ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኤርትራዊ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ፡ ፍሉይ ሰብ ኣብ ፍሉይ ዘመን
ሓደ ካብ'ቶም ብዘመን ጣልያን ፍሉይ ተራ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቱ ክኢላን መስተውዓልን ሰብ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ብዓል ጻዕዳ-ክርስትያን ነበሩ። "ብዛዕባ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ክጽሕፍ ዝሓገዙኒ ምንጭታት ኣፍኣዊ-ታሪኻት ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ-ገለ ጽሑፋት'ውን ተጠቒመ'የ፡" ይብሉ መምህር ይስሓቕ ዮሴፍ - ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ዘውክኡን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዘቕረቡን ጸሓፋይ። ቀጺሎም፡ "ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት ኣብ ጋዜጣ 'ኢትዮጵያ' ዝበሃል ብዘመን እንግሊዝ ዝሕተም...
ኤርትራውያን ብመንበሪ ገዛ ዝሽገሩላ ዘለዉ ኤውሮጳዊት ሃገር
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኤውሮጳዊት ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስ መነባብሮኦም ዝተሓሓዝ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም። እቶም ብኣማኢት ዝቝጸሩ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ "ቅልውላው መንበሪ ገዛ" ክፈትሓሎም'ዮም ዝጽውዑ ዘለዉ። ቢቢሲ ትግርኛ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት ዘዘራረቦ ኣብታ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ ከም ዝብሎ፡ እቶም ስደተኛታት...
ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃብዎ ሓድሽ መግለጺታት ኣፍደገ ባሕሪ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክግበር ዝጸንሐ ዳርባ ቃላትን ወጥርን ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ። ምኒስተር ዜና ኤርትራ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ-ባሕሪ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት "ክሕሰብ ወይ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር እዩ" ብምባል "ግጉይን ሓላፍነት ዝጎደሎን'ዩ" ክብል ነቒፉ። "ናብቲ ዝሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ዘመናዊ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ተመሊሶም'ውን፡ ናይ ጎበጣ እዋን" ይውድሱ ኣለዉ ይብል ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓያሎ ካልኦት...
ኤርትራ፡ 'መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን' ክትብል ንመግለጺ ኢትዮጵያ ምላሽ ሂባትሉ
ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ሰሙን ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ንናጽነት ኤርትራን ተበጻሕነት ቀይሕባሕሪን፡ "ዳግማይ ክሕሰበሉ ኣለዎ" ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ሓድሽ መግለጺታት፡ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን፡" ኢላ ብትሪ ብምንጻግ ምላሽ ሂባትሉ። ኣብቲ ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብመንገዲ ኤክስ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብዚ ቅንያት'ዚ ሰበስልጣን ሰልፊ ብልጽግናን ደገፍቶምን ብዓውታን ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲን ንጥንታዊ፡ ማእከላይ ዘመንን ዘመናውን ታሪኽ ኤርትራ ክጥምዝዝዎ ይስምዑ ኣለዉ፡" ኢሉ። ...
























