news

Category: ትግርኛ

ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ 8 ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ክሳተፉዮም

ካብ 18 ክሳብ 25 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ውድድር ዙር ርዋንዳ፡ 8 ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ክሳተፉዮም::ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይን ያፌት ሙልጌታን ከተሳትፍ‘ያ::

ኣብዚ መበል 16 ዙር ርዋንዳ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ ዓወት ኣማን ምስ ጋንታ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ተሓቚፉ ክወዳደር እንከሎ፡ ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብቶምን ከኣ ማልያ ጀርመናዊት ክለብ ባይክ ኤይድ ወድዮም ናብዚ ብኣህጉራዊ ደረጃ ናይ 2.1 መዐየሪ ዘለዎ ቅድድም ከምርሑ‘ዮም።

ኣብዚ ሃገራውያን ጋንታታትን አህጉራውያን ዓበይቲ ክለባትን ዝሳተፍኦ ቅድድም፤ ኤርትራውያን ምስቶም ብብዝሒ ካብ ሓንቲ ሃገር ዝተሰለፉ ተቐዳደምቲ ኮይኖም ክቐርቡ‘ዮም።

ንሃገራት ጋንታ ኤርትራን ኤርትራውያን ተቐዳደምትን ዓወት ንምነየሎም።

Category: ትግርኛ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተገፊፎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ዓዶም ይምለሱ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ተገፊፎም ኣብ ዝተፈላለየ መደባራት ፖሊስ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን፣ ብዘይድልየቶም ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ክልተ ኣውቶቡሳት ዝተጻዕኑ፣ ልዕሊ 90 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብመንገዲ ዓሰብ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣለዉ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ካልኦት‘ውን፣ ክስዕቡ ምዃኖም ይግለጽ ምህላዉ ኣተንቢሆም።

ካብዞም ብዘይድልየቶም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ናይ ስደተኛታት መንበፍሪ ፍቓድ ዝነበሮምን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናት ተበታቲኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉን ይርከብዎም።

ገሊኦም‘ውን ብፓስፖርት፣ ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዎም፣ ክጸንሕሉ ዝግባእ ግዜ ሓሊፉ ክነሱ፣ ኣብታ ከተማ ክቕመጡ ዝጸንሑ‘ዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ጉዳዮም ከጻርዩ፣ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ፣ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዕድል ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ እቲ ናይ ምግፋፍን ምእሳርን፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ብምንባሩ፣ ካብ ጉዳይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንላዕሊ ካልእ መልእኽቲን ዕላማን ከምዘለዎ‘ዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝጠቕሱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ህቡባት ስነጥበባውያን፣ ነጋዶን ተራ ስደተኛታትን ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ገፊፎም ከምዝኣስርዎም ክግለጽ ጸኒሑ‘ዩ።

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን፣ ምስዚ ግፋን ማእሰርቲን ተተሓሒዙ ካብ ኤርትራውያን ግቦን ብላዕን ክቕበሉ ምጽንሖም ይውቐሱ።

ስእሊ፦ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

Category: ትግርኛ

ዙር ርዋንዳ 2024፡ ሸሞንተ ኤርትራውያን፡ ሸውዓተ ኢትዮጵያውያን ክሳተፉ’ዮም

ዓሚ ኣብ ዙር ርዋንዳ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ካብ ዝተፋተፉ ዩኤል ሃብትኣብ፡ ዓወት ኣማንን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ሎሚ ዓመት'ውን መምስ ጋንትኦም ብምዃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ'ዮም

ዓሚ ኣብ ዙር ርዋንዳ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ካብ ዝተፋተፉ ዩኤል ሃብትኣብ፡ ዓወት ኣማንን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ሎሚ ዓመት'ውን መምስ ጋንትኦም ብምዃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፉ'ዮም

ኣብቲ ካብ ሰንበት 18 ክሳብ 25 ለካቲት ንመበል 16 ግዜ ዝካየድ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ ሓሙሽተ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰለስተ ድማ ምስ ካልእ ጋንታ ብምዃን ብሓፈሻ 8 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንመርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይን ያፌት ሙሉጌታን ኣሰሊፋ ነቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘለዋ ዓብላልነት ንምርግጋጽ ክትወዳደር’ያ።

ብዘይካ እዞም ሓሙሽተ ሻምፕዮን ኤርትራ 2021 ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ'ዮም።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት የማነ’ውን ምስታ ብኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝቖመት ጋንታ ናይ ዩሲአይ ብምዃን ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበት ማልያ ገይሩ ክወዳደር’ዩ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተሓቚፎም ካብ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ዓበየ ምስ ጋንታ ኣስታና ብምዃን መርሃዊ ቅዱስ ብጫ ማልያ ክዕወት እንከሎ፡ ድሕሪ 2019 ንመጀርታ ግዜ ናብቲ ውድድር ብምምላስ ነቲ ኣብ 2019 ዝተጎናጸፎ ዓወት ንምድጋም ክረጋረግ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2012 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ካብ ኪጋሊ ናብ ንያጋታረ ተሰሪዓ ዝነበረት ካልኣይቲ መድረኽ ብምዕዋት ኣብ ታሪኽ ዙር ርዋንዳ እቲ ዝንኣሰ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

መርሃዊ ቅዱስ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዚኡ’ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፍ ዘሎ። ካብ 2019 ናብ ዙር ርዋንዳ ዝገበሮ ምልሶት ብጫ ማልያዶ የግዝሞ ይኸውን ግን ጸወታ ዝምልሶ'ዩ ክኸውን።

መትከል እዮብ ሎሚ ዓመት ኣብ ዙር ርዋንዳ ንዓስራይ ግዜ’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ብሓፈሻ ኣብ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ እዚ ውድድር ብምዃን ካብ ኩሎም ኤርትራውያን ዝበዝሐ ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈን ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበን ክኸውን እንከሎ ብሓፈሻ ኣብ ዙር ርዋንዳ ነቲ ሽዱሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ክኸውን ዝኽኣለ ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስትሬፖ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝበዝሐ ናይ መድረኽ ዓወት ዝጨበጠ ተቐዳዳማይ’ዩ።

መትከል እዮብ ብሓፈሻ ኣብ ዙር ርዋንዳ 29 ግዜ ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ብምዃን ውድደሩ ዛዚሙ።

ምስ ጋንታ ኢንተርማርቸ ዝወዳደር ዘሎ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ጽቡቕ ተወዳዳርነት ብምርኣይ ሰለስተ ግዜ ንዝበለጸ ተጻዋታይ ንዝውሃብ ማልያ ክዕወት ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ኮይኑ፡ ብመትከልን መርሃዊ ቅዱስን እናተሓገዘ ንብጫ ማልያ ክዕወተላ ካብ ዝኽእሉ ተጻወትቲ ክስራዕ ዝቕስብ ብቕዓት ወኒኑ ዘሎ ተጻዋታይ’ዩ።

ናሆም ዘርኣይ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዚኡ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ እንከሎ ያፌት ሙሉጌታ ግን ፋልማዩ እዩ።

ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ዝጻወት ዳዊት የማነ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ’ዩ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ፣ ዓሚ ኣብ መዛዘምን ሻሙናይን መድረኽ መውደቕትን ምብልሻው ብሽክለታን እንተዘየጋጥሞ ጸወታ ክዛዘም ፍርቂ ኪሎሜተር ክሳብ ዝተርፎ ንበይኑ ኣብ ቅደሚት ኮይኑ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ንምዃን ተቓሪቡ ነይሩ’ዩ። ዩኤል’ውን ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኮይኑ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ስለዝነበረ ነዚ ውድድር ሓዲሽ ኣይኮነን።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ዓወት ኣማን ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፉ ነይሩ’ዩ፡ ሎሚ ዓመት ከአ ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ክሳተፍ’ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሶሎሞን መኩርያ፡ ሃይለሞለኮት ሃይሉ፡ ተስፉ ረዳእ፡ ተስፋይ ተኽለሃይማኖትን ጃዓፋር ጣሃን ብምሓዝ ክትሳተፍ’ያ፡ ብዘይካ እዚኦም ኪያ ሮጋራን ጽጋቡ ግርማይን’ውን ምስታ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ’ዮም።

ተስፉ ረዳእ ቻምፕዮን ኢትዮጵያ 2023 ክኸውን እንከሎ ጽጋቡ ግርማይ ከኣ ኣብ ናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ቻምፕዮን ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ 2023’ዩ።

ናይ ፕረፈሽናል ጸወትኡ ኣብ ርዋንዳ ዝጀመረ ጽጋቡ ግርማይ እዚ ውድድር እዚ ናይ መወዳእትኡ ከምዝኾነ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ሓቢሩ ነይሩ።

ካብቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ሃይለመለኮት ሃይሉ ንሳልሳይ ተስፋይ ተኽለሃይማኖት ከኣ ንካልኣይ ግዚኦም’ዮም ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝሳተፉ ዘሉ።

ዙር ርዋንዳ ካብ 2.2 ናብ 2.1 ኣብ 2019 ክብ ምስ በለ ኣብ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ውድድራት ነቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዮም ተዓወትቲ ብጫ ማልያ ብምዃን ተዓዊተሙሉ።

ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ 2023 ከኣ ሄኖክ ሙሉብርሃን።

ኣብ 2021 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ እቲ እንኮ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ 2.2 ኣብ ዝነበረሉ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ኣስታና ካዛኪስታን፡ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ ዲቨሎፕመንት ቲም፡ ቶታል ኢነርጂ፡ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ፡ ባይክ አይድ፡ ቲም ፖልቲ፡ ዩኤኢ፡ ዲኤስኤም ፈየርመንች፡ ኢኲፕ፡ ሎቶ ቲም፡ መይስታርስ፡ ቢንጎል፡ ጃቫን ዝብሃላ ጋንታታን'የ ዝሳተፋ ዘለዋ።

ካብ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ርዋንዳ፡ ኣልጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮንን ክኾና እንከለዋ ሓንቲ ኣብ ዩሲኣይ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ጋንታ’ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ’ያ።

ተሰሪዖም ዘለዉ መድረኻት

ዙር ርዋንዳ 2024 ብዝሒ ዝሽፍኖ ኪሎሜተራት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብምንጽጻር ሓጺሩ’ኳ እንተሃለወ [ብሓፈሻ 740 ኪሎሜተር] እቲ ተሰሪዑ ዘሎ መድረኻት ተረርቲ ዓቐበታት ዝበዝሖ ክኸውን'ዩ።

ብዘይካ’ዚ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ’ኳ ኣይካየድ እንተነበረ [ብዘይካ ዓሚ] ሎሚ ዓመት ግን ኣብ መበል ሓሙሻይ መድረኽ’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

ካልእ ኣብዚ ዝምጽእ ውድድር ተኣታትዩ ዘሎ ከኣ ናይ ጋንታ ናይ ውልቂ ውድድር’ዩ።

  • ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 18 ኪሎሜተር ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር
  • ካልኣይ መድረኽ፡ ካብ ሙሆጋ ናብ ኪበሆ 130 ኪሎሜተር
  • ሳልሳይ መድረኽ፡ ካብ ሁየ ናብ ሩሲዚ 141 ኪሎሜተር
  • ራብዓይ መድረኽ፡ ካብ ካሮንጊ ናብ ሩባቩ 92 ኪሎሜተር
  • ሓሙሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ኪንጊ 13 ኪሎሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
  • ሳዱሻይ መድረኽ፡ ካብ ሙሳንዘ ናብ ማውንት ኪጋሊ 93 ኪሎሜተር
  • ሻውዓይ መድረኽ፡ ካብ ሩኮሞ ናብ ካዮንዛ 163 ኪሎሜተር
  • ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 90 ኪሎሜተር
Category: ትግርኛ

መጭወይቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ እናገነነ ይመጽእ ኣሎ

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ መጭውይቲ ኤርትራውያን እናገነነ ይመጽእ ኣሎ። መጭይወቲ ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ዘተኮረ፣ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ‘ውን ከምዘጋጠመ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ስድራቤታ ክትበጽሕ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ክልተ ደቓ ዝገሸት ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ፣ ሓደ ወዳ ክጻወት ምስ ወጸ ተጨውዩ፣ 10 ሽሕ ዶላር ክትከፍል ትሕትት ምህላዋ ናይ አረባ ቤተሰባ ገሊጾም።

ካብ ኤርትራ፣ ዶባት ሰጊሮም ናብ ትግራይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን፣ ብደላሎን ኣሰጋገርቲን፣ ይሽየጡን ንምፍትሖም ኣሽሓት ዶላራት ይሓቱን ምህላዎም ብሰፊሑ ክዝረበሉ ጸኒሑ‘ዩ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ‘ውን እቲ መጭወይቲ ደው ከምዘይበለን፣ እኳ ደኣ ይገድድ ከምዘሎን ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ኣብ ናይ ውልቃ ማሕበራዊ ሜድያ – ፌስቡክ ኣስፊራቶ ኣላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣተኵሩ ዝካየድ ዘሎ ምጭዋይን መሽጣን ኤርትራውያን ንምግታእ ብዕቱብ ክሰርሑ‘ውን ጻውዒት ይቐርብ።

ኤርትራውያን‘ውን ብፍላይ ብዶብ ትግራይ ዝሰግሩን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ደቆም ዝገሹን፣ ልዑል ጥንቃቐታት ክገብሩ‘ውን ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡና ወገናት ኣተሓሳሲቦም።

ስእሊ፦ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት