Category: ትግርኛ

ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ክልተ መዓልቲ ክልተ ወርቃዊ ዓወት ኣመዝጊባ

ኣትለት ራሄል ኣብ ውድድር ኦሪጎን [ሓምለ 2022]ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ዳንኤል ብ ዓርቢ 6 ጥሪ ከምኡ’ውን ሰንበት 8 ጥሪ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትለቲክስ፡ ኣብ ክልቲኡ ቀዳመይቲ ኰይና ብምዕዋት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክልተ ድሙቕ ወርቃዊ ዓወት ኣመዝጊባ።ራሄል ኣብቲ ብዓርቢ ኣብ ስጳኛ ሳን ጆርጆ ሱ ለግናኖ ዝተኻየደ ውድድር መሮር - ካምፓቺዮ፡ ንኬንያዊት ኣትለት ማርጋሬት ኪምኬምቦይ ብ ክልተ ካልኢት ቀዲማ፡ ውድድራ ብ 19፡10 [19 ደቒቕን 10 ካልኢትን] ዛዚማ ቀዳመይቲ ኰይና።  

ኣብዚ ውድድር፡ ራሄልን ኬንያዊት መወዳድርታን ክሳብ መወዳእታ ሓያል ምትሕንናቕ ከካይዳ እንከለዋ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ራሄል ናህሪ ብምውሳኽ ንማርጋሬት ተፈንቲታ ተዓዚራ።

ካልእ ኬንያዊት ሚርያም ቻበት ከኣ ካብ ራሄል 21 ካልኢት ድሒራ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ተፈሊጡ።

ድሕሪ’ዚ ዓወት፡ ራሄል ዳንኤል ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ውድድር ካምፓቺዮ ዓወት ምጕንጻፍ ዘሐብን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ውድድር ካልአይቲ ከምዝወጽአትን፡ ነዚ ናይ ሎምዘበን ተዳልያ ከምዝመጽአትን ተዛሪባ።

“ክሳብ መወዳእታ ስካቶ ዝሃርም፡ ተታሒዘ እየ ነይረ፡” ዝበለት ራሄል፡ ነዚ ዓወት ንኽትጐናጸፍ ልዑል ድሌትን ኒሕን ከምዝነበራ ገሊጻ።

ሰንበት ዝተኻየደ ውድድር

ብሰንበት 8 ጥሪ ኣብ ስጳኛዊት ከተማ ኤልጐባር ዝተኻየደ መበል 79 ውድድር ኣትለቲክስ ዓለም ‘ኢንተርናሽናል ጁዋን ሙጉርዛ’፡ እዛ ኤርትራዊት ኣትለት ራሄል ደጊማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያዊ ሰለሞን ባረጋን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣንጸባራቒ ዓወታት ኣመዝጊቦም።

ሻምፕዮን ኦሎምፒክ 10 ሽሕ ሜትሮ ሰሎሞን ባረጋ ኣብ ኤልጐይባር ንኻልኣይ ግዜኡ ዓወት ክጐናጸፍ እንከሎ፡ እታ 21 ዝዕድመኣ ራሄል ኣብዚ ውድድር ዝለዓለ ደረጃ ዘመዝገበት ፈላሚት ኤርትራዊ ኰይና’ላ።

እቲ ደበና ዝመልኦ ግን ከኣ ዝናብ ዘይዘነበሉ ናይ ሰንበት ውድድር፡ 7.6 ኪ.ሜ ዝሸፈነ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ርሕቀት፡ ሽዱሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሒት ጕጅለ ክተርፋ እንከለዋ፡ ራሄል ዳንኤል ምስ ክልተ ኬንያውያን ኤድና ጀቢቶክን ማርጋሬት ኪፕከምቦይን፡ ኢትዮጵያዊት ማህሌት ሙሉጌታ፡ ባሕሬናዊት ዊንፍረድ ያቪንን ቡሩንዳዊት ፍራንሲን ኒዮንሳባን መራሕቲ ነይረን።

ኣብዚ ውድድር’ውን ራሄል ምስ ካልእ ኬንያዊት እያ ተፋጢጣ።

እታ ክብራ ክትዕቅብ ትወዳደር ዝነበረት ኬንያዊት ኣትለት ኤድና ጀቢቶክ ዝበዝሕ ዕማም ምስሓብ ክትፍጽም እንከላ፡ እታ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሳን ጆርጆ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካምፓቺዮ ተወዳዲራን ተዓዊታን ዝነበረት ራሄል ግን ክትለቃ ኣይከኣለትን፤ ብቐሊሉ ክትስዕባ ክኢላ እያ።

እተን ካልኦት ተወዳደርቲ፡ ምስተን ነቲ ውድድር ዝቕልሳ ዝነበራ ክልተ - ራሄልን ኤድናን - ክጕዓዛ ሓያል ክቃለሳ’ኳ እንተፈተና፡ ደሓር ግን ነቲ ሓያል ፍጥነት [ስካቶ] ኤድና ክጻወራኦ ኣይከኣላን፤ እቲ ውድድር ድማ ኣብ መንጐ ኤድናን ራሄልን ጥራይ ተረፈ።

ክልቲአን ኣትለታት ክሳብ ናይ መወዳእታ ደወል ንሕንሐን ቀጺለን፤ እንተዀነ ራሄል እቲ ውድድር 600 ሜትሮ ክተርፎ እንከሎ መጥቃዕቲ ብምግባር ንመወዳድርታ ብቐሊሉ ራሕሪሓ ሕንጻጽ ፍጻመ ረጊጻ።  

እታ ኤርትራዊት ኣትለት ነታ ኬንያዊት መወዳድርታ ብሸሞንተ ካልኢት ተፈንቲታ ብ25፡43 ቀዳመይቲ ብምዃን ዓወት ጨቢጣ። እታ በይና ዝነበረት ባሕሬናዊት ያቪን 15 ካልኢት ድሒራ ሳልሰይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ።

ኣትለት ራሄል ዳንኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሪጐን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ውድድር ኣትለቲክስ 10 ሽሕ ሜትሮ ሓምሻይ ደረጃ ከም ዝሓዘት ዝዝከር ኰይኑ፡ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ግዜኣ 30:12፡15 ኰይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።

Category: ትግርኛ

ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኪዳነ ዘካርያስ ተታሒዙ

ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያምክህደን ዝጸንሐ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ዕሉል ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ኣብ ሱዳን ተታሒዙ።ዓለምለኻዊ ማሕበር ፖሊስ (ኢንተርፖል) ከም ዝበሎ፡ ኪዳነ ብሰንበት 1 ጥሪ'ዩ፡ ብመሪሕነት ሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተኻደ ስርሒት ኣብ ሱዳን ቀይዲ ኣትዩ።ስለያ ኢንተርፖል ብዝሃቦም ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብመዚ ኢማራት ዓረብ ነቶም መርበብ ኪዳነ ዝነበሩ ሓዉ ዝርከቦም ሰባት ክከታተልዎም ጀሚሮም።"ሓዉ ኣብ ክንድኡ ኮይኑ ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ የሰጋግር ነይሩ። እቲ ብሰብመዚ ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተጠልፈ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ኪዳነ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበረ ክፍለጥ ኣኽኢሉ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኢማራት ዓረብ፡ ሌ/ጀነራል ሼኽ ሳይፍ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኪዳነ ምስ ሓዉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ሐቢሩ።

"እቲ ብመሪሕነትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምትሕብባር ኢንተርፖልን ን9 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ናይ ፖሊስ ስርሒት ብማእሰርቲ ናይቲ ኣብ ዓለም ምሉእ ዝድለ ዝነበረን ካብ ቤት ማእሰርቲ [ኢትዮጵያ] ሃዲሙ ዝጸንሐን መራሒ ሓደ ገበናዊ ጉጅለ ንግዲ ሰብ ኪዳነ ዘካርያስን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝድለ ሓዉ ሄኖክ ዘካርያስን ተዓዊቱ'ሎ" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ትካል ምቁጽጻር ናርኮቲክስ ኢማራት ጀነራል ሳዒድ ዓብደላህ ኣል ሱዋይዲ ብወገኑ ብዛዕባ ምትሓዝ ናይቲ ኣሰጋጋሪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነቶም ኣብ ምሓዙ ዝተዋስኡ ኣባላት ጸጥታ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

"ሳላ ሞያውነትን ተወፋይነትን ኣባላት ፖሊስና፡ እቲ ኣብ ዓለም ክድለ ዝጸንሐ ቀንዲ ኣሰጋጋሪ፡ ነቲ ጽዩፍ ተግባሩ ክፍጽም ኣይክኽእልን'ዩ" ኢሉ።

እቲ ብምስግጋር ስደተኛታትን ንግዲ ሰባትን ዝኽሰስ ወልቀሰብ፡ ኣብ ቀይሕ መዝገብ ኢንተርፖል ኣትዩ ክድለ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሆላንድ (ነዘርላንድስ)፡ ኪዳነ ሃብተማርያም ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ብምስፋር ተታሒዙ ናብ ሕጊ ክቐርብ ኣዚዞም ነይሮም'ዮም።

ብተመሳሳሊ ክስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ለካቲት 2021 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከም ዝተሰወረ ይዝከር።

እቲ ወዲ 38 ዓመት፡ ዋላ'ኳ ካብ ቤት ፍርዲ እንተሃደመ፡ ኣብ ዘይተረኽበሉ እቲ ቤት ፍርዲ ንሕልፈት ክእሰር ፈሪድዎ ነይሩ።

ሓላፊ ኣገልግሎታት ፖሊስ፡ ምትሓዝ ናይቲ ኣሰጋገሪ ዓቢ ዓወት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንመሻርኽቲ ሃገራት ኣመስጊኑ።

"ሰብመዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝገበርዎ ምትሕግጋዝን ቅልጡፍ ስጉምቲን ነመስግን" ዝበለ ስቲፈን ካቫና፡ "ንኹለን ኣብቲ ጉዳይ ኣገዳሲ ግደ ዝተጻወታ ሃገራት፡ ብፍላይ ኢትዮጵያ፣ ነዘርላንድስን ሱዳንን" ዘለዎ ምስጋና ገሊጹ።

"ሎሚ ብቤት ፍርዲ ገበኑ ዝተረጋገጸ ገበነኛ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ፡ በቲ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ዘውረዶ ጉድኣት ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርብ'ዩ። መርበብ ኢንተርፖል ከምዝሰርሕን፡ ሃገራት ብሓባር ኣብ ዝሰርሓሉ ክረጋገጽ ዝኽእል ዓወትን ዘረጋግጽን'ዩ"።

ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም መን'ዩ?

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/435d/live/7a203c10-8d01-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/435d/live/7a203c10-8d01-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/435d/live/7a203c10-8d01-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/435d/live/7a203c10-8d01-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 800w" alt="ካብ ጃልባ ወሪዶም ዝሕንብሱ ስደተኛታት" width="976" height="549" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,AP

ኪዳነ፡ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ዝኣስረሉ ገዛውቲ [መኻዚኖ] ከም ዝነበሮ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ነቶም ስደተኛታት ካብን ናብን ሃገራት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብምስግጋር፡ ናብ ካልኦት ኣሰጋገርቲ ብምሻጥን ካብ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ገንዘብ ብምቕባልን ዝፍለጥ ጉጅለ ዝመርሕ ዕሉል ኣሰጋገሪ እዩ።

እዚ ኪዳነ ዝመርሖ ጉጅለ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብምስቓይን ብሓፈሻ ብዝተፈላለየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝክሰስ እዩ።

እቲ ብኪዳነ ዝምራሕ ጉጅለ ቀንዲ መደበሩ ኣብ ሊብያ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ወኪላት ዝነበርዎ'ዩ።

ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብምጭዋይ፡ ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰቦም ገንዘብ ንክኸፍሉ የገድድ።

ኣብቲ ኣብ ባኒ ዋሊድ ዝብሃል ኣብ ሊብያ ዝርከብ ብኪዳነ ዝውነን መዳጎኒ ስደተኛታት፡ እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ስደተኛታት ንዓመታት ከም ዝሳቐዩ እቶም በቲ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ይገልጹ።

እቶም ካብ ሱዳንን ካብ ካልእ ሃገራትን ዝብገሱ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምስ ኣተዉ፡ ዕጽፍታት ናይቲ ኣብ መጀመርታ ዝተሰማምዕሉ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱን እቶም ክኸፍሉ ዘይክኣሉ ንኣደዳ መግረፍትን ስቅያትን ከም ዝቃልዑን እቶም ግዳያት ይጠቅሱ።

ገለ ብመንገዲ እዚ መስመር ዝሓለፉ ስደተኛታት ካብ 5,000 ክሳብ 12,000 ዶላር ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱ ይሕብሩ።

ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቑ ሰባት "ኪዳነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስደተኛታት ብዝፈጸሞ በደል፡ ብሕጊ ንኽሕተት ማሕበረሰብ ዓለም ክረባረብ ኣለዎ" ብምባል ክጠልቡ ጸኒሖም'ዮም።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ 2021 ካብ ማእሰርቲ ምህዳሙ፡ ንብዙሓት ተሓለቕቲ ኣቖጢዕዎም ነይሩ።

ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ብምሕሳብ ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተኛታት ከቢድ ምክልባት እዩ ዘጋጥሞም። እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ጉልባብ ምርቓ ብምውሳድ ንስደተኛታት ዘሳቕዩ፡ ዝምዝምዙን ኪኖ'ዚ ሰጊሮም ዝቐትሉን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ኸኣ ንሊብያ ከም ደጀኖም'ዮም ዝጥቀሙላ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድስ፡ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ጸኒሑ።

ነቲ ወዲ 38 ዓመት ዝኾነ ኪዳነ ዘካርያስ ንምሓዝ መንግስቲ ኔዘርላንድ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብጽምዶ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2021፡ ዮውሃንስ ሃብተ ዝተብሃለ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ኣስጋራይ ኣብ ናይሮቢ ተታሒዙ ንመንግስቲ ሆላንድ ተረኪቡ ነይሩ።

እቲ ወዲ 53 ዓመት ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምስናዕ ሰነዳትን ዝርከብዎ ክስታት ቀሪብሉ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ናይ ሆላንድ ዜግነት ከም ዘለዎ ዝግለጽ ኣሰጋጋሪ፡ ክሳብ ግቡእ መስርሕ ፍርዱ ዝውዳእ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሕን በቲ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ ሸሞንተ ዓመት ክእሰር ከም ዝኽእል ኢንተርፖል ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ዩውሃንስ ሃብተ ብኢንተርፖል ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ብምትሕብባር ፖሊስ ኬንያ ኣብ ጫፍ ከተማ ናይሮቢ ተታሒዙ።

ኣብ ሰነ 2021 ድማ፡ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ሊብያ ኣሽሓት ስደተኛታት ብምስርጣይ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ተወልደ ጎይትኦም ዝተባህለ ካልእ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ን18 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ በዪንሉ'ዩ።

እዚ ወሊድ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ኣሰጋጋሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእሰርቲ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር ክኸፍል'ውን ተፈሪዱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንወሊድ ናብ ነዘርላንድስ ኣሕሊፎም ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርብ ሓቢሮም ነይሮም።

ብዘይካ'ዚ ካልእ ሽሻይ ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ተሓባባሪኡ ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲን ተፈሪዱዎ።

ተወልደ ጎይትኦም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታትት'ዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/1828/live/d6b48fa0-8cff-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/1828/live/d6b48fa0-8cff-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/1828/live/d6b48fa0-8cff-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/1828/live/d6b48fa0-8cff-11ed-888e-5f7a68a59acb.jpg 800w" alt="ዝባን ዝተገርፈ ዝደተኛ" width="800" height="450" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ወተሃደራዊ ዕስክርናን ኣገልግሎትን ዝሃደሙ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ። ካልእ ምግሃስ መሰላት'ውን ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ተሓለቕቲ ይዛረቡ።

ኣብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደቶም ድማ፡ ግዳያት ኣሰጋገርቲን ጨወይትን ክኾኑ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ካብ 2007 ጥራይ ኣስታት 30 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ናብ ምድረ በዳ ሲናይ ተወሲዶም ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱን፡ ገለ'ውን ክፋል ኣካላቶም ከም ዝተሸጠን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብዛዕባ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ንዝተፈጸመ ገበናት ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ዘካየደ ሓደ ጉጅለ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሲናይ ተኣሲሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ ሱዳን ተጨውዮም ዝተወሰዱ ምዃኖምን ገለ ፖሊስ ሱዳን ምስቶም ጉጅለ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮምን እዩ ዝሕብር።

እቶም ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ተጨውዮም ናብ ሲናይ ዝተወሰዱ ግዳያት፡ ስድርኦም ብሓፈሻ ብውሕዱ 600 ሚልዮን ዶላር ነቶም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከም ዝኸፈልዎም እዩ እቲ መጽናዕቲ ዘቃልዕ።

ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ብመስመር ምድረበዳ ሳሃራ ኣቢሎም ናብ ሊብያ ካብ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲን ተሓባበርቶምን ከቢድ ስቓይን ምግሃስ መሰላትን ዝሓለፉ ብዙሓት'ዮም።

Category: ትግርኛ

‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ይንቀሳቐስ ኣሎ።’ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረረስ

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ይንቀሳቐስ ምህላዉ፣ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረረስ (ኦፌኮ) ናብ መንግስቲ ጥርዓን ኣቕሪቡ።ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ 50 ዝኾና ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኢትዮጵያ ኣብ ህሉው ኩነታት ኣመልኪተን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኣብ ዘካየድኦ ዘተ’ዩ እቲ ጥርዓን ቀሪቡ።

ሓደ ካብ መራሕቲ ኦፌኮ፣ ሙላቱ ገመቹ፣ ናብቲ ነቲ ዘተ ዘካይድ ዝነበረ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኦሮሚያን እናተንቀሳቐሰ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ’ዩ ስቕታ መሪጹ’ ኢሉ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ‘ብህወሓት ኣብ ዝተጠለምናሉ ሕማቕ ግዜ፣ ኤርትራ ዝርድኣትና ሃገር’ያ’ ድሕሪ ምባል፣ ብፍላይ ኣብዚ ሳልሳይ ዙርያ ውግኡ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬታ ተበጊሱ ንኸጥቅዕ ምፍቃዳን ሳልኡ ዝተረኽበ ዓወታትን ዘርዚሩ።

‘ኣብቲ ግዜ’ቲ ህወሓት ናይ ክልቴና ጸላኢ ኔሩ። ድሕሪ’ዚ ስምምዕ ህወሓት ዕጥቑ ምስ ፈትሐ ስግኣት ኣይከውንን’ዩ። ብፖለቲካ ንዝህሉ ምስሕሓብ ግና ብዘይ ሳልሳይ ኣካል ማዕጾና ዓጺና ክንዘራረብ ኢና’ ክብል’ውን ተሰሚዑ።

‘ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ትውጻእ ትብሉ ሰባት፣ ስለምንታይ ሱዳን 50 ኪሎሜተር ንውሽጢ ኢትዮጵያ ወሪራ ኣትያ እንከላ፣ ሱዳን ትውጻእ ዘይበልኩም’ ክብል’ውን ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ‘ኤርትራ ኣሸጊራትና ክሳብ ዘይበልና ንምንታይ ኣተሓሳሲቡኩም’ ክብል ተመሊሱ ንተዛተይቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ድሕሪ ምሕታት፣ ‘ኣሸጊራትና እንተደኣኢልና ሓሲብና፣ ባዕልና ኣብ ዝወሰንናሉ፣ በቃ ውጹእልና ክንብል ኢና’ ኢሉ።

‘ስለዚ፣ መጀመርያ ህወሓት ዕጥቁ ይፍታሕ ‘ሞ፣ ከምዘይዋጋእ ነረጋግጽ፣ ብድሕሪኡ መን’ዩ ብዘይገድስ ውጽኡ ካብ ሃገርና ክንብሎም ንኽእል’ ዝበለ እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ‘ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ዘተሓሳስበኩም እንተኾይኑ፣ ሱዳን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ትውጽእ ኢልኩም መግለጺ ኣውጽኡ’ ዝብል መደምደምታ ሂቡ።

ኣምባሳደር ሬድዋን፣ ብዛዕባ ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉምዝን ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፣ ብቀጥታ ናይ ምኽሓድ ይኹን ናይ እወታ ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብቲ ንብዙሓት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኢትዮጵያ ከምዘየሐጎሰ ዝተገልጸ ዘተ፣ ጉዳይ እቶም ካብ ኤርትራ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተመልሱ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብዝምልከት’ውን ሕቶታት ቀሪቡ’ዩ።

ኣብቲ ዘተ ብተወሳኺ፣ ጉዳይ’ቲ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣሰሓሒቡ ዝርከብ ዞባ ወልቃይትን መንግስቲ ብምስጡር ዝገብሮም ዘሎ ስምምዓትን ኣብ ዝብል’ውን ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቶን ርይእቶን ተዋሂቡሉ።

ስእሊ፦ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=======================

Category: ትግርኛ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኣመልኪቱ?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት 2023፡ ንዞባዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምዕባለታት ምርኩስ ብምግባር፡ ብቐንዱ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐንዐ ነቐፌታ ዝሓዘለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብቲ ብመገዲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዝተቓለሐ ናይ ጽሑፍ መልእኽቱ፡ ኤርትራ “ንዝሓየለ መኸተ” ትዳሎ ከምዘላ ኣሚቱ።ኣብቲ መልእኽቲ፡ “ኣብ ጐደቦና ብተመሳሳሊ ቅኒት፡ በንጻር ዝበለየ ኣጀንዳታቶም፡ ቅልውላው ንምንቛት ዘካይድዎ ሸርሓዊ ምትእትታዋት ዛይዱ’ዩ። ሂስተርያ ቅርሕንታዊ ተጻብኦኦም ኣንጻር ኤርትራ ኸኣ ይዓርግ ኣሎ” ክብል ኣቶ ኢሳይያስ ከሲሱ።ሓይልታት ኤርትራ፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ናብ ኲናት ትግራይ ምእታዎም፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ኣሜሪካ ተሪር ተቓውሞ ኣስዒቡ’ዩ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስን፡ ሓላፊ ጸጥታ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ከምኡ’ውን ንንግዳውያን ትካላት ህግደፍን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ እገዳታት ምግባራ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዘውጽኦ ሓጺር መልእኽቲ፡ “ኣብ ሕቚፊ ህዝቡ ዝመውቕ ሓይልታት ምክልኻል ከኣ፡ ዛጊት ንቀንጠብጠብ ወራር ተደናደንትን ዓንደርትን ዝእድብ ቅያ ስርሒታት ጸረ-መጥቃዕቲ ኣመስኪሩ’ሎ” ኢሉ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ኤርትራ ዝተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ መንእሰያትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ’ውን ዓበይቲ ሰብኡትን ዝተገፈፍሉን፡ እቶም ክርከቡ ዘይክኣሉ ድማ ገዛውቶም ዝተዓሸገሉን ኣባላት ስድራቤታቶም ዝተኣስሩሉን’ዩ ነይሩ።

ኤርትራ፡ ኣብቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተቓወምዎ ምትእትታው ክንደይ ወተሃደራት ከምዝኸሰረት ዛጊት ኣይገለጸትን ዘላ።

ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ካብቲ ክልል ሓቢሮም።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ካብቲ መንግስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቕጽሎ ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ወተሃደራዊ ዕስክርናን ኣገልግሎትን ብምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ቅልውላዋት ንምፍታሕ ዝሃቦ ተስፋ ይዅን ዝመልከቶ ውጥን የለን።

“2023 ብተዛማዲ፡ ናይ ዓብለልቲን ሓንከርቲን ዕንደራታት ኰነ፡ ናይ መጋበርያታቶም ሸርሒታት ዝዕገስ ስለዘይመስል፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትና’ውን ክዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት፡ ዓወት ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊን ናጻን ሕርያና’ዩ” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሚቱ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ሃገሮም ወረ-ውግእ ኣብቂዑ፡ ብሓይሊ ኣብ ሰራዊት ዝኸተቱ ብዙሓት መንእሰያት ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱን ንዓመታት ዝተወንዘፉ ለውጥታት ክትግበሩን ሃንቀው ዝብሉ ኤርትራውያን ብዙሓት’ዮም።

እንተዀነ፡ መግለጺ ናይቲ “ኣብ ግጭት ተሓቢኡ ዝነብር” ተባሂሉ ዝንቀፍ ፕረዚደንት፡ ነቲ ሃንቀውታ ዝእምት ተስፋ ኣየቐመጠን።

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ግፋን ጻውዒትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ማእሰርትን ብዝሓየለ ይቕጽል ምህላዉ ካብ ውሽጢ ‘ታ ሃገር ዝተረኽቡ ሓበሬታታት የረጋግጹ።

“ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ” ኣብ ውሽጣውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቃለመጠይቕ ከካይድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጡ’ሎ።