ዶ/ር ኣቢጋይል ብርሃነ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኬምብሪጅ ፈላሚ ታሪኽ ዘመዝገበት ኤርትራዊት
ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንላዕሊ ብምቊማት ሰማይ ደረት ከምዘይብሉ ዘስተውዓለት'ያ ትመስል። ቈልዓ እንከላ ጀሚራ ልዑል ርእሰ-ምትእምማንን ጥሙሕን ክትውንን ኣመና ኣይጸገማን። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ዝተፈላለየ ሽልማት ክትረክብን ምስ ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከቦም ኣገደስቲ ውልቀሰባት ክትራኸብን ዝበቕዐት ኣቓልቦ ዝሰሓበት በላሕ መንእሰይ...
Latest releases
ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ እንታይ ይብል?
ኤርትራ፡ እገዳ ኣጽዋር ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ ወተሃደራዊ ሓይላ ክትሃንጽን ነቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ንኢትዮጵያ ከትዘርግን ዘይምርግጋእ ክትፈጥርን ምጽንሓ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት። ከምኡ'ውን እቲ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈጸሞም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ኣስፊሩ ኣሎ።ኤርትራ ግን፡ ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ ንኢትዮጵያ ብምውቃስ፡ ነቲ ክሲታት 'ፈጠራ' ብምባል ነጺጋቶ። እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ትካል 'ዘ ሴንትሪ'፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ...
ኤርትራውያንን ተጋሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩ ኣለዉ - ተሓለቕቲ መሰላትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን
ኣብ ኣዲስ ኣበባ "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ" ይፍጸም ከምዘሎ ካብ ቀይዲ ዝተፈትሑን ስድራ እሱራትን ገሊጾም። ሰባት "ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንመዓልታት ይእሰሩ" ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ብዝብል ዝጽዋዕ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ብውሑዱ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት" ተወለድቲ ትግራይ "ብዘይፍቓድ ተኣሲሮም" ከምዘለዉ ኣፍሊጡ። ካብ ተወለድቲ ትግራይ ብተወሳኺ ኤርትራውያን እውን ግዳይ ማእሰርቲ ይዀኑ ከምዘለዉ ይግለጽ...
ኤርትራ፡ 50 ሽሕ ሰራዊት ሱዳን ከተሰልጥን ድያ?
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ብሓደ ወገን ይዅን በቲ ኻልእ ኢደን የእትዋ ከምዝለዋ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሓደ መሓመድ ኣ'ጃኩሚ ዝተባህለ መራሒ ሓይልታት ሰሜን ሱዳን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሃገሩ ወተሃደራት ኣብ ምስልጣን ክትሕግዞም ቃል ከምዝኣተወትሎም ተዛሪቡ። ንሱ ንሓንቲ ኣብ ሱዳን እትሕተም ኣ'ሱዳኒ እትብል ጋዜጣ ብ27 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ዞባ ሰሜን ሱዳን ካብ ስግኣታት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንምክልኻል ዘኽእሎም ክሳብ 50 ሽሕ ዝበጽሑ ተቓለስቲ...
ጽምዶ ደግያት ባህታ ሓጎስ ኣንጻር መግዛእቲ ኢጣልያ
ከም መእተዊ፡ 'ደግያት ባህታ ሓጎስ ብታሕሳስ 1894 ንሓይሊ ጣልያን ብጅግንነት ብምድፋር ናዕቢ ዝፈጠሩ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ነበሩ' ኢልና ምስ ኣንባቢ ከነፋልጦም ንኽእል። ታሪኽ ባህታ ሓጎስ ካበይ እንተ ጀመርናዮ ይሓይሽ? ኢጣልያውያን ንባጽዕ ድሕሪ ምሓዞም፡ ንመላእ ኤርትራ ግዝኣቶም ንኽገብሩ ተበገሱ። እዚ ምስቲ ናይ ብ1884–1885 ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ዋዕላ ኤውሮጳውያን - እዚ ማለት ምስቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ሰፊሕ መደብ ሃጸይነት (ኤውሮጳዊ "ሻማ-ሻማ ኣፍሪቃ") ዝተኣሳሰር'ዩ ክበሃል ይከኣል። ብ1889 ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ምስ...

























