ኣብዚ እዋን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ከሰላ ቅድሚ ምእታዎም፡ እናተፈለዩ ኣብ ዶብ ናብ እትርከብ ኣርባዕታዓሸር እትበሃል ንእሽቶ ከተማ የብጽሕዎም ከም ዘለዉ፡ ቢቢሲ፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኤርትራን ኣብ ኣውሮጳን ካብ ዘለዉ ቤተሰብን ሓበሬታ ረኺቡ ኣረጋጊጽዎ’ሎ።
ሱዳን፡ ካብ ኤርትራ ዝተሰደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝነብሩላ ጐረቤት ሃገር ኰይና፡ ገሊኦም ኣብኡ ነዊሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ምስቲ ህዝቢ ተወሃሂዶምን ተዋሊዶም ክነብሩ ዝጸንሑን እዮም።
ብዘይካ’ዚኦም፡ ብሰንኪ ገደብ ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ምልካዊ ምሕደራን፡ ካብ ኤርትራ ዝሃደሙ ዝግለጽ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ከም መሰጋገሪ ናብ ካልእ ስደት ክጥቀሙላ ዝጸንሐት ካልኣይቲ ሃገሮም እያ።
ኣብ ካርቱም ዝነብር ሓደ ኤርትራዊ፡ ብዙሕ ሰብ - ኤርትራዊ ይዅን ሱዳናዊ - ካብቲ ኵነታት ሰጊኡ ንከሰላ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ኣብ ከሰላ ምስ በጽሐ ግን፡ ወተሃደራት ሱዳን፣ ሱዳናውያን በዚ ኤርትራውያን በቲ ኢሎም ይፈላልይዎም’ሞ፡ ነቶም ኤርትራውያን ትኽ ኣቢሉ ብመካይን ጽዒኖም ተላታ ዓሸር የብጽሕዎም ኣለዉ፡” ክብል ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣካፊሉ።
ኣብ ከሰላ እትርከብ ካልእ ኤርትራዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ቀረባ ቤተሰባ ምስ ሰብኣያ ካብ ካርቱም ሃዲማ ክትመጽኣ ምዃና ነጊራታ እናተጸበየት፡ “ከይተራኸብና፣ ኣነ ይጽበያ ንሳ ኸኣ ኤርትራ ኣብጺሖማ፡” ብምባል፡ ድሕሪ ነዊሕ ሻቕላ ብወጻኢ ተደዊሉዋ “ሩፍ ኢለ” ትብል።
ብኵነታት እታ ቤተሰባ ብፍላይ ከኣ ብኵነታት ሰብኣያ ከምእትሰግእ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዘገድስ ግን ብሂወት ምውጻኦም ጥራይ እዩ ትብል።
ንሳ፡ ነቲ ኵነታት ንምርግጋጽ ድሕሪ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ እተን ነቶም ካብ ካርቱም ዝሃድሙ ዘለዉ ሰባት ዝጸዓና ኣውቶቡሳት፡ “ከሰላ ቅድሚ ብምጻሕ ኣብ ዘላ ሓንቲ ኬላ - መፈተሺ ነቝጣ፡ ንሱዳናውያን ኣውሪዶም፡
እንተዀነ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ዝዕዘቡ ኤርትራውያን ካብቲ ከባቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣርባዕታ ዓሸር “መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢሉ መዝጊቡ፡ ወረቐት ሂቡ ነናብ ዓዶም የፋንዎም ኣሎ፡” ይብሉ።
ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ ዓሰርተ ኣውቶቡሳት ከምዝረኣዩ ድማ ገሊጾም።
ዝተረኽበ ካልእ ተመሳሳሊ ሓበሬታ’ውን፡ ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተገልጸ፡ “ኣብ ዶብ ምስ በጽሑ ሕክምናዊ መርመራ ይግበረሎም እዩ፡” ይብል።
ነዚ ዝምልከት ካብ ሰበስልጣን ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ሓደ ኤርትራዊ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ናብ ሱዳን ብስግረዶብ ኣትያ፡ ንካናዳ ንምኻድ ወረቐት ከተሳልጥ ዝጸንሐት ንእሽቶ ሓፍቱ፡ ኣብዚ እዋን ንኤርትራ ከም ዝተመልሰት ኣረጋጊጹ።
ንሱ፡ እቲ ኣገባብ ኣተኣታትዋ ከምቲ ካልኦት ወሃብቲ ሓበሬታ ዝገለጽዎ ከም ዝዀነ ብምርግጋጽ፡ “ብሕጂ ግን እንታይ ከም ዝብልዎም ዝተፈልጠ የለን፡” ብምባል፡ እንተዀነ ናብ ዓዳ’ኳ እንተተመልሰት እቲ ክመጽኣ ዝኽእል ነገር ከምዘሰክፎ ኣይሓብአን።
“እቲ መስገሪ ዶብ ዝተኸፍለ ኣሽሓት፡ ኣብኡ ዝጸንሓቶን፡ ኵሉ’ቲ ፕሮሰሳ ብዜሮ ተራቢሑ’ሎ፡” ይብል’ሞ፤ “ብሂወት ናብ ዓድኻ ምምላስ ተመስገን ክበሃል እዩ ዝግባእ፣ ግን ኵሎም’ቶም ሕጂ ብዘይፍታዎም ዝምለሱ ዘለዉ ብፍላይ እቶም ካብ ኣገልግሎትን ገለን ሃዲሞም ብስግረዶብ ዝኸዱ መንእሰያት፡ እንታይ ክብልዎም እዮም፣ ብሕጂ ዝርአ’ዩ። ብእኡ’ዩ ድማ ኣፍካ መሊእካ ተመስገን ዘይትበለሉ፡” ብምባል ዘሰክፎ ምኽንያት ይዛረብ።
እዞም ሕጂ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ነበርቲ ካርቱም ኤርትራውያን፡ መብዛሕትኦም፡ ንሳልሳይ ሃገር ንምኻድ ከሳልጡ ዝጸንሑ፣ ከምኡ’ውን ንሕክምና፡ ንመርዓን ቤተሰብ ንምብጻሕን ካልእን ካብ ኤርትራ ዝኸዱ እዮም።
ብፍላይ እቶም መንእሰያት መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ክዀኑ እንከለዉ፡ ኵነታቶምን መጻኢኦምን ዝተሓላለኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ።
ኣብ ርእሲ’ዚኣቶም፡ ብተመሳሳሊ ጉዳያት ካብ ወጻኢ ሃገራት መጺኦም ኣብኡ ዝተዓገቱ ሓያለ ከምዘለዉ’ውን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ነባሪ ካርቱም ከም ዝገለጾ፡ ብፍላይ ነቲ ስደተኛ፡ ኵነታት መዝሚዝካ ማህረምቲ፡ ምፍርራህ፡ ስርቂን ዘረፋን ገኒኑ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ዝከኣል ጥንቃቐ ክገብሩ ይመክር።
ኣብ ርእሲኡ፡ ብዙሓት ኣብ ከሰላ ንኽዕቈቡ ኢሎም ዝተበገሱ ሰባት ከይሓሰብዎ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ይኣትዉ ኣለዉ ምስተሰምዐ፡ ንብዙሓት ከምዘቘጥዐ ብምግላጽ፡ ካብ ወተሃደራት ሱዳን፡ ንምህዳም ፈተነታት ከም ዘሎ፡ “እዚ ግን መሊስካ ግዳይ ካልኦት ጨወይትን ሰምሰርትን ምዃን እዩ፡” ይብል።
እታ ነባሪት ከሰላ፡ ከምዝገለጸቶ’ውን ገለ ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕታዓሸር ሃዲሞም ናብ ሱዳን ክምለሱ ፈቲኖም ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ክኸዱ ከምዝተገብረ ሓቢራ።