ኣብ ናይ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ብዙሓት መራሕቲ ሓይልታትን መራሕቲ ጋንታታትን ዝነበሩ፡ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተህድሙ ወይ እንዳራኣኹም ከምዘይረኣኹም ስቕ ኢልኩም ተስግርዎም ኣለኹም ብዝብል ምስምስ፡ ስርዓት ኢሰያስ ንብዙሓት ይኣስርን ይርሽንን ይጨውን ከምዘለዉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓቢሮም።
መርሸንቲ መፍትሒ ኣይኮነን፡ ዝብል ሓሳብ ዘቕረቡ ገለ-ገለ መራሕቲ ሰራዊት ሰማዒ እዝኒ ከምዘይረኸቡ፡ ብኣንጻሩ ዝተዋህቦም መልሲ ከኣ ብኣቃጫጭ “እዚ ብላዕሊ ዝተወደአ ጉዳይ ስለዝኾነ ርእይቶ ክትህብሉ ዝፍቀድ ኣይኮነን፡፡ ትእዛዝ ምፍጻም ጥራሕ’ዩ” ዝብል ቀጢን መምርሒ ከምዝተዋህቦም ምንጭታትና ሓቢሮም።
ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ሓልሓለ ጥቓ ድባርዋ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 13፡ ብ15 ለካቲት 2010 ካብ ዝነበርዎ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኦም መጀመርያ ናብ ዓዲ ቀይሕ፡ ቀጺሎም ናብ ሰንዓፈ ምስ ኣብጽሕዎም ካብ ከተማ ሰንዓፈ ወጻኢ ክርሸኑ ትእዛዝ ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ መርሸንቲ ካብቶም እሱራት ሓደ መራሒ ሓይሊ ዝነበረ ተኸስተ ሃይለማርያም ብእሱሩ ካብ መኪና ምስ ወረደ 3ይ ርእሱ ከምዝሃደሙ ተሓቢሩ።
ናይቶም ዝሃደሙ ዝርዝር፡
- መራሒ ሓይሊ ዝነበረ ተኸስተ ሃይለማርያም፡
- ተኽለ በርሀ፡
- መሓመድ ስዒድ ዓብደል ዋስዕ ከምዝኾኑ።
ናብ ልዕሊ ሰለስቲኦም ጠያይት እንዳዘነበ እግሮም ናብ ዝመርሖም ከምዝሃደሙ። ተኽለ በርሀ ነብሱ ኣድሒኑ ከምዘሎ፡ እንተ ናይቶም ክልተ ግና ብጭቡጥ ኣይተረጋገጸን ዘሎ። እንተ ኣብ ሽመጃና ዝርከባ ዓድታት ለይቲ ምስ መዓልቲ ጎርጓር ከፊእወን ከምዘሎ። እኽሊ ሓሪምዎ ዝነበረ ቆፎታት ከይተረፈ ብኣልማማ ይፍተሽ ከምዘሎ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
24 ለካቲት 2010















ስም ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክስረዝ ማለት ብህዝብና ዝጽወር ጉዳይ ኣይክኸውንን እዩ።