሕ ኣሎ
ተመራመርቲ መድሃኒት ሕማመ ዓሶ ምጽዋር ዓቕሚ ዘለዎም ጽግዕተኛ ሕማም ዓሶ ኣብ ኣፍሪቃ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ብህጹጽ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ህይወት ሚልዮናት ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣጠንቂቘም። እዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ሕማም፡ በቲ ኣርተሚሲኒን ዝበሃል መድሃኒት ዓሶ ናይ ምክልኻል ባህሪ ኣጥርዩ ከምዘሎ’ዮም እዞም ተመራመርቲ...
ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ ልዕሊ 18 ሽሕ ተማሃሮ፣ እቶም ኣስታት 75% ተሪፎም
ኣብ ኤርትራ፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ወይ ማትሪክ ካብ ዝተፈተኑ 18,638 ተማሃሮ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፣ እቶም ኣስታት 75% ከምዝተረፉ ተሓቢሩ።
ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ጸወታ ክዛዘም ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ወዲቝ፡ ጃስፐር ቀዳማይ ወጺኡ
መበል 16 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ እታ ናይ መወዳእታ ጐልጐል ዝዓብለላ መድረኽ ኰይና ካብ ጉሩሳን ናብ ኒመስ ዝዝርጋሕ 188.6 ኪሎሜተር ትዝርሕ’ያ ነይራ።