ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ቻምፕዮን ኤርትራ 2025፡ ዓይንኻ ዘየኽድን ተሃራፊ ጸወታ
ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም ግርማይ ዘይተዓወተሉ ውድድር እዩ። ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሓንሳብ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳን ዙር ኩንሃይን ክኸውን ዝኸኣለ ሄኖክ ምሉብርሃን ክዕወተሉ ዘይክኣለ ውድድር እዩ። ቢንያም ግርማይ ዓሚ ቅድሚ ናብ ዙር ፈረንሳ ምቕንዑ ኣብ ድሮ ቻምፕዮን ኤርትራ ንኤሪ ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካብ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ክትዕወት ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከተመዝግብ ይቐልል፡" ኢሉ...
ኤርትራ፡ 'ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕ ትደሊ ኣላ' ክትብል ከሲሳ
ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" መመኽነይታ ትደሊ ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ምኒስትሪ ዜና ሓሙስ ምሸት፡ "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል፡" ብዝብል ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ "ስርዓት ኢትዮጵያ ልኡላዊ መሬትን ባሕራዊ ግዝኣትን ጐረቤት ሃገሩ ንምጕባጥ ካብ ዘለዎ ዘይሕጋውን እዉጅን ጥሙሕ ዝመንጨወ'ዩ፡" ይብል። ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ዛጊት የሎን። ...
ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታት ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድስ ትሬክ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ዓመቱ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ። ንኣማኑኤል ተኸቲሉ ዓሚ'ውን ካልኣይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርች መዋእል ግርማይ ሳልሳይ ኰይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ።
'ኢትዮጵያ ኲናት ንምውላዕ ትደሊ ኣላ' ክትብል ኤርትራ ከሲሳ
ኢትዮጵያ "ኲናት ንምውላዕ" መመኽነይታ ትደሊ ኣላ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ። ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጥቅን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ ኢሉ። "ኢትዮጵያ፡ ኲናት ንምውላዕን ርትዓዊ ንምምሳሉን ሰበብ ሃሰው ትብል" ኣላ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተጸሚዱ ቀንዩ ኣሎ" ብምባል ይኸስስ። ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትፍናን ብዝምልከት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት...
























