እቲ ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጸዊዓ ከምዝነበረት ጠቒሱ፡ እቲ ጻዕርታታ ግን ከምዘይተዓወተት ኣመልኪቱ ነይሩ።
ጥሕሰት ናይዚ ከባቢታት ካብ መዓስ ዝተፈጸመ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣብቲ ደብዳበ ኣይተመልከተን።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ከም ዝተዋግአ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ደሓር ግን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ከምዝወጽአን፡ ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ከምዘሎን እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ'ውን ቅድሚ ሕጂ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብቲ ዝተበየነሎም ቦታ እዮም ዘለዉ፣ ካብኡ ወጻኢ እንተለዉ ግን ኮሚቴ ኣቝምና ከነጻርዮ ኢና ኢሉ ነይሩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ግን ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ኮሚተ ይዅን ህላወ እቲ ሰራዊት ብዕሊ ዝተሓደሰ ሓበሬታ ኣይነበረን።













