ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ (ረቢ ይርሓመልካ)

ብምኽንያት መውጋእተይ ንማእከላይ ሆስፒታል ተሓኤ ምስ በጻሕኩ ዶክተር መሓመድ ነቲ ካብ ሆስፒታ ነጻ ከተማ መንደፈ ዝተላእከ ጸብጻብ ኣንቢቡ ሹመይ ምስ
ረኣየ “ኣንታ ወዲ ዓርከ ከይትኸውን ዓብደል ሓፊ ዝበሃል ዓርኪ ነይሩኒ ?!. . .  ዶክተር መሓመድ ቅድሚ` ዝገብረልካ  ሕክምና ምስቲ ውጉእ ዝፈጥሮ ሰብኣዊ
ቅርበታዊ ድልድል ናይ ምምስራት ክእለት ነይርዎ  እዚ ካብ ተማሃራይ እንኮሎ ትሒዙ ንጉዳይ ነጻነት ኤርትራ ዝተተሓሓዞ  ተጋዳላይ ጸላኢ ምስ ጀብሃ ርክብ ለካ
ብዝብል ክሲ ምስ ኣሰሮ ከም ውጺኢት ናይዚ ካብ ኤርትራ ሪሒቁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ብግደዳ ክነብር ተፈርዶ። ምሸቱ ግና ዳእን ጀብሃ ብዘዳለውዎ ሥሪሒት መሰረት ኣብ 1976 ኣምሊ ንሜዳ  ተጸንደረ  ከም ኣማሓዳሪ ክፍሊ መጥባሕቲ ኮይኑ ብተወፋይነት የገልግል ነይሩ  ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ ካብ ሓንቲ ተቃላሲት ደምበ ናጽነታዊት ስድራዩ  ዝውለድ እንዳ ቁስመላህ ብቲ ቅድሚ ምእዋጅ ምጅማር ብረታዊ ቃል ዘሎ 15 ክሳብ  20 ዓመታት ኣኸባታት ደም ነጻነት ዘአንጊድ ዝነበረ ገዛ`ዩ።
እንዳ ቁስመላህ እንዳ ኣበራ እንዳ እማ ሙሳ እንዳ ሓመኑር ሸኽ ዓብዱ ፤ እንዳ ሸኸ  ከቢረ እንዳ ሸኽ ኢብራሂም ሙኽታር፤ እንዳ ደጊያት ሓሴን ዓሊ እንዳ ኣሕመዲን ብርሃኑ ካለኦትን ካብ ደንበ ነጻነት ወሲኽካ “ነጻነት ዘይ ፍልጠት ብዘይ ትምህርቲ ዋጋ የብሉን” ዝብል እምነት ዝነበሮምን ብተግባር ዝሰርሕሉን`ዮም ነይሮም
ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ (ረቢ ይርሓመልካ)
. , , . ብምኽንያት መውጋእተይ ንማእከላይ ሆስፒታል ተሓኤ ምስ በጻሕኩ ፡ ዶክተር
መሓመድ ነቲ ካብ ሆስፒታል ነጻ ከተማ መንደፈራ ዝተላእከ ጸብጻብ ኣንቢቡ ሹመይ ምስ
ረኣየ “ኣንታ ወዲ ዓርከይ ከይትኸውን፡ ዓብደል ሓፊዝ ዝበሃል ዓርኪ ነይሩኒ ?!. . .
ዶክተር መሓመድ ቅድሚ`ቲ ዝገብረልካ
ሕክምና ምስቲ ውጉእ ዝፈጥሮ ሰብኣዊ
ቅርበታዊ ድልድል ናይ ምምስራት ክእለት
ነይርዎ ።
እዚ ካብ ተማሃራይ እንኮሎ ኣትሒዙ
ንጉዳይ ነጻነት ኤርትራ ዝተተሓሓዞ
ተጋዳላይ ፡ ጸላኢ ምስ ጀብሃ ርክብ ኣለካ
ብዝብል ክሲ ምስ ኣሰሮ፡ ከም ውጺኢት
ናይዚ ካብ ኤርትራ ሪሒቁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ብግደዳ ክነብር ተፈርዶ። ንምሸቱ ግና
ፊዳእን ጀብሃ ብዘዳለውዎ ሥሪሒት
መሰረት ኣብ 1976 ኣምሊጡ ንሜዳ
ተጸንደረ ፡፡ ከም ኣማሓዳሪ ክፍሊ መጥባሕቲ ኮይኑ ብተወፋይነት የገልግል ነይሩ።
ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ ካብ ሓንቲ ተቃላሲት ደምበ ናጽነታዊት ስድራዩ
ዝውለድ ፡ እንዳ ቁስመላህ ኣብቲ ቅድሚ ምእዋጅ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘሎ ካ 15 ክሳብ
20 ዓመታት ኣኸባታት ደምበ ነጻነት ዘአንጊድ ዝነበረ ገዛ`ዩ።
እንዳ ቁስመላህ ፤ እንዳ ኣበራ ፤ እንዳ እማም ሙሳ፡ እንዳ ሓመኑር ሸኽ ዓብዱ ፤ እንዳ ሸኸ
ከቢረ ፡ እንዳ ሸኽ ኢብራሂም ሙኽታር፤ እንዳ ደጊያት ሓሴን ዓሊ፡ እንዳ ኣሕመዲን ብርሃኑ
ካለኦትን ካብ ደንበ ነጻነት ወሲኽካ፡ “ነጻነት ብዘይ ፍልጠት ብዘይ ትምህርቲ ዋጋ የብሉን”
ዝብል እምነት ዝነበሮምን ብተግባር ዝሰርሕሉን`ዮም ነይሮም፡
ንመረጋገጺ ብዘይካ`ቶም ቁጽሪ ዘይብሎም ብድግሪ ዝተመረቁ ፡ ብደረጃ ዶክተር ዝተመረቁ ፡
ኣብቃልሲ ግደ ዝነበሮም እቶም ዝዝክሮም ክጠቅስ ክፍትን`የ ፡ ንዝሳሓትኩዎም ዝምልእ ሰብ
ክህሉ ተስፋ እንዳ ገበርኩ ።
ናይ ሎሚ ኣርእስትና ዝኾነ፡ ስዉእ ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ ኣብ ጀብሃ
ማእከላይ ሆስፒታል ጠባሕን ኣማሓዳርን (ካብ እንዳ ቁስማላህ)
ዶክተር ሳልሕ ከቢረ ኣማሓዳሪ ባጽዕ ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኣድስ
ኣብ ትሕቲ ሓለዋኣ ክነብር ዝፈረደቶ ፡ ድሕሪ ወላዲኡ ብኣንድነት ምቅታሉ ፡እቲ ጉዳይ
ሃይማኖታዊ መልክዕ ንኸይሕዝ ምስ ኣቦታቱ በዓል ራስ ተሰማ ኣብ ዋዕላ ስነማ እምፐሮ
ዓቢ ተራ ዝተጻወተ። (ካብ እንዳ ከቢረ)
ዶክተር ሳፊ ሓጂ ኢማም ሙሳ ፡ ቃልሱ ካብ ተማሃራይ ዝነበረሉ ክሳብ ምስ በዓል ኣቦና
ወልደኣብ ካብ ካይሮ ዝፍኖ ዝነበረ ሬድዮ ኤርትራ ዘገልገለ፡ ቅድሚ ነጻነት ኣብ ሱዑድያ
ንዝነብሩ ክርስትያን ናይ ቃል ኪዳን ውዑላት ተርጊሙ ሕጋዊ ሰነድ ብምቅራብ ዘገልገለ ፡ኣብ
መጨረሽታ ከኣ ኣባል ረፈረንዶም ኮይኑ ኣገልጊሉ። (ካብ እንዳ ሓጂ ኢማም ሙሳ )
ዶክተር ጣሃ መሓመድ ኑር ሸኽ ዓብዱ ሓደ ካብ መስረትን ቀዳሞት መራሕትን ተሓኤ ፡
ሃንዳሲ ምልላይ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ኣውሮፓ ፡ ኣባል ኮሚቴ ረፈረንዶምን ቁዋምን ። (
ካብ እንዳ ሓመኑር ሸኽ ዓብዱ)
ዶክተር ያሲን ኣበራ ኣብ ማሕበራውን ፖለትካውን መጽናዕትን ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሓደ
ካብቶም ፍሉጣት መምህራን ኣስመራ ዩኒቨርስቲ (ካብ እንዳ ኣበራ ሓጎስ)
ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣሕመዲን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ተሓኤ ኣብ መርሕነታዊ ቦታ
ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳይ ፡ (ካብ እንዳ ብርሃኑ ኣሕመዲን)
ብዘይካ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ኣሕመዲን ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ ፡እቶም ዝተረፉ ኩሎም
ካብዛ ዓለም ተፈልዮም`ዮም።
እዘን ብምኽንያት ሞት ተጋዳላይ ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ ዝጠቀስናየን ካብ ቀንዲ
ኣካላት ደንበ ነጻነት ዝነበራ ገዛውትን ምስኦም ዝነበሩ ሃገራውያን ናይቲ እዋን`ቲ ፡ ምስጢር
ናይቲ ንሓያል ጸሬ ነጻነት ኤርትራ መርገጽ ሃጽያውያንን ጽዮናውያንን ምሕዋስ ምስ
ኢትዮጵያን በዲህካ ፡ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒልካ ኣብ ነጻነት ምብጻሕ`ዮም።
እቲ ብደምን ዓጽምን ናይ ሓባር ተመክሮን ዝተፈጥረ ኤርትራዊ ስነ ልቦናን ልኡላውነትን
ኤርትራ ከቢሩ ክነብር`ዩ !!
AAHafiz 6/8/2025