መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ኣመሳርታ ቤት ትምህርት ሰውራ
ብምኽንያ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ኣጋጣሚ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይ ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ትቅርብ ዘላ፥ ነቶም ተማሃሮ ነባር መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ምምስራት ቤት ትምህርት ሰውራ ዘጸንብሉ ዘለወ ፡ ነቲ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ቃልሲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ዝትረኽ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኣመሳርታ ቤት...
Latest releases
'ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕ ትደሊ ኣላ' ክትብል ኤርትራ ከሲሳ
ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" መመኽነይታ ትደሊ ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጥቅን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ ኢሉ። "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል" ኣላ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ" ብምባል ይኸስስ። ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት...
ብምኽንያት ዕረፍቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም መግለጺ መረር ሐዘን
ብምኽንያት መስዋእቲ ሐርበኛ ከሰተ ተስፋማርያም (ብሽም ውድብ ተ፣ሐ፣ኤ መግለጺ መሪር ሐዘን) ብጻይ ከሰተ ተስፋማርያም ዓሪፍካ ዶ ሐምድ ድበ ዕጫ ብጾትካ በጺሑኳዶ ኣፋኑውኒ ኮይኑ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ፣ ወየ ወይ ሐርበኛ ከሰተ ሐረስታይ ክብለካ ዶ ደላይ ፍትሕ ተቃላሳይ ኣብ ዉዑይን ዙሑልን ዝርከብ ብጻይ፣ ኣንጊሁ...
ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን ሎሚ ኣብ ዛላምበሳ ተራኺቡ
ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2013 [ግ] ዝተወልዐ ኲናት ትግራይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ኵነታትን ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ከይተራኸበ ዝጸንሐ ህዝቢ መዳውብቲ ዓድታት ኤርትራን ትግራይን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ከተማ ዛላምበሳ ተራኺቡ ብሓደ ከም ዝወዓለ ሪፖርተር ቢቢሲ ግርማይ ገብሩ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። እዚ ሎሚ ሰንበት፡ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ "ጽምዶ" ብዝብል ብኽልቲ ወገን ብዝርከቡ ግዱሳት ዝተመርሐን ኣብ ዝተፈላለያ መዳውብቲ ዓድታት ዝግበር ዘሎ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዃኑ ይፍለጥ። ...
ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ዩጋንዳ ምስ ሰብ መዚ እንታይ ዘትዮም?
ኣብ ዩጋንዳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ምስ ኣማኻሪት ፕረዚደንትን ሓላፊት ድሕነት ኣውፈርትን እታ ሃገር ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተራኺቦም ተዘራሪቦም። 'ስቴት ሃውስ ኢንቨስተርስ ፕሮቴክሽን ዩኒት' ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ኮሎኔል ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኣብ ዩጋንዳ ዘሎ ዕድላት ወፍሪን እታ ሃገር ዘለዋ ድሉውነትን ብሰፊሕ ኣብሪሃትሎም። ኮሎኔል ኢድዝ ናኬሌማ ኣውፈርቲ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ግዜኡ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ናይ 'ኦንላይን' ኣገልግሎት ተዳልዩ ሰብ ይጥቀመሉ ከምዘሎ...


























