"ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ መልከዓ-ምድሪ [ጂኦግራፊ] ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ 'ዩ።"
ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ 1991 ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያ ሓራ ወጺኣ፡ ኣብ 1993 ድማ ብሕጊ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር ኰይና ማዕረ ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተሰሪዓ።
ድሕሪ እቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ደማዊ ኲናት ሒዛቶ ዝተነጸለት ወደብ ቀይሕ ባሕሪ፡ 'ዋነንነቱ ናብ ኢትዮጵያ ክንመልሶ ኢና'፤ ዝብል ዘረባ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካልኦት ሰብስልጣናትን ጠንቂ ዞባዊ ስግኣትን ግጭትን ካብ ዝኸውን ጸኒሑ እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ፡"ስለምንታይ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ምሕታት የሕፍር?" ኢሉ ካብ ዝዛረብ ኣትሒዙ፡ ደጋጊሙ ተመሳሳሊ ቅዲ ዝሓዘ መልእኽቲ ከመሓላላፍ ተሰሚዑ ኣሎ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓንሳብ ዝተሰለፉ፡ መንግስታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብፍላይ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምድናኦም ሻሕኪሩ እዩ።
እዚ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ፖለቲከኛታት ክደጋገም ዝጸንሐ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ምረቓ ዓቢይ ህዳሰ ግድብ፡እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "እቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተፈጥረ ጌጋ፡ ጽባሕ ክእረም እዩ፡" ብምባል መሊሱ ነቲ ዝጸንሐ ኵነታት ኣጋዲድዎ እዩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ-ባሕሪ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት "ክሕሰብ ወይ ክስገር ዘይብሉ ቀይሕ መስመር እዩ" ብምባል "ግጉይን ሓላፍነት ዝጐደሎን'ዩ" ክብል ነቒፉ።
"ናብቲ ዝሓለፈ ጸሊም ምዕራፍ ዘመናዊ ታሪኽ ክልቲአን ሃገራት ተመሊሶም'ውን፡ ናይ ጎበጣ እዋን ይውድሱ ኣለዉ" ክብል ምኒስተር የማነ ገብረመስቀል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብተወሳኺ...
"ሎሚ፡ እቲ ናትና ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ መሊሱ ናቱ ንምግባር ከይሓትት፡ ዝሰግእ ዝጠራጠር ወለዶ ምፍጣሩ፡ ኣካል እቲ ኣብ ልዕለና ዝወረደ ስነልቦናዊ ስምብራት እዩ። ኣይንኽእልን ኢሉ እዩ ዝሓስብ፤ ኣነ ከረጋግጸልኩም ዝደሊ፡ ኢትዮጵያ ትኽእል እያ፡" ዝብል መደረ፡ ብጣቕዒት እቶም ዕዱማት ዝተዓጀበ ነይሩ።
ንሱ፡ ነቲ ጉዳይ ምስቲ ታሪኻውን፡ ቅድሚ 155 ዓመታት ዝተሰርሐ መትረብ ስወጽ ብምዝማድ፡ "እዚ ዓወት፡ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቆም ሳላ ዝተስርሐ፡ ሎሚ እፎይ ኢሎም ብዓመት ብውሕዱ 10 ቢልዮን ዶላር ይረኽቡ ኣለዉ" ኢሉ።
"ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይዅን ኣብ ናይጀርያ ወይ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሞቱ ሰባት ነይሮም፡ ዝንገር ታሪኽ የብሎምን፤ ኣብ መትረብ ስወጽ ብሃሩርን ሰኣን መድሃኒትን ዝሞቱ ግን፡ ታሪኽ ሰሪሖም እዮም ሓሊፎም - ታሪኾም ህያው እዩ፡" ኢሉ።
"ካብ ሞት ዘምልጥ የለን፤ ዘይመውት፡ ታሪኽ ሰሪሑ ዝሞተ ሰብ ጥራይ እዩ" ዝበለ ኣብይ፡ እቲ ናይ ሕጂ ዘረባኡ፡ ብዛዕባ ዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ቀጻሊ ሃቐነ ከምዘለዎን፣ ህዝቢ መስዋእቲ ክኸፍልን ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።
"እዚ ዓላማ ንምዕዋት ግጭት/ውግእ የድሊ እዩ ኢልና ኣይንኣምንነ፤ ነዚ ኢና ድማ ሓሙሽተ ዓመታት ምሉእ ክንመሳሰል ጸኒሕና፤ ሕጂ'ውን ብሰላማዊን ብዓለማዊ ሕግን መሰረት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ድኻ ክትከውን ዝገበረ ዝተዓጽወ ኣፍደገ ክኽፈት ኣሎዎ ኢልና ኢና ንኣምን፣ ሕጂ'ውን ብሰላማዊ መገዲ ምስ ኢትዮጵያ ከዘራረብ ዝደሊ ኣካል እንተሎ ኢድና ዘርጊሕና ንቕበሎ።"
ኣብይ ከምኡ ኢሉ'ውን ደው ኣይበለን፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ኣለዋ ዝብል ነቲ ክጕስጉሉ ዝጸንሐ ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ዝጥሕስ ዝተበሃለ፡ መርገጺኡ ሕጂ'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።
"ኢትዮጵያ፡ ሰላም እያ ተቐድም፤ ምስ ድኽነት ትቃለስ ኣላ፤ መውጽኢኣን መእተዊኣን ኣፍደገ ንምኽፋት ክተሰርሕ እያ፡ኣሕትናን ኣሕዋትና፡ እዚ ዘይተርፍ ጉዳይ ምዃኑ ፈሊጦም፡ ቀልጢፎም ንርእሶም ንልዝብ ከዳልዩ ኣለዎም" ኢሉ።
እዚ ብፖለቲካዊ መራሕትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኢትዮጵያ ዝደጋገም ዘሎ፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዳፈር መግለጺታት፡ ኣብ ኤርትራውያን ከቢድ ቍጥዐ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ጕጅለታት፡ ውዳበታን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ስምዕታኦም የቕርቡሉ ኣለዉ።
ምንጪ ስእሊ,Getty Images
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ ነዚ ዘረባ ቀዳማይ ምኒስተር ብዝምልከት፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ሓደ ንልዝብ ዝሓስብ ሰብ፡ ብረት እናወጣወጠ ኣይኰነን ዝዛረብ፤ ሓይሊ ኣሎኒ ህዝቢ ኣሎኒ እናበልካ . . . እናፈራራሕካ ዝእቶ ዘተ የለን፤ ኣጠቓቕማ ወደብ ይዅን ካልእ ጉዳይ፡ ንክልቲአን ዝጠቅም ስለዝዀነ፡ ብዓንተውኡ ኣብ ምፍርራሕ ዘእቱ ምኽንያት ኣይነበሮን" ኢሉ።
"ካብቲ ግድብ ናብቲ ወደብ' ዝብል ዘረባ ድማ፡ መለዓዓሊ፡ ትንኮያ እዩ፡ብርግጽ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ዳርጋ እወጃ ኲናት እዩ" ክብል ዓብዱራሕማን ይገልጽ።
ካልእ ኪሮስ ሃይስላሴ ዝተበሃለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ምሁር ሕጊ ድማ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኲናት ንምኽፋት ነቲ ህዝቢ መተኣኻኸቢ ኣጀንዳ ዝደለየ እዩ ዝመስል" ብዝብል ይጅምር።
እቲ ብኦህዴድ ዝምራሕ ዝበሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ስልጣኑ ሓደጋ ዝፈጥር ምትእኽኻባትን ተቓውሞታትን ይሕይሎ ስለዘሎ፡ ናብ ከምዚ ዓይነት መለዓዓሊ ዘረባታት የምርሕ ከምዘሎ እዩ ዝኣምን።
"እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝለዓዓሉ ዘለዉ ተቓውሞታት ብሻዕብያ ይውደቡ ኣለዉ - ኢሉ ዝገምገመ ይመስለኒ፤ ግዜ ብዝተወሃበ ቍጽሪ ድማ ነቲ መንግስቲ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለዝኽእል፡ ቀዲሙ ንሻዕብያ [ንመንግስቲ ኤርትራ] ክወቕዖ ኣለዎ ኰይኑ ተሰሚዑዎ ኣሎ፤ እዚ ንምግባር ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘተኣኻኽብ ኣጀንዳ ከመርጽ ኣለዎ" ኢሉ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ህዳሰ ግድብ ዝርከበሉ ጐቦ ጕባ ኰይኑ፡ብሃገራዊ ተለቪዥን ኣብ ዝተዘርግሐ ዝርርብ፡ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዘልዓለ ኰይኑ፡ "ኣባይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዳይ እዩ - ፈቲሕናዮ፣ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ትማሊ እዩ፣ ዝተፈጠረ ጌጋ ትማሊ ሰላሳ ዓመት እዩ፡ ጽባሕ ክንእርሞ ኢና፡" ኢሉ።
እቲ ተደጋጋሚ፡ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ሕቶ እዩ ክብል ዝተሰምዐ ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ይዅን ካልኦት ዝጠቐሶም ጉዳያት፡ "ካብ ኣባይ ዝነኣሱ እዮም፡" ክብል ኣቕሊሉ ገሊጽዎም። እንተዀነ፡ ነቲ "ክእረም እዩ" ዝበሎ ብኸመይ መንገዲ ኣይገለጸን።
ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ግን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ዝደጋገም መሰልከይን ፖለቲካዊ ዕሽነትን" ክብል'ዩ ነቲ መግለጺታት ግብረመልሲ ሂብሉ።
"ሰልፊ ብልጽግና ነዚ መርዛም፡ ዓንዳሪ ኣጀንዳ ኲናትን ግጭትን መጻወቲ ይገብሮ ኣሎ፡" ክብል እውን ኣቶ የማነ ይውስኽ።












