ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ንዕለት 13/03/2010 ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ ኩልኹም ሃገራውያንን ብኤርትራ እትግደሱን ኣብ’ዚ ተወሲኑ ዘሎ ኣኼባ ንክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባ ብዛዕባ ቀዳማይ ጉባኤ
ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣገዳሲ ውሳኔታቱን፣ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ከምኡ’ውን ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንኽካየድ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ኣልዒሉ ብዑምቀት ክመያየጥ እዩ። ኣኼባና ብኣባላት መሪሕነት ውድብ ክምእከል ምዃኑ ድማ ንሕብር።
ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፡
Lansdowne Green Community Hall
283 Wandsworth Road
London SW8
ግዜየን ሰዓትን
13 መጋቢት 2010 - ካብ ሰዓት 16.00 ክሳብ 21.00
ሓበሬታ ብዛዕባ መጓዓዓዝያ፡
Nearest underground : Vauxhall station
Buses: 196, 77, 87
ብድሓን ምጹ !
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ














