በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ
ምንጪ ስእሊ,DM 10 ጉንቦት 2026, 09:16 EAT ንባብ: 5 ደቓይቕ ብ1992፡ ኤርትራዊ ስነ-ማሕበረሰበኛ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና ኢሉ ካብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ንኽምህር ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። ኵነታት ሓዲስ ህይወቱ ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ'ኳ እንተ ጀመሮ፡ ደሓር ግን ናብራ ኣይግድን ኰኖ። ብድሕሪ ብዙሕ...
Latest releases
የመን፡ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ሸውዓተ ኤርትራውያን ወተሃደራት ከም ዝለቐቐት ተገሊጹ
ሰበስልጣን ዞባ ሑደይዳ የመን ከም ኣምሳያ እቶም ብኤርትራ ንመዓልታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 53 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ምፍትሖም፡ ሸውዓተ ወተሃደራት ኤርትራ ከም ዝለቐቑ ማዕከን ዜና የመን ኦንላይን ገሊጹ። እቶም ወተሃደራት ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ ኮለላ ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ የመን ኣብቲ ከባቢ ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ እዩ ዝገልጽ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እዚ ብኽለተኦም ወገናት ዝተገብረ ምፍታሕ እሱራት ብመንጎኝነት ኢማራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ይሕብር። እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ዝሃቦ ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ...
ኤርትራን ኢጣልያን ዝተፈራረማኦ ውዕል እንታይ እዩ?
ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጂያ መሎኒን ንዝተገብረ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ኤርትራን ኢጣልያን ዓበይቲ ውዕላት ከም ዝተፈራረማ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ብምኒስተር ሕርሻን መግብን ኢጣልያ ሚስተር ፍራንቸስኮ ሎሎብሪጊዳ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ሰሉስ 29 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ረኺቡ ከም ዘዛራረበ እውን ተፈሊጡ። እቲ ኣብ ጽላታት ጸዓት፡ ዕደና፡ መሰረተ ልምዓት፡ ማኑፋክቸሪን፡ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ባህልን ስፖርትን፡...
ኤርትራውያን ኣብ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ይብሉ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ19 ከምኡ'ውን 23 ሓምለ 2025 ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት ዘተኰረ ሰፊሕ ቃለመሕትት ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ኣካዪዱ ነይሩ። እዚ ቃለመሕትት'ዚ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኲናትን ደበና ኲናትን ኣንጠጥይሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምክያዱ፡ ካብ ኤርትራውያን ዘይኰኑ ሰባትን መራኸቢ ብዙሓንን ከይተረፈ ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡን ብዙሕ ትንታነታት ክወሃበሉን እውን ተራእዩ። ቢቢሲ ትግርኛ ነዚ ቃለመሕትት ከመይ ከም ዝተመልከቱዎ ንሰለስተ ኤርትራውያን ኣዘራሪቡ ኣሎ። ...
መብጽዓ ሰላም ኢሳይያስን ኣቢይን ስለምንታይ ፈሺሉ?
ኣብ ሚያዝያ 2018፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ተስፋ ዓሲሉ ነይሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ቅልጡፍ ጽገናታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም፣ ናጽነት ሚድያ ሰፊሑ፣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ከም ግንቦት 7፡ ኦነግ (OLF)፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኦጋዴን (ONLF) ዝኣመሰሉ ውድባት፡ ኣብ ሰላማዊ...


























