አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ.! ዘተ ምስ ኣዳላዊት ኮሚተ ሃገራዊ ዋዕላ ንደምክርሲያዊ ለውጢ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።
ብተወሳኺ ኻኣ፡ „የውሃና“ ንዝኽሪ ዓለምለኻዊን ማዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ኤርትራን።
እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.03.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣሳናዳኢት ኮሚተ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk)፡ ኣጋይሽ፡ ኣዲራሽ ኤርትራውያን ንሓይልን ሕብረትን ተቓውሞ ደንበ (Eritrean Room for Strong and United Opposition) ኮይኖም ከምስዩ ታዓዲሞም ኣለዉ። እዚ „Chat Room“ ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መኽፈቲ ናይ ዘተ ካኣ ኣብ ከባቢ ሳዓት 21፡ 00 ክንበብ እዩ። ድሕሪ መኽፈቲ ዘተ ምስ ተነበበ ኣብ ክትዕ ክእቶ እዩ።
ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ እዛ ኣሳናዳኢት ኮሚተ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ካብ ዕለት 16-23. 03. 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተመርጸት እያ። ነዛ ኣሳናዳኢት ኮሚተ ናብ ኣዳራሽ መዛተይን መራኸቢን ብዙሓን (Paltalk) ክትዕደም ዝተደለየ ምኽንያት ካኣ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እዚ ክትግበር እንተኾይኑ፡ መለለይኡ ግልጹነት ክኸውን ስለዘለዎ፡ ተሞኩሮኦም ኣብ ዝተገብረ ኣኼባን፡ ናይ መጻኢ መደባትን፡ ምስ ህዝቢ ክዛተይሉ፡ ህዝቢ፡ ኩሉ እቲ ብሽሙ ዝግበርን ዝካይድ ምንቅስቃሳትን፡ እቲ ሓቂ ክፈልጥን ክሕበርን ናይ ግድን እዩ፡ ካብ ዝብል ዕግበት እዩ።
ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ አሕዋትን አሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናውን ኣገዳሲ ዝኾነ፤ ንኽውንነት ህዝብናን ሃገርናን፣ ንኣግባብ ኣቃላልሳ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፤ ዛዕባታት፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ፡ ናይዚ ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ እዚ፡ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም፡፡
ብዳሓን ምጽኡ/አ …!!!
ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት/ሰልፍታት፤ በርገሳዊ ማሕበራት፤ ብውልቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፣ ከምኡ’ውን ብአግባብ አቃላልሳናን አቓውማናን፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር፡፡ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it















ቅድም ኣብ እንዳ ሳልሕ ከኬያ ተኣኪብና ትዝርብ ውዒልና ተሰማሚዕና። ብዘይ ዝኾነ ይኹና ናይ ቀቢላነት፡ ኣውራጃነት መንፈስ ንኤርትራን ንኤርትራውያን ክንዓይ ንመሓሓል ተባሂልና ከኬያ ዝሓረዳ ደርሆ ተመሲሒና።