ዑደት ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራን ዞባዊ ኵነታትን
ምክትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወሊድ ዓብደልከሪም ኣልኸሪጂ ብሓሙስ 12 ለካቲት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ናብ ኣስመራ ብምእታው ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ገሊጸን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዑደት ናይቲ ብምክትል ምኒስተር፡ ኣብ መንጎ...
Latest releases
ኣቢይን ሩቢዮን ብዛዕባ እንታይ ተዛራሪቦም?
ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ብስልኪ ከምዝተዘራረበ ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብሰሉስ 21 ሓምለ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ እቶም ሰበስልጣን "ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት" ከምዝተዘራረቡ እዩ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ ዘሎ። እቶም፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ጸሃፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ምርግጋእ ኣብ ምፍጣርን ቍጠባዊ ዕብየትን ኣልዒሎም ከምዝተዘራረቡ ዝወጸ ሓበሬታ የመልክት። እዞም ሰበስልጣን...
ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ካበይ ናበይ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ቀዳም 19 ሓምለ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ 'ጽምዶ' ክትፈጥር ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሐ ሕዱር ኣጠማምታን ውሳነን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ጠቒሱ፡ እናተተኻኽኡ ዝመጽኡ ምምሕዳራት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 80 ዓመታት በደል ኣብ ርእሲ በደል ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም፡" ብምባል፡ ሕጂ ግን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምስ ምልሶት ትራምፕ ክመሓየሽ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ኣተንቢሁ።
ብሪጣንያ፡ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ተኣሲሮም
ፖሊስ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ኣብ መላእ ምምሕዳር ዌስት ሚድላንድስ ድሕሪ ዘካየዶ ወፍሪ ኢሚግሬሽን ልዕሊ 20 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ብዘይሕጋዊ መገዲ ይሰርሑ ነይሮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣበጻጻሕቲ ንብረት [ደሊቨሪ]፡ ኣብ በርሚንግሃም፡ ኮቨንትሪን ሄረፎርድን ብዝርከቡ ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት ገሊጹ።ፖሊስ ዝዘርግሖም ምስልታት፡ ኣብ መደበር ባቡር ኒው ስትሪት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኤሌክትሪክ ብሽክለታታት ተጠቒሞም ተባሂሎም ደው ኣብ ዝበሉሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው የርእዩ። እዚ፡ ኣብ...
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ ዘልዓሎም 5 ቀንዲ ጉዳያት
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳም 19 ሓምለ ምስ ኤሪ-ቲቪ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዝዳህሰሰ ቃለመሕትት ኣካይዱ። ኣብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ መግለጺታት፣ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ምስኦም ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ። እዚ ኰይኑ ግን፡...

























