ህወሓት ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ዝሃቦ ግብረመልሲ
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ገለ መራሕቲ ናይቲ ብኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝምራሕ ወገን ህወሓትን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ብስቱር ይራኸቡ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ምጽንሖም ይፍለጥ እዩ። "ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን...
Latest releases
ሱዳን፡ ከም ምሩኻት ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣበይ ኣተዉ?
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ሓያለ መንእሰያት ካብ መኪና ጽዕነት እናወረዱ ክቕጥቀጡን ክጋፍዑን እንከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ፡ ቢቢሲ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ግዳያት፡ ብሓይልታት ሱዳን ከም ምሩኻት ዝተታሕዙ ልዕሊ 50 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ከም ዝዀኑ ኣቃሊሑ ምንባሩ ይዝከር። እዞም፡ ድሕሪ ሽዑ ህጣሞም ጠፊኡ ዝጸንሐ መንእሰያት፡ ኣብታ ከም መሰጋገሪ ንካልእ ስደት ክትኰኖም ዝመረጹዋ ብዂናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ሱዳን ዘይሓሰብዎ...
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ውሕስነት ክወሃቦም ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ
እቶም ካብ ኤርትራ ብክልላት ዓፈርን ትግራይን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዓለምለኻዊ ዕቝባን መሰረታዊ ድሌታትን ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ግቡእ ውሕስነት ክወሃቦም፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት - ዩኤንኤችሲኣር ጸዊዑ።እቲ ኮሚሽን ሎሚ ረቡዕ 20 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቝባ ንኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ጸብጻብ ኮምሽን ስደተኛታት፡ ካብ ጥሪ 2024 ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ኣዋርሕ፡ ልዕሊ 20ሽሕ፡ ሓደስቲ ናብ ኢትዮጵያ...
ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝቕመጥሉ ሆቴል ኣልዒልዎ ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?
ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምምሕዳር ማንቸስተር ዓቢይ ዝርከብ፡ ኣብ ቀረባ ኣስታት 300 ሓተትቲ ዕቝባ ክነብርሉ ዝጀመሩ ሆቴል ዝቕመጡ ሰባት ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ሕቶታት ከልዕሉ ጀሚሮም።ኣብዚ ክሬስታ ኮርት ዝተባህለ ሆቴል ዝነብሩ ዘለው ሓተትቲ ዕቝባ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ይእመን። ኣብ ግሬተር ማንቸስተር ቤት ምኽሪ ከባቢ ትራፎርድ ንጕጅለ ተቓዋሚ ዓቃባውያን ዝመርሕ ናታን ኢቫንስ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ድሕነት" ከም ዘሎን፡ እቲ ብሰልፊ...
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተኣስሩ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከፊሉ
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ እስራኤል ኣብ መንጎ ደገፍቱን ብስም ምንቅስቓስ ‘ብርጌድ ንሓመዱ‘ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብተደጋጋሚ ዝተወልዐ ናዕቢን ጎነጽን ንዝተኣስሩ ሓያሎ ደገፍቱ ብዋሕስ ንምውጻእ፣ ልዕሊ 22 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፈለ፣ ዋይ ኔት ዝተባህለ መርበብ ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ። እቲ መርበብ፣ ቅብሊት ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኤምባሲኡ ንዋሕስ ዝኸፈሎ 84 ሽሕ ሽክል...