መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
ግብጺ፡ ናብራ ኤርትራውያን ከመይ ኣሎ? 'ብውሑዱ ልዕሊ 150 ስደተኛታት' ተባሪሮም
ግብጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት "ብወግዒ ብዘይተገልጸ ምኽንያት ብስቱር፡ ብውሕዱ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎገት" ኣብ ግብጺ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንቢቢሲ ሓቢሮም። ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ነቂሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ እዚ ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዘጋጠመ ዝምልከት ጥራይ ምዃኑ'ውን ይነግሩ። በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ'ቲ ኣብ ካይሮ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩሉ ከባቢታት ድሕሪ ዝተገብረ ግፋ፡ ፈለማ ምስተኣስሩ ኣብ 'ጊስም ሌዋ' ዝብሃል...
ኤርትራ፡ 13 ሰባት ድሕሪ 18 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ካብ ማይስርዋ ተፈቲሖም
መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ሰባት ከም ዝፈትሐ መቕርብ እሱራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እዞም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሞያውያን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ትማሊ 4 ታሕሳስ ናብ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም። እዞም እሱራት፡ ንጉዳይ ክልተ ነጋዶ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግድ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ካብ ጥቅምቲ 2007 ኣትሒዞም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ንሓያለ ዓመታት ኣብ ማይስርዋ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓቢሩ።
ዘስካሕክሕ ሞት ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ጀርመን፡ ዘይተመለሱ ኣገደስቲ ሕቶታት
ጀርመናውያን ክኢላታት መርመራ፡ ንናይ መወዳእታ ሕልፈት ናይታ ኣብ ጫካታት ራይንላንድ-ፓላቲና ኣእዳዋ ተቘሪጹ ዝተረኽበ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊትን ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ዝተረኽበ ውሉዳን ንምፍላጥ፡ ሓበሬታታት ኣብ ምምእራርን ምግጥጣምን ተጸሚዶም ይርከቡ። እቲ ኣእዳው ኣብ ጽርግያ ኤይ-45 ድሕሪ ምርካቡ፡ ዝተወስደ ኣሰር ኣጻብዕቲ ምስ ተመርመረ እዩ ምስታ ኣብ መንበሪ ዕቝባ ቦን ክትነብር ዝጸንሐት ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ተኣሳሲሩ ክግለጽ ጀሚሩ። እዚ ድማ ሰፊሕ ድልያ ናብ ምክያድ ደፊኡ፣ ሰበስልጣን ክሳብ ልዕሊ 100 ኪሎሜተር ዝርሕቀቱ ከባቢ ሞንርያል ብምንቅስቓስ ተፍትሽ ኣካየዱ። ...
ጀርመን፡ ዘይተወድአ ጉዳይ ኤርትራዊት ግዳይ፡ ዝተረኽበ ሬሳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብን
ኣብ ጀርመን ዝተረኽበ ሬሳ ናይታ ሃለዋታ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ኤርትራዊት ክኸውን ከምዝኽእል ዝጸብጸባ ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ፡ መጻምድቲ ናይታ ግዳይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይሕብራ ኣለዋ። ቢልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ዝተመታተረ ሬሳ ምስ ኩነታት ናይታ ኣእዳዋ ተቖሪጹ ኣብ ደረት ጽርግያ ዝተረኸበ ጓል 32 ዓመት "ዝመሳሰል" ምዃኑ የመልክት። ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምስክርነት ንክህብ ክድለ ዝጸንሐ ወዲ 42 ዓመት መጻምድታ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገር" ኣብ ቀይዲ...

























