ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ኤርትራን ህወሓትን ብሓባር 'ኲናት ንምእዋጅ' ይሰርሑ ኣለዉ - ኢትዮጵያ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን ኣንጻር ኢትዮጵያ "ኣብ ውግእ ተዋፊሮም" ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ከሲሱ። እቲ ሚኒስትሪ ዘቕረቦ ክሲ፡ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኢድ ከምዝነበሮም ይጠቅስ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ ኣሎ" ይብል። ...
'ኲናት ዝውልዕ' መግለጺ ፕረዚደንት ኢትዮጵያን ግብረመልሲ ኤርትራን
ኤርትራ፡ ነቲ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ፍልይ ዝበለ መግለጺ መልሲ ሂባትሉ። ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓድሽ ግጭት ክውልዕ ዝኽእል'ዩ ክብል ነቒፉ። ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀ ስላሰ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ ኢትዮጵያ "ኣብ ዓለማዊ፡ ኣህጉራውን ዞባውን ጉዳያት "ንጡፍ ተሳተፎን ሓያል ጽልዋን" ክህልዋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣፍደገ ባሕሪ "ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ" ከም ዝተመንዝዐት ተዛሪቡ።
ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልቢ ሰማዕቱ እናሻዕ ዝውለድ ስነጥበበኛ
ድምጻውን ሙዚቀኛን ኣብርሃም ኣፈወርቂ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት፡ ብ7 ጥቅምቲ 2006 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ንኣብርሃም ህይወቱ ኣብ ዝወሰደ ንደሴታት ናዅራን ጀሚለን ዝመቅል ጸቢብ መትረብ፡ ንፋስ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ወይ'ውን ብኣንጻሩ ኣብ ዝነፍሰሉ ግዜ፡ ማዕበል ከም ወሓይዝ'ዩ ዝመሓላለፈ። እቲ ብውሽጣዊ ማዕበል ዝናወጽ ቦታ ዝፈጥሮ ድምጺ ግን ድሕሪ 19 ዓመት'ውን እንተዀነ፡ ብልዕሊ ድምጺ ኣብርሃም ወጺኡ ክስማዕ ኣይከኣለን። ፈልሲ ስነጥበባዊ ድምጺ ኣብርሃም ንሞት ስዒሩ ኣብ ልብን ቀልብን...
ንመንግስቲ ኤርትራ ባህ ዘየበለ ዝመስል መግለጺ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ: ስለምንታይ?
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መጋባእያ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዘሐጐሰ ኣይመስልን። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ መራሕቲ ሃገራት ኣይተሳተፈን። ኣብቲ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ'ውን ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ እዩ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምውካል መደረ ኣስሚዑ። እንተኾነ እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ እታ ሃገር ዝኾነ ሚኒስተር ዑስማን ዝሃቦ መግለጺ ንኣስመራ ባህ ከምዘየበለ ጸብጻባት የመልክቱ። ዳርጋ ኩሎም ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ንመግለጺ እቲ ሚኒስተር ሸፈነ ሂቦሞ እዮም።


























