ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ 7 ሓምለ 2026 ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዓመታዊ መዕጸዊ መደረ ብትሪ ነቒፉ። ኣቶ የማነ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ዝኽተሎ ዘሎ፡ "ዘይርጕእ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ንዝግባእ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ኣሎ፡" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኣብዚ ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ጕዕዞ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑ መርገጺታት ክወሳወስ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።
እቲ 'ፓተምኪን' ኢሉ ዝጽውዖ ሰልፊ፡ ብሓደ ሸነኽ "ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ" ወተሃደራዊ ጐስጓስን ተጻብኦን ክገብር ከም ዝጸንሐን በቲ ካልእ ወገን ድማ ርእሱ ከም "ግዳይ ውሽጣውን ግዳማውን ውዲታት" ገይሩ ከቕርብ ከም ዝፈተነን ኣመልኪቱ።
ኣብቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ክልተ ዓመት መሻርኽቲ ብምዃን ኣብ ሓደ ተሰሊፈን ዝተዋጋኣ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ድሕሪ'ቲ ነቲ ግጭት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝምድናአን ከምዝሓርፈፈ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብ 2023 ኣትሒዘን ኣብ ወጥርን ምትፍናንን ኣትየን ይርከባ።
ኢትዮጵያ፡ መሰል ዋንነት ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጠለባትን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳትን ብዓይኒ ኣስመራ "ኣዋጅ ኲናት" እዩ። ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምድኻም ተቓወምቲ ይድግፍ ኣሎ ክትብል ትኸስስ።
እዚ ናይ ኤርትራ ሓድሽ ምላሽ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ባይቶ ዘስምዖ መደረ፡ ንኤርትራ፡ ህወሓትን ሱዳንን ብሓባር ብምጥቃስ፡ "ኣይኰነንዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ'ውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ድሕሪ ምግላጹ እዩ ተዋሂቡ ዘሎ።













