ኣደናቒ ምስጢራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ተኣምራት ጥንቲ ክሳብ ርሱን ዘመናዊ ጂኦ-ፖለቲካ
ካብ ጠፈር ኴንካ ንታሕቲ ክትርእዮ ከለኻ፡ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝዮም ውዑያትን ጐዳእትን ምድረበዳታት ዓለም—ሰሃራ ኣፍሪቃን በረኻታት ዓረብን—ከም ሓደ ጸቢብ ሰማያዊ መስመር ተዘርጊሑ ይርአ። ብማዕዶ ህዱእ፡ ዘይነቓነቕን ኣብ ሙቐት ሑጻ ዝተቐርቀረን ዝመስል እዚ ኣካል ማይ፡ ብተግባር ግን መዘና ኣልቦ ታሪኽ፡...
Latest releases
ኣብይ ኣሕመድ፡ 'ሓይሊ ባሕሪ ዘቘምና ኣብ ብርጭቆ ንኽንሕምብስ ድዩ ደኣ ነይሩ?!'
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ብዙሓት ሕቶታት ዝተልዓለሉ፡ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ'ውን ደጊሙ ኣልዒሉ። "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ሕጋዊ፡ ታሪኻዊ፡ መልክዓ ምድራዊን ቍጠባውን ሕቶ እዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንኽትስእን 30 ዓመት ዝወሰደ ቃልሲ ብምዝኽኻር፡ 'ነቲ ዝሰዕኣነቶ ደጊማ ንኽትረክብ ግን ካልእ 30 ዓመት ኣየድልያን' ኢሉ። ስኽን ኢልካ ብዝረግአን ሰላማዊ መንገድን ምኻድ ኣድላዪ እዩ...
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ። ብላዕለዎት መራሕቲን መንግስታዊ ይዅን ንሰልፊ ብልጽግና ጸግዒ ዝሓዛ ማዕከናት ዜናን ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።,ብወገን ኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ወግዓዊ ግብረመልስታት፡ መግለጺታት ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ኣዘንቢዑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝዳፈር ተዅታዂ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ላዕለዎት መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ...
ኤርትራ፡ ሓደጋ መኪና ዘስዐቦ ሓያሎ ሞትን መጕዳእትን
ኣብ ዞባ ጋሽባርካ መስመር ባረንቱ-ኣንቶረ ብዓርቢ 24 ጥቅምቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግምጣል ዓባይ መኪና ጽዕነት፡ 8 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 13 ከምዝተጐድኡን ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ። እታ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ካብ ባረንቱ ተበጊሳ ናብ ኣንቶረ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና፡ ነዊሕ ከይከደት፡ ካብ ባረንቱ ኣስታት 12...
መንግስቲ ኬንያ ምዝገባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ደው ከየብሎ ተኣዚዙ
ኬንያ ነቲ ካብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያንን ዝቐረበ ሕቶታት ዕቝባ ጉዳይ ብጉዳይ ክትምርምሮ ምዃና ብምሕባር፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ኣመልከትቲ ዝተነብረ እገዳታት ኣነጺራ። ብመሰረት ዘ ኢስት ኣፍሪቃ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኬንያ ካብ ሓምለ ጀሚራ'ያ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ምቕባል ኣቛሪጻቶ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኮሚሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ኬንያ ነቲ ንዝቐረበ ክሲ ምላሽ ክህብ ከሎ ናይ ሓቂ ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋብ ክቕጽል...

























