መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ተመዚዙ
ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ሃገራዊ ኣምባሳደር ኤጀንሲ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ክኸውን ተመዚዙ። እቲ ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀጠልያ ማልያ ክዕወት ዝበቕዐ እንኮ ኣፍሪቃዊ ስፖርተኛ "ሃገራዊ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክሊማዊ ተበግሶን ምሕያል መንእሰያት ኣብ ኤርትራ" ክኸውን ተሓርዩ ከምዘሎ'ዩ ኣበሲሩ። "ቢንያም ግርማይ ትእምርቲ መንፈስ መንእሰያት ኣፍሪቃ እዩ" ክብል ዘለዎ ናእዳ ዝገለጸ ወኪል እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ፡ ፓ ላሚን በያይ፡...
መንግስቲ ኤርትራ ንመራሕቲ 'ብልጽግና' ዝሃቦ ግብረመልሲ
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ንኤርትራ ኣብ "ምክፋእን ምስይጣንን" ተጸሚዱ ከምዘሎ ኤርትራ ከሲሳ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ተቓውሞ፡ ሃገሩ "ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘየቋርጽ ጽልኢ ኣለዋ" ንዝብል ብወገን ሰልፊ ብልጽግና ዝወጽእ ዝበሎ ክሲ መሰረት ከምዘይብሉ ገሊጹ። "ኤርትራ ንገስጋስን ብልጽግናን ሃገራት ናይዚ መላእ ዞባ ኣዝያ እያ ተደንቕ" ክብል'ዩ ሚኒስተር የማነ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ዘካየደ ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ዝተናውሐ ኲናት...
ኣብ ፍርጅ መኪና ተዓጽዮም ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት
ብውሕዱ 15 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ተዓጽዮም ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምኻድ ኣብ ዝጓዓዝሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሓገዝ ደልዮም ድሕሪ ምእዋዮም ክድሕኑ ከም ዝኸኣሉ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ ሰንበት ንግሆ እዩ ኣጓኒፉ። እቶም ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ካለይ (ሰሜናዊ ፈረንሳ) 72 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ A26 ሞተርወይ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ቦታ ሴንት-ሂለር-ኮትስ ናብታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣትዮም። እታ መኪና ኮሚደረ ጽዒና ካብ መሮኮ ናብ እንግሊዝ ትኸይድ ስለ ዝነበረት፡ ነዊሕ...
መጻኢ ኣሌክሳንዳር ኢሳቕ ብዝምልከት ኣሰልጣኒ ኤዲ ሃው እንታይ ኢሉ?
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ደቂ ጋንትኡ ርሒቑ እዩ ልምምድ ክገብር ጸኒሑ። እዚ ዝዀን ዘሎ ድማ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሆው "ኣብዚ እዋን'ዚ ምስታ ጕጅለ ክንሓውሶ ከም ዘይንኽእል ንጹር'ዩ፡" ድሕሪ ምባሉ'ዩ። ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣጥቃዓይ ብ110 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕድግ ሕቶ ኣቕሪባ'ኳ እንተነበረት፡ ኒውካስል ግን ነዚ ሕቶ ነጺጋቶ'ያ። ሽወደናዊ ዓለምለኻዊ ተጻዋታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብወገኑ ኣማራጺታቱ ክድህስስ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ እዩ። ...


























