ሕቡራት ሃገራት ንሓቀኛ ስፍሓት ኣፍሪቃ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ካርታ ዓለም ዝሃቦ ውሳነ
ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ንዘመናት ክንጥቀመሉ ዝጸናሕናን ንኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዋ ቅኑዕ ዓቐን ኣንኢሱ ዘርእን ካርታ ዓለም፡ ብሓድሽ ሓቀኛን ስፍሓት እታ ኣህጉር ብዝግባእ ዝገልጽ ካርታ ንምትካእ ድምጺ ሂቡ። እቲ ብቶጎ ዝቐረበን ብዅለን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተደገፈን "ነቲ ካርታ ኣዐርዮ" ዝብል እማመ፡ ብድምጺ 164...
Latest releases
ዙር ፈረንሳ ክሳብ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ምንጪ ስእሊ,Getty Images መግለጺ ስእሊ,ኣብ ገለ ገለ እዋን ተዓዘብቲ ንጽርግያ ከጻብብዎ ይርኣዩ'ዮም፡ እዚ ከኣ ንተቐዳደምቲ ናብ ሓደጋ የቃልዖም 19 ሓምለ 2025 ኣብ ዙር ፈረንሳ ንምዕዋት፡ ህሉው ብቕዓት፡ ሓይሊ፡ ወይ ድልድልቲ ጋንታ ምሓዝ ጥራይ በይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ዝተሰርዐ ልዕሊ 3,000 ኪሎሜተር ብዘይ ሓደጋ...
ሃይለ መንቀርዮስ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት
ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ብደረጃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንዝተፈላለየ ግጭታት ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ናይቲ ውድብ ዝመርሐን'ዩ።እቲ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ሃገሩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ክሳብ 2001 ሰሪሑ። ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሃይለ፡ ሓደ ካብቶም ቅዋም ክትግበርን ተሓታትነት ክረጋገጽን ኣለዎ...
ስለምንታይ እዩ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳም 19 ሓምለ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቃለመጠይቕ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ ከምዘሎ ድሮ ተሰሚዑ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሱናት ወግዓዊ ኣጋጣሚታት - ብፍላይ በዓል ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን - ዝገብሮ መደረታት ወይ ቃለመጠይቓት፡ ገለ ካብቲ ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ 90ታትን ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሃር ድማ ከም ፕረዚደንት ሃገር ካብ ህዝቢ...
ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም። ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ...


























