ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ክኣትዉ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ሓቢሮም
ኣብ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ዳግማይ ውግእ፡ ሓይልታት ኤርትራ ናብ ከተማታት ትግራይ ብምእታው ክግስግሱ ከምዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ-ግራት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝበልዎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝለብሶ "ቆጽለዋይ ሬንጀርን ሓመዳዊ ሬንጀርን" ዝተኸደኑ ወተሃደራት ኣብ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኖም ንውሽጢ ክሓልፉ...
Latest releases
ሃይለ መንቀርዮስ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ወጥሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዘካየዶ ፍሉይ ቃለመሕትት
ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ብደረጃ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ፓለቲካዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንዝተፈላለየ ግጭታት ዓለም ንምፍታሕ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ተበግሶታት ናይቲ ውድብ ዝመርሐን'ዩ።እቲ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ሃገሩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ክሳብ 2001 ሰሪሑ። ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ሃይለ፡ ሓደ ካብቶም ቅዋም ክትግበርን ተሓታትነት ክረጋገጽን ኣለዎ...
ስለምንታይ እዩ ቃለመሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑል ትጽቢት ዝግበረሉ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳም 19 ሓምለ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ቃለመጠይቕ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ ከምዘሎ ድሮ ተሰሚዑ እዩ። እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሱናት ወግዓዊ ኣጋጣሚታት - ብፍላይ በዓል ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን - ዝገብሮ መደረታት ወይ ቃለመጠይቓት፡ ገለ ካብቲ ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ 90ታትን ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሃር ድማ ከም ፕረዚደንት ሃገር ካብ ህዝቢ...
ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ
ኤርትራዊ ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ'ውን 2024 ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ብጫን ቀጠልያን ማልያ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዙር ማግኒፍሰንት ኵንሃይ ኰይኑ ውድድሩ ከም ዝዛመ ኣብ ሳይክሊን ስታት ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብዚ ሸሞንተ መድረኻት ዝነበሮ ሓያል ጸወታ፡ ተቐዳደምቲ ብድምር 1323.7 ኪሎሜተር'ዮም ዘዊሮም። ሄኖም ምሉእብርሃን ከኣ ንውድድሩ ብ30 ሰዓት 5 ደቂቕን 13 ካልኢትን ብምዝዛም'ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ...
ኤርትራ እታ እንኮ ኣብ ደረጃታት ፊፋ ዘይተሰርዐት ሃገር ኰይና
ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ሎሚ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ኣመልኪቱ። ፊፋ ከም ዝዘርግሖ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ኤርትራ ኣብ 2007 መበል 121 ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝተሓተ ደረጃ መበል 207 ድማ ኣብ 2019 ዝተመዝገበ እዩ። ...


























