15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ ዑቕባ ሓቲቶም።

E-mail Print PDF
Assenna

er air  force15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ፡ ምእንቲ ድሕነቶም ንግዚኡ ክንጠቕሳ ኣብ ዘይደለና ሃገር ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

ናይቶም 15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝርዝር ኣስማትን ተወሳኺ ሓበሬታን ‘ውን በጺሑና ‘ሎ።

ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብተደጋጋሚ ግዜ በብጉጅለ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖሞ ናብ ወጻኢ ሃገራት ይኸዱ ብምህላዎም፡ እቲ ውልዶ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ብቐጻሊ ክዳኸም ይርከብ ኣሎ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት፡ ብውልቀምልካዊ ምሕደራኡ ኣስካሕኪሖም ብብዝሒ ናብ ወጻኢ ይስደዱ ከምዘለዉ ኣይእመንን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ቅንያት ‘ኳ ምስ መደበር ቴለቪዥን ኣጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ ነቲ ሚኒስተር ዜናኡ ከይተረፈ ሽዑ ንሽዑ ዝተኣመነሉ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኬንያ፡ “እዚ ንዓይ ሓድሽ ዜና እዩ” ክብል ብጥሪኡ “ኣሉ” ኢሉዎ።

 

Source::::::::::::::;Assena.com

 

 

If you love your people and stand for them, then Sign the petition

ENP Chairman Concluded successful tour to USA and Italy

Mejlis I.Mukhtar

Nehnan Elamanan

Open Letter to ENCPC

What is the Message

Death of the Dream-Eritrea

Presentaion of Professor Joseph E Magnet

Eritrea accused of prisoner abuse


Great Eritrean Men Saying

ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት ኣብ መቓብረይ መጺእካ ሑሹኽ በለኒ።

ሓጅ ሱለይማን