ሕቡራት ሃገራት ንሓቀኛ ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ካርታ ዓለም ዝሃቦ ውሳነ
ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንዘመናት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕናን ንኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዋ ቅኑዕ ዓቐን ኣንኢሱ ዘርእን ካርታ ዓለም፡ ብሓድሽ ሓቀኛን ስፍሓት እታ ኣህጉር ብዝግባእ ዝገልጽ ካርታ ንምትካእ ድምጺ ሂቡ። እቲ ብቶጎ ዝቐረበን ብዅለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈን "ነቲ ካርታ ኣዐርዮ" ዝብል እማመ፡ ብድምጺ 164...
Latest releases
ጀርመን፡ ዘይተወድአ ጉዳይ ኤርትራዊት ግዳይ፡ ዝተረኽበ ሬሳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ውልቀሰብን
ኣብ ጀርመን ዝተረኽበ ሬሳ ናይታ ሃለዋታ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ኤርትራዊት ክኸውን ከምዝኽእል ዝጸብጸባ ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ፡ መጻምድቲ ናይታ ግዳይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይሕብራ ኣለዋ። ቢልድ ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ርእሲን ኣእዳውን ዘይብሉ ዝተመታተረ ሬሳ ምስ ኩነታት ናይታ ኣእዳዋ ተቖሪጹ ኣብ ደረት ጽርግያ ዝተረኸበ ጓል 32 ዓመት "ዝመሳሰል" ምዃኑ የመልክት። ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምስክርነት ንክህብ ክድለ ዝጸንሐ ወዲ 42 ዓመት መጻምድታ፡ "ኣብ ወጻኢ ሃገር" ኣብ ቀይዲ...
Investigators find body without a head
Two weeks after the discovery of severed female hands on the A45 highway, investigators in Rhineland-Palatinate have discovered a matching, severely mutilated body. The authorities assume that it is a...
ኖርወይ፡ ዜግነት ንዝሃበቶም ገለ ኤርትራውያን 'ደገፍቲ መንግስቲ' ዜግነት ከተሕድጎም ምዃና ተገሊጹ
ክፍሊ ኢምግረይሽን መንግስቲ ኖርወይ (ዩዲቼ) ሕቶ ዕቝባኦም ተቐቢሉ ዜግነት ንዝሃቦም ኤርትራዊ ዝመበቈሎም ናብታ ሃገር ብስደት ዝኣተዉ ዜጋታት፡ ኣንጻር እቲ ዘቕረብዎ ሕቶ ዕቝባ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክምርምር ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ኖርወይ ዜግነቶም ከሕድጎም ይሸባሸብ ከም ዘሎ ተገሊጹ። እታ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መርማሪት ጕጅለ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናይ 135 ዜግነት ኖርወይ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ክትምርምር ከም ዝጸንሐት'ዩ ተገሊጹ ዘሎ። እታ ጕጅለ ናይቶም መርመራ...
'ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና: ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ' - ኢንተርማርች
ቢንያም ግርማይ ካብታ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ዝተጻወተላን ዓበይቲ ዓወት ዝተጎናጸፈላን ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተማርች ብወግዒ ከምእተፋነወ እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣፍሊጣ። ቢንያምን ኢንተርማርችን ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመትን መንፈቕን 12 ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 40 ግዜ ኸኣ ናብ ፖድዮም ደይቦም። "ብሓባር ነባሪ ታሪኽ ሰሪሕና። ድሓን ኲን ቢንያም ግርማይ" ክትብል እታ ጋንታ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘወጽኣቶ ናይ ስንብታ ሰናይ ትምኒታ ነቲ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ ስፖርተኛ ገሊጻትሉ። ኣብ 2021...

























