Category: ትግርኛ

ጥር ኢልካስ ዓዋተ !ኣይከብደኩምን`ዶ ?!

ምስ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለምን ምስዓር ጥልያንን፡ ክንጸር ዝጀመረ ኤርትራዊ ጂኦ ፖለትካዊ መንነት፡ ነዞም ዝስዕቡ ተጻይ ሓይልታት ንኽገጥም ግዱድ ነይሩ።
1- ናይ ሃይለ ስለሴ ናይ ሙግባጥ ባህጊ
2 - ናይ ብርጣንያ ንኤርትራ ኣብ 2 ምምቃል እማመ
3 - ብዙሕ ሓይሊ ዘይነበሮ ደሓር ምስ ኣንድነት ዝወገነ ባህጊ ትግራይ ትግሪኚ
4 - ተጻብኦ ምዕራብ ንምቋም ነጻ ሃገር ኤርትራ
ኩሎም እዚኦም ብንጽል ይኹን ብሓባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ንክገጥሞም ዘኽእሎ ሓይሊ ከም ዘይብሉ 100%
ርግጸኛታት ነይሮም።
ብመንጸር ናይዚ ኸኣ፡ ሰብ ፖለትካ ደምበ ናጽነትን ዓዋተን ከኣ ፡ ክዕወቱ ምዃኖም፡ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ
ነጻ ሃገር ክትክትከውን ምዃና ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም እናሃለዉ ይረኣዮም ነይሩ። (1961-1991)
ሎሚ ንሓደ ባእታ ካብ `ቶም ኣብ ጸላም ስለ ዝርእዩ ! ነቲ ጽንኩር ጉዕዞ ዝጀመሩ ባእታታት መሪጸ ገለ
ክብል `የ ።
ሓምድ እድሪስ ዓዋተ።
ነዚ ባእታ ዘምረጸኒ ኸኣ ፡ ሎሚ ቅኔ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም `ዩ እመስለኒ፡ ገለ ኣዚዮም ናእሽቱ ፡
ብኹሉ መዔቀኒታት ናኣሽቱ ዝኾኑ ገለ ሰባት። ንታሪኽ ዓዋተ ከቆናጽቡ ምስ ሰማዕኩ ፡ ዋላ`ኳ ኣብዚ ዘመና
ዝኾነ ኣልገፊፍ ብንጽል ወይ ተጎራቢቱ ኣብ መድያ ክዕንድር ከምዝኽእል ፡ መድያ ሎሚ ከምቲ ናይ ቀደም
ጽያፎም ዝኸተቱ ፡ ፍልጠቶም ዘነጸሩ ዝተመርመሩ ዝስርሕሉ ከም ዘይኮነ ፡ እፈልጥ እንተኾንኩ
ነዞም ከምዚኦም መልሲ ምሃብ የድል`ዩ ኣየድልይን`ዩ ዝብል ጉዳይ፡ ምስቲ ኣካታዒ ምዃኑ ፡ ኣነ ግና ንርእሱ
ባሕቲ መስከረም ገለ ከይበልኩ ስለ ዝሓለፈኒ ፡ ምስኡ ኸኣ ንበዓል ጁጅ ማጁጅ ወሲኸ ብሓንቲ እምኒ 2
እንተወቃዕኩ`ለ ፡ ነቲ ዓቢ እምኒ ካልዕል`የ ። ንዓወተ ፡-
- ንሓበረታ ዝኣክል ምምስራት ጀብሃን ምእዋጅ ብረታዊ ቃልስን በበይኑ እዋን`ዩ፡ ምምስራት ጀብሃ 1960
ኣብ ካይሮ ብገለ ኣባላት መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ከም በዓል ሸኽ እድሪስ መ / ኣደም፡ ከም ኣብ ካይሮ
ዝነበሩ ተማሃሮ ከም በዓል ዶክተር ጣሃ መ/ ኑር ዓብዱ ……. ፡ እድሪስ ግላውደዎስ ወዘተ እዩ። ብረታዊ
ቃልሲ ዝተወጀሉ ኸኣ ብ 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ`ዩ።
- ዓዋተ ዋላ`ኳ እቲ ተጽዕኖ ህዝብን ፡ ጸጥታዊ ተጽዕኖ ጸላእን ንምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ባሕቲ
መስከረም 1961 ንኽከውን ክቅበል እንተገበሮ ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ምጅማር ዘይተማለኤ ሮቋሒታት ከም
ዘሎ ግና የነጽር ነይሩ`ዩ።
- ዓዋተ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነፍሱ ፡ ብረቱ ፡ ዝነበሮ ተፈታውነት ፡ ጽቡቅ ሽሙን ህዝባውነቱን ሕዙ`ዩ
ተሓዊስዎ ።
- ዓዋተ ቅድሚ ብረታዊ ቃልሲ ነቶም ሓንሳእ ንመረብ ሓንሳእ ንተከዘ ሰጊሮም ኣሓ ዝዘምቱ ሽፋቱ ስሞም`ዩ
ነይሩ።
- ነቶም ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዝነበሩ ኤርትራውያን ፖሊስ ዓሳክር ብዕጥቂ ሰብን ብረትን ክሕግዝዎ ጻዊዒት
ይገብር ነይሩ ። ሰማዕቲ ኸኣ ረኺቡ`ዩ
- ጻዊዒቱ ፍሬ እናሃበ ምስ ከደን ቁጽሪ ተጋደልቲ ከባቢ 20 ሰባት ምስ በጸሔ ብድምጺ ተጋደልቲ ዝተመርጸ
፡ ምክትሉ ባዕሉዝመርጽ ወተሃደራዊ መራሒ ኣብ ምምራጽ መድረኽ ኣብጸሖ
- እዚ በዓል ዝና ተባዕ ተጋዳላይ እዚ ኩሉ ቁምነገር ኣብ ሓደ ዓመት ዘይመልእ እዋን`ዩ ኣረጋጊጽዎ። ኣብ
1962`ዩ ተስውኡ ። (ንብዙሕ ምኽንያታት ከኣ መስዋእቱ ኣብ እዋኑ ኣይተነግረን)
- ዓዋተ መራሒ ሰራዊት ሓርነት ኮይኑ ምስ ተመርጸ ፡ ምክትሉ ክኸውን ዝተሓርየ ተጋዳላይ መሓመድ
እድሪስ ሓጅ ከኣ ኣብ 1963 ኣብ ውግእ ዓንሰባ ተሰወአ።
- ቀዳሞት ተጋደልትና ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት (1961 - 1965)ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብገምጋም ሓደ
መራሒ ኣብ ዓመት እናሰውኡ`ዮም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኣቢሎሞ !
- ደሓር ከኣ ሓደ ን30 ዓመት ብዘይ ቁምነገር ዝግዕር ሰብ ፡ ነቶም ኣብ 3 ዓመት ፡-
* ንመጋጥምቶም ሓይሊ ፓሊስ ዝሰዓሩ
* * ሃይለ ስላሴ ነቲ ዝምካሓሉ ዝነበረ ፡ ኣብ ውግእ 2 ኮርያ ግደ ዝነበሮ ስሩዕ ሰራዊቱ ከም መተካእታ ናይ
ፖሊስ ኮይኑ መጋጠምቲ ተጋደልቲ ክገብሮ ዘገደዱ።
* * * ኣብ ውግእ ተጎርባ ( 3 / 1964) ብመስዋእቲ 19 ተጋደልቲ ብሞት 84 ዝኾኑ ጦር ሰራዊት
ብምፍጻም ንኢትዮጵያ ንኣንድነታውያን ንእስራኤል ንምዕራብ ዘሰምበዱ ፤ ጅግና ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ
እድሪስ (ኣቡ ርጀላ)ዝመሮሖ ።
ብሰንኪ`ዚ ኸኣ ማዕከናት መጽናዕቲ ምዕራብ ብዘጽነዕዎ መጠን፡ ሰውራ ኤርትራ ብፖሊስን ጦር ሰራዊትን
ስለ ዘይተኻእለ፡ ብ ጸረ ገድሊ anti revolution ንሰብን ገረብን ኤርትራ ዝፈልጥ ሓይሊ ገርካ ንምድምሳሱ፡
እስራኤል ኮማንዶስ ክትምልም ዝገበሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ንዝበዝሑ ኮማንዶስ ኣነቃቅሖም ናብ ሰውረኦም
ከም ዝጽንበሩ ዝገበሩ ቀዳሞትና በዞም ቆልዑ ክነኣኣሱ ክትሰምዕ እንኮለኻ ገለ ጌጋ ከምዝነበረ ንጹር`ዩ።
ንሱ ኸኣ ፡-
* * * * ሰውራ ኤርትራ፡ ንደቂ ኣንድነት ክንቃለስ ምስ በሉ፡ ብዘይ ገለ ስክፍታ ምቅባሎም ፡ ሹዑ ቁነዕ
ነይሩ፡ ክሳብ ሕጂ`ውን ቅኑዕ`ዩ ። እቲ ጌጋ ግና ብመንጸር ናይዚ ንዒላ ኣተሓሳስባ ኣንድነት ንምንጻፍ
ዝተወስደ ስጉምታት ዘይምንባሩ`ዩ ። ስለዚ ኸኣ እቲ ጸረር እናበለ ኣብ ዒላ ኣንድነት ክውህለል ዝተሓድገ
ጸረ ኤርትራውነት ሕማም፡ ራእስታት ኣንድነት ግዜ መሪጾም እናቀድሑ ነቶም ናኣሽቱ ከምዕጉዎም ዕድል ሂቡ
እዩ ።
ሎሚ ንጅግና ስዉእ ዓዋተ ፡ ጽንሕ ኢልካ ኸኣ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምንእኣስን ዘየድልን ጌጋን`ዩ ነይሩ
ንምባል ዝወጣወት ዘሎ ሸነኽ ፡ እቲ ትማሊ ዝተሳዕረ ፡ ኤርትራዊ ጄኦ ፓለትካዊ ዘይዋሓጠሉ ሸነኽ`ዩ።
* * * * * ድሕሪ ተጎርባ 1964 ንስዉእ መሓመድ ብርሃን ነጋሽን ነቲ ብኹሉ እንትንኡ ንተጎርባ ዝመስል
ንውግእ ዳንደር 1967 ክንዝክር`ዶ፡ እቲ ኣብ ባርካ እቲ ኣብ ሰራየ፡ …………… ይጽናሓልና !!!
AAHafiz 22/9/2023

Category: ትግርኛ

ንቐዳም ዝተሓስበ ፈስቲቫል ኤርትራ ጀርመን ተሰሪዙ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ተልኣቪቭ - እስራኤል'ውን ተመሳሳሊ ናዕቢ ተኻይዱ ነይሩዝመጽእ ቀዳም 23 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራ ከምዝተሰረዘ ማዕከናት ዜና ጀርመን ኣቃሊሐን።ነዚ ኣመልኪቱ፡ ምምሕዳር ከተማ ሽቱትጋርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብማሕበረኮም ኤርትራውያን ፈስቲቫል ንምክያድ ዝጸንሐ መደብ ብስምምዕ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ቀዳም 16 መስከረም፡ ኣብታ ከተማ ክካየድ ተሓሲቡ ኣብ ዝነበረ ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ዕግርግር፡ 228 ዝዀኑ ኤርትራውያን ተቓወምቲ መንግስቲ ምስ ፖሊስ ብምግጫው ከም ዝተኣስሩን፡ ብሰንኩ እቲ መደብ ኣብቲ ዕለት ክካየድ ከምዘይከኣለን ተሓቢሩ ነይሩ።

ድሒሩ ብኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል ከምዝተሓበረ፡ እቲ ፈስቲቫል ንቐዳም እዩ ተሰጋጊሩ ኔሩ፤ እዚ ድማ ንሰበስልጣን እታ ከተማ ኣብ ወጥሪን ክትዕን ኣእትይዎም እዩ ጸኒሑ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ብረቡዕ ምሸት ካብ ምምሕዳር ከተማ ሽቱትጋርት ዝተዋህበ መግለጺ ከምዘነጽሮ ኸኣ፡ ምስራዝ ናይቲ ተመዲቡ ዝቐነየ ፈስቲቫል፡ "ኣብ መንጐ እቲ ምምሕዳርን ኣካየድቲን ብዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ" እዩ፡ ኢሉ።

እዚ ውሳነ’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኣካየድቲ ማሕበር ኤርትራውያንን ሓላፊ ምቍጽጻር ስርዓት እታ ከተማ፡ ክለመንስ መየር ድሕሪ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዝርርብ ዝተበጽሐ ኰይኑ፡ ንስለ "ድሕነት ህዝብን ምኽባር ስርዓትን" ብሓባራዊ ስምምዕ ዝተወሰነ ምዃኑ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ኣካየድቲ እቲ መደብ ዝዀነ ዮሃንስ ርእሶም ንማዕከናት ዜና ጀርመን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስራዝ እዚ መደብ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብን ብዘለና ሓላፍነት ኰይኑ፡ መርኣያ ዘለና ናይ ምትሕብባር ድሌት እዩ፤ እንተዀነ ግን እዚ ንናዕቢ ኢድካ ከም ምሃብ ክርአ የብሉን፡ ኢሉ።

እቲ ፈስቲቫል ኣብ ዝዀነ ካልእ ግዜ ክካየድ እዩ፤ ሕጂ ግን ነቲ ዘሎ ኵነታት መሊስካ ንዘይምግዳድ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ከነሰጋግሮ ወሲንና ኣለና፡ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ከንቲባ ሽቱትጋርት ፍራንክ ኖፐር፡ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንኣድ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ምሸት ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሳተፉ ናዕበኛታት፡ ቅልጡፍን ተሪርን መቕጻዕቲ ክወሃብ ደጊሙ ጸዊዑ።

ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ እታ ከተማ፡ ካርሰን ሆፍለር ብወገኑ፡ በቲ ውሳነ ሩፍታ ከምዝተሰምዖም ገሊጹ።

Category: ትግርኛ

ኢጣልያ፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዳ

ብዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ሻቕሎት እትርከብ ኢጣልያ፣ ምስተን ቀንዲ ምንጪ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን’የን ዝበለተን ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ምይይጥ ኣካይዳ።ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢጣልያ፣ ኣንቶንዮ ታጃኒ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝጋባእ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዘን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት ፣ ኣብ 19 መስከረም፣ ብኣካል ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ መግለጺ ቤት ጽሕፈቱ ኣነጺሩ።

እቲ ዘተ ብቀንዱ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግትኡ ክግበር ኣብ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ምንባሩ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ሊብያ ድሕሪ ዘጋጠመ ዕልቕልቅ፣ ኣብ ኣማኢት ጀላቡ ዝተጻዕኑ ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ላምፔዱሳን ኢጣልያን ከምዝኣተዉ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተራእየ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ዘላ ላምፔዱሳን መንግስቲ ኢጣልያ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ደገፍ ሓቲተን ኣለዋ።

ነቲ ኩነታት ብኣካል ንምክትታል ሚኒስተር ውስጣዊ ጉዳያት ናብ ኢጣልያን ላሜዱሳን ዝልኣኸት፣ ፈረንሳ ካብዞም ካብ ሊብያ ዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ክትቅበል ድልውቲ ከምዘይምዃና ኣነጺራ።

ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኤውሮጳ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶማልን ዝካየድ ዘሎ ግጭታትን ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ግዱድ ዕስክርናን፣ ካብዘን ሃገራት ዝምንጩ ዋሕዚ ስደተኛታት ክብእስ ተኽእሎ ከምዘሎ’ዮ ዝትንተን።

Category: ትግርኛ

ኤልሻዳይ: ስለምንታይ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት የዕቁብ ኣሎ?

ኤርትራዊያን ስደተኛታት መናእሰያት ኣብ ኤልሻዳይ መቐለኤልሻዳይ ቅድሚ 34 ዓመት ብ1981 ዓ.ም (1989) ተመስሪቱ። መስራትን ዳይረክተርን ኣቶ የማነ ወልደማርያም ይበሃል። ሻቡ ወዲ 19 ዓመት ምንባሩ ይዝክር።ኣብቲ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ህጻውንትን ኣረጋዊያንን ብዘይኣላይን ጠዋርን ኣብ ጐደናታት ይድርበዩ ነበሩ። ነቲ ጸገም ንምቅላል ኤልሻዳይ ከምዝተመስረተ መስራቲ እቲ ትካል ይዛረብ።

“ቀንዲ ዋኒን ኤልሻይ፡ ዝተጸገሙ ሰባት ካብ ጸገሞም ኣናጊፉ ማዕረ ካልኦት ሰባት ክዀኑ ምግባር እዩ፡ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ ናይ ሃብቲ ክፍፍል ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምንን ዝሰርሕን ትካል እዩ" ይብል ኣቶ የማነ።

ኤልሻዳይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ብኣሸሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ ልመናን ድኽነትን ኣናጊፉ፡ ሓብሒቡን ሓጊዙን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝገበረ ጸብጻብ እቲ ማሕበር ይነግር።።

ልዕሊ 7000 ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ትግራዎት፡ ሰላም ኰይኑ ክሳብ ነናብ ቤቶም ዝምለሱ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም ነይሮም።

ዛጊድ'ውን ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ህጻናት ኣለዉ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዝነበሩ ሰባት ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ፋሕፋሕ ምስበሉ ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም።

ኰይኑ ግን ኤርትራዊያን ኣብ ኤልሻዳይ ዕቑባ ምርካቦም ኣዘራራቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ስግኣትን ጥርጣረን ዘሕደሩ ሰባት ኣለዉ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/f5f7/live/cb718400-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/f5f7/live/cb718400-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/f5f7/live/cb718400-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/f5f7/live/cb718400-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 800w" alt="ኣቶ የማነ ወልደማርያም: መስራቲን ዳይረክተርን ኤልሻዳይ" width="939" height="528" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 939 / 528;" loading="lazy" />
መግለጺ ስእሊ,

ኣቶ የማነ ወልደማርያም: መስራቲን ዳይረክተርን ኤልሻዳይ

ኤልሻዳይ ስለምንታይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የዕቁብ?

ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ኣብቶም ሰለስተ ዓመታት ከቢድ ማሕበረሰባዊ ምምዝባል፡ ሕማምን ሞትን ኣጓኒፉ እዩ።

ኤርትራዊያን እውን ካብተን ዝነበርወን መዓስከር ስደተኛታት ተበቲኖም ግዳይ እቲ ኲናት ኰይኖም።

"ጸግዕን መጽለንን ስኢኖም፡ ከምዛ ወኻርያ ዝኣተወተን ኣባጊዕ ተበቲኖም። ኤልሻዳይ ድማ እዚኦም ሰባት ስለዝዀኑ ክሕግዞም መሪጹ። ካብቲ ሕሱም ኲናት ክድሕኑን ሓደጋ'ውን ከይወርዶምን ብምሕሳብ ዕቑባ ክንኰኖም ወሲንና ኣዕቍብናዮም" ኢሉ ኣቶ የማነ።

ዛጊድ ምስቶም ግዝያዊ ዕቑባ ረኺቦም ደሓር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱን ኣብ ኤልሻዳይ ዘለዉን ኣስታት 2000 ኤርትራዊያን ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/09e2/live/a7408810-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/09e2/live/a7408810-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/09e2/live/a7408810-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/09e2/live/a7408810-5792-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 800w" alt="ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መመገቢ ኣዳራሽ ኤልሻዳይ" width="1021" height="574" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 1021 / 574;" loading="lazy" />
መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ መመገቢ ኣዳራሽ ኤልሻዳይ

ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ኤርትራዊያን እቶም ካብተን መዓስከር ስደተኛታት ዝተበተኑ ጥራይ ኣይኰኑን።

ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ኤርትራዊያን ብስግረ ዶብ ይኣትዉ ኣለዉ። ንደለልቲ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ሓደ ናብ ካልእ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝሰግሩሉ፡ መዕለቢኦም ኤልሻዳይ ከምዝዀነ ኣብ ዕቑባ ኤልሻዳይ ዘለዉ ኤርትራዊያን ይምስክሩ።

ብኣንጻሩ ገለ ሰባት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ኤልሻዳይ መዕቈቢ ኣባላት ህግደፍን ኣባላት ስለያን ኰይኑ ኣሎ። መዕቈቢ ጥራይ እውን እንተይኰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ መስገሪ እውን እዩ" ብምባል ይጕስጉሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ይሽቅጠሎም ኣሎ፤ ኤርትራዊያን ኣብ ምስግጋርን ወፊሩ ኣሎ ብምባል ይኸሱ።

ብፍሉይ ንኤርትራዊያን ኣድህቦ ዝሃበሉ መበገሲ ግልጺ ኣይኰነን ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ኤልሻዳይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተደሪኹ ናብ ሕግን ቤት ፍርዲን ዝቐረበ ዕላዊ ጥርዓንን ክሲን ዘይምህላዉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ይገልጹ።

ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ብሸነኽ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ፡ ደለልቲን ኣስገርትን እናተቐባበሉ ገንዘብ ከኽፍልዎምን ዘናግፎም ኣካል የለን። መዓስከር ስደተኛታት ስለዝፈረሳ መዕቈቢ የብሎምን። ካብዚ ብምብጋስ ኤርትራዊያን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላትን ጠመተ ኣይሃቡናን ዝብል ጥርዓን የስምዑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ምምሕዳር ዞባታት ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዝገብሮ ዘሎ ዕቑባ ክተሓጋገዝዎ ዝሓትት ደብዳበ ጽሒፉ ኣሎ።

እቲ ደብዳበ "ኤልሻዳይ ንሰላም ጸጥታትን ትግራይ ብዘይጐድእን ዘይጻባእን መገዲ ኣብ መቐለን ኣብ ዞባታትን ንኤርትራዊያን ግዚያዊ መጽለሊ ብምሃብ ናብ ማእከል ዓዲን ዝደለይዎ ቦታን ይልእኽን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፈደራልን ክልልን ይሰርሕን ስለዘሎ ኣድላዪ ምትሕብባር ክትገብርሉ ንሓትት" ይብል።

ስደተኛታት ኤርትራዊያን ከ እንታይ ይብሉ?

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/53bd/live/6dff9720-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/53bd/live/6dff9720-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/53bd/live/6dff9720-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/53bd/live/6dff9720-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 800w" alt="ዳኒኤል ተኣምራት: ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ኤልሻዳይ" width="924" height="519" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 924 / 519;" loading="lazy" />

ኤርትራዊ ኣብርሃም ጠዓመ ብ2011 ካብ ኣስመራ ብስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ብሰንኪ እቲ ዝተወለዐ ኲናት ድማ ኣብ ኤልሻዳይ ዕቑባ ረኺቡ ንኽልተ ዓመት ከምዝተቐመጠ ይዛረብ።

“ብፍላይ ኣብ እዋን ዕጽዋን ከበባን ኤልሻዳይ ዓዲን ሃይማኖትን ከይፈለየ ንዅሉ ፍጡር ኣርኣያ ስላሴ ዕቑባ ኰይኑ ኣዕንጊሉ ኣንቢሩና። ኣምሓሩ፡ ደቂ ኦሮሞን ብርክት ዝበሉ ተጋሩን ወዲ ብሩንዲ ከይተረፈ ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቡ እዩ። ኤርትራዊያን እውን ካብታ ኣነ እኳ ዝፈልጦ ልዕሊ 800 ኣብዚ በሊዕና ሰቲና ኢና" ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።

ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ሰባት ኣብ ምስግጋር ዝተዋፈሩ ኣካላት ስጕምቲ ከምዝወስደሎም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ኣብ ምዝውዋር ሰባት ብዝምልከት ኤርትራውያን እናጨወዩ ገንዘብ ምቕባል፡ ሎሚ ንኤርትራዊ ይመስል፣ ንትግራዋይ እውን ጀሚሮም ኣለዉ፤ እዚ ናይ መንግስቲ ኣካል ኢና ብዝብል ጉልባብ ዝፍጸም እዩ፡ ኣብዚ ንምጽራይ ግዜ ወሲዱልና ነይሩ። ካብ ጽባሕ ጀሚርና ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ ክንጅምር ኢና” ምባሉ ይዝከር።

ኣብርሃም፡ ናብ ኤልሻዳይ ዝኣትዉ ኤርትራዊያን ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከምዘየለ ይገልጽ። ብስግረዶብ ምስ ኣተዉ ንድሕነቶም ብፖላይስ ተዓጂቦም ናብ ኤልሻዳይ ይኣትዉ። ነቶም ኤርትራዊያን ኣብጺሖም ዝምለሱ ፖላይስ ኤልሻዳይ መዓልታዊ ዓስቦም ይኸፍል ነይሩ፤ ሎሚ ግን እቶም ኤርትራዊያን ኣዋጺኦም ንምግብን ንመምለሲ መጓዓዚያን ይኸፍሉ ምህላዎም ይዛረብ።

ንዒማ ኢብራሂም ኣብ ሰንዓፈ እምባሶይራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት እያ። ምስ ሓሙሽተ ደቃ ካብ ሽመልባ ምስወጸት ናብ ኤልሻዳይ ኣትያ ዕቑባ ረኺባ ካብ ትቕመጥ ሳልሳይ ዓመታ ሒዛ።

ኣብ ኤልሻዳይ ዋላ ዝተማለአ ኣይዅን ምግቢ፡ ማይን ሕክምናን ከምትረክብ ትዛረብ፤ ንጸዋርነት እቲ ትካል ድማ ትንእድ።

"ኣቶ የማነ እቲ ዝወርዶ ዘሎ ተጻብኦታት ነጺጉ ንዓና ምሕብሓቡ፡ ዓብይ ተኽእሎ እዩ፤ ኵሉ ሰብ ዝኽእሎ እውን ኣይኰነን፤ ኰይኑ ግን እዚ ሰብኣይ'ዚ ዓቕሙ እናተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ፤ ዝሕግዞ ስኢኑ፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ፣ ተጻዋርነቱ ክገልጾ ኣይክእልን እየ" ትብል።

ካልእ ካብ ከረን ዞባ ዓንሰባ ከምዝመጸ ዝገልጽ ዳኒኤል ተኣምራት፡ ኣብ እዋን ኮሮና ብ2012 ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ይዛረብ፤ ኣብ ኤልሻዳይ ድማ ንሓደ ዓመት ተዓቚቡ ኣሎ። ኤርትራዊያን ብዝሃብዎ ሓበሬታ ናብ ኤልሻዳይ ከምዝኣተወ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ይዛረብ።

"ኤልሻዳይ ስለምንታይ ንኤርትራዊያን ይግደስ ንዝብል: ኤርትራዊያን ዋና ኢና ስኢንና ዘለና፤ ስለምንታይ ዓዲና ገዲፍና? ኣብዚ ኸ ስለና መን ኣሎ ዝግደስ? ክሳብ ሕጂ ስለኤርትራዊያን ዝሓትት እንተሃልዩ ይርከበና፤ ኤልሻዳይ ከኣ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ይገብር ኣሎ፤ እቶም ንሕግዝ ኢና ዝብሉ ይቕረቡ . . ። ኤልሻዳይ ንፖለቲከኛታት የዕቁብ እዩ፣ ንኤርትራዊያን ይጭቁን እዩ ዝብል ሰብ ግን ሕጂ እውን ክብል እዩ፤ እሱ ግን ኣይኮነን እቲ ሓቂ፣ ብቓል ዘይኰነስ ኣብ ግብሪ ወሪድና እስከ ንርኣዮ" ብምባል ይላቦ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/6b01/live/e3d43b90-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/6b01/live/e3d43b90-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/6b01/live/e3d43b90-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/6b01/live/e3d43b90-5793-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 800w" alt="ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ: ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ኤልሻዳይ" width="908" height="511" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 908 / 511;" loading="lazy" />
መግለጺ ስእሊ,

ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ: ኤርትራዊት ስደተኛ ኣብ ኤልሻዳይ

ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ኤርትራዊያን ኣብ ደገ ዘለዉ ቤተሰቦም ገንዘብ ኣብ ዝልእኩሎም፡ ነጋዶ መቐለ ዝተወሰነ ሚእታዊት ኣገልግሎት(ኮምሽን) ቈሪጾም ይህብዎም ነይሮም፤ ሎሚ ኣብ ኤልሻዳይ እትርከብ ኤርትራዊት ኣደ ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ በቶም ኤርትራዊያን ተወኪላ ኣላ። ቤተሰቦም ናብቲ ብስም ወይዘሮ ኣኽበረት ዝተኸፈተ ሕሳብ ባንክ ኣታዊ ዝገበሩሎም ገንዘብ ናይ ኣገልግሎት(ኮምሽን) ከይተቘረጸ ይበጽሖም ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ከባቢ ከረን ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ ኣብ ኤልሻዳይ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ከምዝተቐመጠት ትገልጽ። ኤርትራዊያን ብዛዕባ ኤልሻዳይ ክርድእዎ ዘለዎም ዝብሎ ኣለኒ ብምባል ሓሳብ ትህብ።

"ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘለዎ ኣረኣእያ ጽፉፍ ክኸውን እየ ዝደሊ፤ ወናኒ ኤልሻዳይ ኣቶ የማነ ንኤርትራዊ ብፍሉይ እዩ ዝርእዮ፣ ብፍሉይ መርኣይኡ ምክንያት ንዕኡ ይምልከት፤ ክኸስበሉ ዘለዎ ነገር ኣሎ ኢለ ግን ኣነ ዝረኣየኒ ነገር የለን። እቲ ብስግረዶብ ዝመጽእ ኣብዚኣ ኣዕቚቡ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እዩ ዝደሊ። ኣቶ የማነ እናሳለጠ ይሰዶም ኣሎ። እዚ ሓቀኛን ፍትሓዊን ኣሰራርሓ እዩ ኢለ እየ ዝኣምነሉ፣ እንታይ እዩ መኽሰቡ? ዕግበት ሕልና! ሰብኣዊ እዩ። ንዝዀነ ሰብ እዩ ዝረድእ፣ ስለዚ ሓሳቡ ቅቡል ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኣሉ እየ ዘተሓሳስብ" ኢላ።

ኤልሻዳይ ስለምንታይ ይሕመ ኣሎ?

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/1175/live/12e778c0-5794-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/1175/live/12e778c0-5794-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/1175/live/12e778c0-5794-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/1175/live/12e778c0-5794-11ee-95e2-cb2150738e43.jpg 800w" alt="ኤርትራዊያን ስደተኛታት ፊልም እናረኣዩ እንትዘናግዑ: ኣብ ኤልሻዳይ መቐለ" width="908" height="510" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 908 / 510;" loading="lazy" />
መግለጺ ስእሊ,

ኤርትራዊያን ስደተኛታት ፊልም እናረኣዩ እንትዘናግዑ: ኣብ ኤልሻዳይ መቐለ

ኣቶ የማነ ብዙሓት ሰባት ከምዘፈራርሕዎ፡ ሰለልቲ የዕቁብ ኣሎ፣ ባዕሉ እውን ሰላሊ እዩ ብምባል ተደራረብቲ ሽግር ዘውርድሉ ሰባት ከምዘለዉ ይገልጽ።

ካብ ገብርቲ ሰናይ ሓገዝ ከይረክብ ስሙ የጥፍእዎ ምህላዎም ይገልጽ። ብምርጫኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፋነዉ ክልተ ኣውቶቡስ ምሉእ ኤርትራዊያን ናብ ዓዶም ከምዝሰጐጉዎም ብምግላጽ እዚ ድማ ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ይዛረብ።

"ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፣ ለይግበር ለይግባእ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተይኰነ ውልቀ ሰባት እዮም ፈጺሞምዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ዕቑባ ሓቲቶም ንዝመጽኡ ተመሊስካ ናብኡ ምስዳድ ሰብኣዊነት ዝጐደሎ ተግባር እዩ። እዚ ድማ ብምምንቓይ ንዓይ ንምርካብን ኣብ ልዕሊ እቶም ኤርትራዊያን ሕነ ንምፍዳይን ዝተግብረ እዩ" ብምባል ይገልጽ።

ነቶም ኣብ ኤልሻዳይ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክነብጽሓኩም ብምባል፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ዕጽዋን ከበባን ትግራይ፡ ደለልቲ 50 ሽሕ ብር የኽፍልዎም ምንባሮም እቶም ዝሰግሩ ኤርትራዊያንን ስድራኦምን ይዛረቡ። ዋላ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ብር እናተቐበሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዉ ደላሎ ከምዘለዉ ይዝረብ።

ኣቶ የማነ ከምዝብሎ፡ እዚ ተግባር እዚ በቶም ኣብ ውሽጢ ኤልሻዳይ ዝሰርሑ ውልቀሰባትን ዋርዲያን፡ ከምኡ እውን ኣብቲ ዕቑባ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ምስቶም ኣብ መቐለ ዘለዉ ኣስገርቲ ብምውዳድ እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ዘየዳግም ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ድማ ይገልፅ።

"ቤተሰብ ኢና ኢሎም ብምምጻእ ምስቶም ናይ ውሽጥና ሰባት ተመሻጢሮም ኤርትራዊያን ወሲዶምልና እዮም፤ ኣብዚ ዝተሓባበሩ ሰራሕተኛታትና ሽዑ ንሽዑ ኣባሪርናዮም ኢና። እቶም ዝመጹ ሓደስቲ ኣጋይሽ ድማ ምስቶም ነባራት ኤርትራዊያን ክራኸቡ ኣይንፈቅድን። ሎሚ ጽቡቕ ኣለና፣ ተረጋጊኡ ኣሎ" ይብል ኣቶ የማነ።

"ኤልሻዳይ ክንድዚ ገንዘብ ኣኽፊሉኒ ዝብል ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ግን ይቕረብ" እውን ኢሉ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/60b4/live/4f89eec0-5794-11ee-93bf-c758a853042c.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/60b4/live/4f89eec0-5794-11ee-93bf-c758a853042c.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/60b4/live/4f89eec0-5794-11ee-93bf-c758a853042c.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/60b4/live/4f89eec0-5794-11ee-93bf-c758a853042c.jpg 800w" alt="ካብቶም ኣብቲ ማእከል ዘዕቖቡ" width="1024" height="583" class="bbc-1uwua2r" style="box-sizing: inherit; border-style: none; width: 645.325px; height: auto; object-fit: cover; aspect-ratio: 1024 / 583;" loading="lazy" />

እቶም ብስግረዶብ ኣትዮም ኣብ ኤልሻዳይ ግዚያዊ ዕቑባ ረኺቦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ዝደልዩ ኤርትራዊያን ገንዘቦም ከፊሎም ብኣውቶቡስን ነፋሪትን ክኸዱ ትካሎም ከምዝተሓጋገዝ ኣቶ የማነ ይዛረብ። ነዚ ዘይተቐበሉን ጥቕሚ ዝጐደሎም ሰባት ድማ ከምዝቃወሙ ዘለው ይገልጹ።

እቶም ኤርትራዊያን ወረቐት መንነት ብኤልሻዳይ ይወሃቦም። እዚ ስለምንታይ ከምኡ ይግበር ንዝብል ርእይቶ ነቐፍቲ ኣቶ የማነ መልሲ ይህቡ።

"እቲ መፍለዪ መንነት ኣብ ውሽጢ ኤልሻዳይ እንትጸንሑ ናብ ቤት ምግቢ መእተዊኦም፡ ናብ ደገ ወጺኦም እንትኣትዉ እውን መፍለይኦም እዩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዞሞ እንተኸይዶም ድማ ወላ ሓደ ረብሓ የብሉን። ክሳብ ምሳና ኣብ ዝጸንሕሉ ዝጠቅም መፍለዪን ንድሕነቶም ሓለዋ ዝጠቅም እዩ" ይብል።

ኤርትራዊያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ኤልሻዳይ ይሕግዝ ብዛዕባ ምህላዉ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ክሲ፡

ኣቶ የማነ “ኤልሻዳይ ብዓቕሙ ይሕግዝ ኣሎ። ኵሉ ዘዝከኣሎ እንዶ ይግበር። ናብ ቤተሰቦም ክኸዱ እንተደልዮም ክሕግዞም እየ። ሓደ ትግራዋይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸይድ እንድዩ:: እዚኣቶም እውን ናብ ቤተሰብና ክንከይድ ኢና: ብኡ ገይርና እውን ናብ ካልኦት ሃገራት ክንከይድ ኢና እንተይሎም ክሕግዞም እዩ። ነገር ግን ብገንዘብ ኣሳጊሩ ወይ ገንዘብ ሂበዮ ዝብል እንተሃልዩ መርትዖ ሒዙ ይቕረብ" ኢሉ።

ምስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ክሲ፡ ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ግዚያዊ ዕቑባ ምሃብ ከቋርጽ ድዩ ዋላ ክቕጽለሉ ኣብ ዝብል ኣቶ ማነ ከምዚ ይብል፡

"ናይ ኤርትራዊያን ጉዳይ ክሳብ ዘይተፈተሐ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ክሕግዞም እየ። ንምንታይ? ሰባት እዮም ኣሕዋት ኢና። ስድራ ኢና። ዋላ'ውን ካልኦት ተዝዀኑ ነይሮም ኤልሻዳይ ንደቂሰብ ስለንድግፍ ሓገዝና ኣይቋረጽን" እዮም ኢሎም።