ኬንያ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ኣብ ከቢድ ፍርሒ
ኬንያ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ነጋዶ ንኣሽቱ ድኳናትን ሸቐጥ ጐደናን ትወስዶ ብዘላ ስጕምቲ፡ ከም ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ከቢድ ፍርሒን ሻቕሎትን ከም ዘለዉ ተፊሊጡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣሽቱ ድኳናት ዘካይዱን ኣብ ጐደናታት ዝሽቅጡን ወጻእተኛታት ዜጋታት ተሪር...
Latest releases
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ክትልእኽ እያ
ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ንምዝርራብ በዓልስልጣን ርክባት ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ።
ስዊዘርላንድ: ኤርትራውያን ኣንጻር ‘ዓሌታዊ’ ውሳነ ባይቶ እታ ሃገር ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ሃገራዊ ባይቶ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ ሕተኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክልእኽ ንዘሕለፎ ውሳኔ ዝቓውም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
ዝኽሪ መበል ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ
ኤርትራ ሃገርና ልዑላውትን ናጻን ሃገር ካብ እትኸውን፡ እንሆ ሳላሳን ኣርባዕተን ሕስመ ዓመታት ኣቊጽራ ኣላ። ብክቡር ኩሉ ዓይነት መሪር መስዋእቲ፣ ሕሱም ስቃይ ስደት፣ ዛራ ንብዓት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ወለድን ኣባዲ ዝተሓረሙ ዝኽታማት ህጻናትን ዝተገዝመት ኤርትራ፡ ህዝባ ብድሕሪ ናጽነት ዝዓጸዶ ኩሉ ዓይነት ሓሳረ መከራ ጸብጽብካ ነይውዳእ።
ታሪኽ 17 ሰነ 1876፡ ቅንጸላ ሚስዮናውያን ኣብ ዓዲ ቖንጺ
እቲ ዘበን፡ ደግያት ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካኤልን ኣብ ሓይል ውድድር ዝተጸምድሉ፡ ሃጸይ ቴድሮስን ዮውሃንስን ንመረብ-ምላሽ ንምግዛእ ዝቆራቖሱሉ፡ ግብጻውያን ገዛእቲ ነቲ ጉዳይ ክምዝምዙ፡ ዉግእ ወኪ-ዱባ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ነይሩ።
























