ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ዓንዳሪ ፖሊሲ ብዕለት 23 ነሓሰ 2009 ማሕብረሰብ ዓለም ማዕቐብ ካብ ዝበየነሉ ግዜ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኣርእስቲ'ዩ።እዚ ማዕቐብ'ዚ፡ካብ ጽባሕ ነጻነት ጀሚሩ ዝተፈ ፈላለ ማዕቐብ ውሽጢ ወሪዱዎ፡ሎሚ ኣብዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብን፡ንሰዓት ናህሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዕንወት ሃገር ኣብዝረኣየሉ ክፉእ እዋን ስለዝተበየነ፡ክትቅበሎስ ይትረፍ ክትሰምዖ ስግድግድ ዘብል'ዩ። መራሕቲ ህግደፍ ነዚ ጸገምዚ በቲ ሓቀኛ መንገዱ ክፈትሑ ዘርኣዩዎ ቅሩብንነት የለን።
ከም ኩሉ ግዜን ባ ህሪ ዕዋላን፡ጸላኢ ዘይብሉ ህዝቢ ጸላእቲ ኣለውኻ፡ጠፋእካ ብምባል ንለዋሃት ብምትላልን መጣቓዕትን መውደኽ ደኽትን ብምእካብ ብሽም መኸተ ፍሹል ፈተነ ምክያዶም ዓቕሊ ጽበት እንተኾነ፡ሰባት ክስዕብዎም ክትርኢ እንከሎ ኻ፡ብዙሕ ዓይነት ባህሪ ሰብ ምህላው ዘይሰሓት እንተኾነ፡ኤርትራዊ ማለት ከመይ ማለት ድዩ ዝብል ሕቶ ይመጻ ካ።ስለዚ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ናይ ጸቕጥን ግህሰት መሰልን ዝኾኑ መናውራት ሰሪዖም ህዝቢ ኣብዘንበርከኹሉ፡ዓቕሉ ዝጸበቦ ዜጋ መፍትሕ ሲኢኑ ሃገር ምግዳፍ ከም ኣማራጺ ኣብዝተወሰደሉ እዋን ዝግበር መኸተ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ'ምበር፡ስለ ህዝቢ ኤርትራ ክበሃል ኣይከኣልን።እቶም ኣብዚ ዝሳተፉን ኣከየድቱን፡ሽግር ህዝብን ጸገምን ኣመ ና ከፊኡ፡በዚ ዝሰንበዱ ዜጋታት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክጠፍኡን ኣብ ቐላያት ሜድተራንያንን ቐይሕ ባሕርን ክጠፍኡ ድምጾም ዘየሰምዑ ተበለጽቲ፡ብኣርኣያ ስላሴ ዝተወሃቦም ዕድላት ንህግደፍ ዘረከቡ፡ዝውንንዎ ቅኑዕ ሓሳብን ሞራል ዘይብሎም፡ህግደፍ ዝበሎም ዝገብሩ ምዃኖም ይበርሃልካ።ነጻ ኮይኖም፡ባህልን ባህርን ተጠቂሞም ከፍርዩ ዘይ ክእሉ ግዙኣት ኮይኖም'ምበር፡ኣቦታትና መለበሚ ዝኾኑ ድንቂ ምስላታት ካብ ዝሓደጉልና ሓደ < ጓሎም ከየምርሩስ ንዕልቲ ጓሎም >ዝብል ኣሎ።መርዓትን ንዕልቲ መርዓትን ዝምልከት ዘይምቅድዳው ኣብዘበገሶ ጉዳይ፡ኣቦታት መር ዓት፡ንዕልቲ ጓሎም ጥራሕ ሰባብን በዳሊትን ገይሮም ብምቑጻር ከማርሩ ዘሰምዐ ሰብ ዝመሰሎ ኢዩ።ስለዚ ሓባል መጠመቲኣ ትኩሓል ከምዝበሃል፡ሎሚ መኸተ ብዝብል ዝተበግሱ ትርጉም ዘይብሉ፡መጠመትን እንታይነቶም ዝሕብ ር'ምበር ናይ ሃገርን ህዝብን ተገዳስነት ዘይብሉ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ኢዩ።ብሓቂ ኣብ ሃገርን ህዝብን ተገዳስነት ዘለዎም እንተኾይኖም፡ጸጋሚ ኣብ ግዳም ቅድሚ ምድላይ ኣብ ውሽጦም ምድላዩ መመልከዓሎም።እዚ ግን ኣባላት ህግደፍ ኮይኖም ኣይገብሩዎን።ምኽንያቱ፡ህግደፍ ንኣባላቱ ብነጻ ኣረኣኣያኦም ክምርሑን ክሓስቡን ዘየፍቅድ ዘይዲ ሞክርሲያዊ' ስለዝኾነ፡ጸገም ብልቢ ኣይመያየጥሉን፡ጸገም ኤርትራ ኣበይ ከምዘሎን መን ከምዝኾነን ኣይፈለጥዎን።
ብመስዋእቲ ቐያሕትን ብስንክላና ብዙሓትን ዝመጸት ኤርትራ ኣብ ኣጸያፊ ሽም ወዲቓ፡ክብረታን ክብረት ህ ዝባን ዘነውር ጽሑፍ ኣብ ጋዜጣታት ወጻኢ ክትርኢ ዝጉሂ ኢዩ።እዚ ግን ባህሪ ህዝቢ ዝፈጠሮ ዘይኮነ፡ብቅዋማዊ ስርዓት ዘይመሓደሩ፡ዝፈርህዎ ስልጣን ህዝቢ ዘይብሎም ህግደፋውያን ብቅያ ኤርትራዊ ዜጋ ላዕሊ ተስቒሎም፡ሰብኣያ ዝመለኸት ሰበይትስ ዓድን ወዲ ዓድን ተባእስ ከምዝበሃል፡ውሽጢ ቤቶም ገዲፎም ግዳም ወጺኦም ሓይሎም ከርእዩ ጦብሎቕ ጦብሎቕ ምባሎም ዘምጸኦ ሰበብ ኢዩ።እዚ ማዕቐብ'ዚ፡ህዝቢ ብሰላም ከይነብር ሁከት ዝትኹትኹ፡ዜጋታት ብቅሳነት ከይከዱ፡መርበባት ስለያን ኣንጻር ስለያን መስሪቱ ምስ ህዝቢ ዘራኽብ ብዘይብሉ ብዝተፈለ መንገዲ ዝጓዓዝ ጸገም ህዝቢ ንዘይዓጦም ጭፍራ ኢሳያስን መሓውራቶም ዝትንክፍ'ምበር ምስ ቁጠባዊን ልምዓት ይኹን ካልእ ማሕ በራዊ ጉዳይ ምትእስሳር ዘይብ ሉ'ዩ።እዚ ማዕቐብ'ዚ ኣብ በዳሂ ኩነታት መመሊሰ'የ ዝነቅጽ ብምባል መራሕቲ ህግ ደፍ ትኽ ኢሎም ዝኣተውዎ፡ክተርር ኣጸቢቖም ዝሰርሕሉን ኮይኑ፡ሎሚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ምኳኑ ከእምኑ ዘይፈተኑዎ የሎን።ንኣብነት ኣብ ገሊኡ ጽሑፋቶም፡<እዚ ጸገም'ዚ፡ጸገም ኢሳያስን መንግስቲ ኤርትራን ኣይኮነን። ጸገም ሃገርን፡ጸገም ሓድነትን......> ይብሉ።እዚ ሰራም ዝኾነ ኣዘራርባ ዝሕብሮ እንተሎ ከምቲ ኢትዮ-ኤርትራ ግጭ ት ክጅምር እነከሎ ህዝቢ ንምትላል ኢሳያስ ዝተተቀመሉ ሜላ ዘመሳስል ኢዩ።ንሱ፡< ንዓይ ትጸልኡ ሰባት፡ብግብ ረይ ዝተቐየምኩም ክትህልው ትኽእሉ።ንዓይ ጸሊእኩም ነዚ ዓቢይ ጸገምን ሕቶ ሃገር ዝኾነ ጉዳይ ስቕ ኢልካ ዝረ ኣየሉ ዘይኮነ ብሓባር ንመክቶ........>ብምባል ባዕሉ ዝወለዖ ኩናትን፡ትኽ ኢሉ ዝኣተዎ ጸገም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ደርብዩዎ ዕሉል ኢሳያስ።ብሰንኪ'ዚ ሰራም ኣዘራርባ ኤርትራዊ ዜጋ ግደ መስዋእትን መቑሰልትን ክኸውን ኢሳያስን ጭፍሩኡን ኣብ ምሽርሻርን ምስዕሳዕን የሕልፍዎ ኔሮም ግዜኦም። ህዝቢ ተንከላቢቱ፡ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሬት ኤርትራ ጥሒሶም ኣትዮም ኩናት ብሕማቕ መዳዩ ከብቕዕ፡ኢሳያስ ዝመርሖ መንግስትን ህግደፍን፡ተገልቢጡ ንዜጋታት ኣብ ምእሳርን ምጭዋይን ኣብ ምቕታልን ኢዩ ተረኺቡ።ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኩነታት'ዚ ዓብይ ትምህርቲ ስለዝረኸበ፡ነብሶም ኣቖናጅዮም፡ንስቕታ ተቓውሞ ምዃኑ ብዘይምርዳእ፡ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘለዎም ክመስሉ ዝጽዕሩ ሓደስቲ ደም ህግደፋውያን እንተመጹ ንብላሽ'ምበር ደገፍን መኸተን ኣይክረኽቡን ኢዮም።
ሎሚ ፖለቲካዊ ፍልልይ ወጊድካ ኣንጻር ህግደፍ'ምበር ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ዘይትቆመሉ ህሞት'ዩ።ሎሚ ሃገር ኣብ ጽዩፍ ኩነታት እናወደቐት ምጥቓዕ ዘይኮነ፡ኣንጸላልዋ ካብ ዘሎ ጥፍኣት ምድሓን፡ሕጊ ክነግስ ምጽዓር፡ን ፍትሒ ምቅላስ፡ድምጺ ንዘይብሉ ድምጺ ምዃን'ምበር ደድሕሪ በዳልን ዓማጽን ጨቛንን ምጉያይ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዓሰርተው ትሸዓተ ዓመት ብልጽግትን ሓድነታ ዘትረረት ሃገር ዘይተመስረተት ሎሚ ኣብ እዋን ጸድፊ ምስ በ ጻሕካ ብሽም ብልጽግናን ሕድሪ ሰማኣታት ምምጽዳቕ፡ብኣታቶም ምሽቓጥ'ዩ።ሎሚ ሓሲኻ ዘይቅያሓሉን ኣብ እም ኒ ደይብካ ኣብ ዘይንወሓሉ ግሉጽ ዝኾነ እዋን፡ነውራም ስርሓት ንዝትግብር ግፍዔኛ ስርዓት ዓገብ ኣብክንዲ ምባል፡ንገፋዒ ክጣበቑ ምርኣይ ሞራላዊ ቅልውላው ዝተኸሰተሎም፡ግብሮም ከኣ ሓላፍነት ዘይስመዖ ዕውር ሻርነት ኢዩ።
ዓወት ንጭቁናት
ተ.መድኅን
10.02.10
Source:::::: Eritrean News -Assenna.com















ስም ኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክስረዝ ማለት ብህዝብና ዝጽወር ጉዳይ ኣይክኸውንን እዩ።