ኤርትራውያን ተቐማጦ እስራኤል ከመይ ኣለዉ?
ኣብ መንጎ እስራኤል ኢራንን ዝተወልዐ ግጭት ንሻድሻይ መዓልቱ ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ መላእ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስግኣትን ሰንፈላልን ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ናይታ ሃገር ገሊጾም። እቲ ካብ ኢራን ዝትኰስ ዘሎ ሚሳይላት መብዛሕትኡ ኣብ ሰማይ እንከሎ ይብርዕን እኳ እንተሃለወ፡ ሓደሓደ ግን ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዓሊቡ ጕድኣት የስዕብ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ከም ሮኾቦት፡ በተኽቲክባን ካልኦት...
Latest releases
ህይወትናን ንብረትና ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ክብሉ ኤርትራውያ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ገሊጾም
ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ተዓቝቦም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊጾም።
መጸዋዕታ መጽዩኒ'ሎ" ኤርትራዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓሊ ሱሌማን
ዋሽንግተን —ኤርትራዊ ተጻዋታይ ጋንታ ከነማ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓሊ ሱሌማን ምስ GAIS ዝተባህለት ጋንታ ሽወደን ንኽጻወት ኣብ ውሽጣዊ ስምምዕ(ምርድዳእ) ከምዝበጽሐ ብምርግጋጽ፡ ብተወሳኺ "ካብ ግብጺ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን እውን መጸዋዕታ መጺኡኒ ኣሎ። ነዚ ናይ ሽወደን ዕድመ ግን ኣቐዲመዮ ኣለኹ።" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ኣፍሊጡ።
ቱር ዲፍራንስ 2024፡ ቢንያም ግርማይ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ዲፍራንስ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻእ ንውልቑ፡ ንጋንታኡን ንሃገሩን ናይ መጀመርታ ናይ መደረኽ ዓወት ኣብ ቱር ዲፍራንስ ኣመዝጊቡ።
ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ክንደይ ዝኣኽሉ ዑቕባ ይረኽቡ?
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ንኸይሰግሩ ንምዕጋት፡ ገለ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ክሰጉግ ድሌት ኣለዎ።