ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብን ንዘተ ድልውቲ ክትከውንን ኢትዮጵያ ጸዊዓ

ጥሕሰት ናይዚ ከባቢታት ካብ መዓስ ዝተፈጸመ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣብቲ  ደብዳበ ኣይተመልከተን።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ከም ዝተዋግአ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ደሓር ግን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ከምዝወጽአን፡ ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ከምዘሎን እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ'ውን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፓርላማ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብቲ ዝተበየለሎም ቦታ እዮም ዘለዉ ካብኡ ወጻኢ እንተለዉ ግን ኮሚቴ ኣቝምና ከነጻርዮ ኢና ኢሉ ነይሩ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ግን ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ኮሚተ ይዅን ህላወ እቲ ሰራዊት ብዕሊ ዝተሓደሰ ሓበሬታ ኣይነበረን።

ኣብዚ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል እቲ ምኒስትሪ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ሓቅነቱ ንቢቢሲ ዘረጋገጾ ደብዳበ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬቱ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ከምዝሓተተ ኣመልኪቱ'ሎ።

እዚ ሕቶ'ዚ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ "ንዅሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት፡ እንተላይ ኣገልግሎት ባሕርን ምብጻሕ ወደብ ዓሰብን ንምፍታሕ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተመርኮሰ ዝርርብ ንምክያድ" ድሉው ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

"ኤርትራ ሰራዊታ ብቕልጡፍ ክትስሕብን ንሰላማዊ ዝርርብ ድልውቲ ክትከውንን እውን ብግልጺ ንጽውዕ" ክብል'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብተደጋጋሚ ዝተፈላለዩ ሕጋውን ታሪኻውን ምጕታት እናልዓለ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ'ውን ክፍታሕ እዩ ብምባል ተዅታዂ ትረኻታት ከስምዕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ደብዳበ፡ ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ኢትዮጵያ "ቀጥታዊ ንዋታዊ ደገፍን ሓገዝን" ትገብር ኣላ ብምባል እውን ከሲሱ'ሎ።

እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣስማቶም'ኳ እንተዘይተጠቕሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ንዕጡቓት ሓይልታት ህወሓትን ፋኖን ትድግፍ ኣላ ኢሉ ክኸስስ ተሰሚዑ እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ደብዳበኡ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዓዘብናዮ ምዕባለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝያዳ ኣዕናዊ መንገዲ ከም ዝመረጸ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።

እዚ ወተሃደራት ኤርትራ ብሰሜናዊ ምብራቕ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ብምእታው፡ ምስ ዕጡቓት ጕጀለታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዶብ እታ ሃገር ዘካይድዎ ዘለዉ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ምጥሓስ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ ፍጹም ወራር'ውን" ክብል ኮኒኑ።

ኣተሓሒዙ ድማ "መንግስቲ ኤርትራ እዚ ዘይቅቡል ኵነታት ንከኽትም፡ ሰራዊቱ ብቕልጡፍ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከውጽእን ምስዞም ጕጅለታት ዝገብሮ ምትሕብባር ከቋርጽን ንጽውዕ።"

ክልቲአን ሃገራት ንፍርቂ ዘመን ኣብ ኵነታት ግጭትን ወጥሪን ከም ዝጸንሓ ዝገልጽ እቲ ደብዳበ፡ እዚ ዕንክሊል ግጭት "ብዘተን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርን ክፍታሕ" ከም ዝከኣል ብምምልካት፡ ኤርትራ እወታዊ ምላሽ እንተሂባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍልልያቱ ብሰላማዊ ልዝብ ክፈትሕ ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ደብዳበ ዝምልከት ወግዓዊ ምላሽ ዛጊት ኣይተዋህበን።

ቅድሚ ሕጂ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ክሲታት ኣመልኪቱ ግን መንግስቲ ኤርትራ፡ "ምጽሕታር ኲናት እዩ" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ክትውልዖ ንዝደለየት ኲናት መመሳመሲ እተቕርቦ ዘላ ክሲታት እዩ ብምባል ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ኲናት ንምክያድ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።