Category: ትግርኛ

‘ኤርትራ፣ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ።’ UNICEF

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ማዕከን ንቆልዑ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ነዚ ዝመጽእ ዓመት፣ ንኤርትራ ዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር፣ ንቁጠባዊን ክሌማዊን ነውጽታት ቃልዕ ምዃኑ ብምዝክኻር፣ ደርቂ፣ ዋሕዲ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናትን ማዕቀባትን ህጹጽ ረዲኤት ናይ ዘድልዮ ህዝቢ ከምዘዛየደ ኣገንዚቡ።

ነዚ ኣብ ኤርትራ፣ ብገምጋም 1 ካብ 5 ሰባት ጸልዩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ህጹጽ ምላሽ ንምሃብ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመተ 2023፣ ለገስትን መሻርኽትን ሃገራት 14.7 ሚልዮን ዶላር ክምውላ ተማሕጺኑ።

ዩኒሴፍ፣ ኣቐሚጥዎ ብዘሎ ኣሃዝ፣ ካብቶም ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኤርትራውያን፣ እቶም ኣስታት ፍርቂ ወይ ኣስታት 745,600 ቆልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

እቲ ሓገዝ፣ ኣብዛ ድሕሪ ክልተ ቅነ እትዓቱ ሓድሽ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ፣ ከም ቀረብ ጽሩት ዝስተ ማይ፣ መሰረታዊ ክታበታት ቆልዑ፣ መኣዛዊ መግብታት፣ ምስፋሕ መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት፣ ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ ንቆልዑ ከምኡ ድማ ፊናንስያዊ ዓቅሚ ትሕቱ መነባብሮ ዘለወን ነፍሰጾር ኣዴታት ኣብ ምዕባይ ክውዕል መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

Category: ትግርኛ

ኣብ ሱዳን ዝግፈፉ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መን'ዩ ዝሓተሎም?

ስደተኛታት ክግፈፉ እንከውኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ይገፉ ምህላዎም ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ፖሊስ ነቶም ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም ስደተኛታት ከይተረፈ ብምግፋፍ ንሓደ ስደተኛ ካብ 500-600 ክኸፍል ከምዘገደድዎን እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ። ብተወሳኺ ንዋሕስ ኢሎም ኣስታት 100 ዶላር ከምዘኽፍሉዎም ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶም ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱምን'ኳ እንተሓበሩ፡ ነቲ ሃድንን ምዝመዛን ጠጠው ከብልዎ ዝዀነ ስጕምቲ ከምዘይወሰዱ ዝሕብሩ እቶም ስደተኛታት፡ እቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ግፋ ምናልባት እቶም ፖሊስ ብዘይሕጋዊ መገዲ የካይድዎ ከይህልዎ ከምዝጥርጥሩ እቶም ስደተኛታት ይሕብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣስታት 20 ሃገራት ዓለም፡ ኣማኻርን ኣካያድን ዳግመ ምጥያስ ኰይኑ ዝሰርሐ ኣብ ኤርትራ ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ነበር ዶ/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ኣብ ሱዳን ዘለው ኣስታት 135 ሽሕ ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እዞም ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታትን፡ ኣብ ከተማታት ካርቱም፡ ከሰላን ፖርት ሱዳንን ዝርከቡ ካብ ኵናት ዶባት 1998 –2000 ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዘጋጥም ዘሎ ጎንጽን ግጭትን ዝተሰዱ ምዃኖም የረድእ። 

እቲ ኣስታት 20ሽሕ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበልዐን ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኤርትራውያን ካብ ቤት ንብረቶም ዘፈናቐለ ኵናት ዶባት፡ ድሕሪ ሰብኣዊ ህልቂትን ንዋታዊ ክሳራን እዮም ክልቲኦም ሓይልታት ይግባይ ብዘይብሉ ስምምዕ ኣልጀርስ ክዳነዩ ወሲኖም።

እንተዀነ እቲ ብይን ብኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምጽቃጥ ኣውሓስቲ ሓይልታት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ጸለውቲ ሃገራትን ን18 ዓመት ተወንዚፉ ኣብ ኵነተ ኵናት ጸኒሑ። ብሰንኩ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራውያን ካብ 18 ኣዋርሕ ናብ ልዕሊ 10 ዓመታት ተመጢጡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዶባት ብጠያይቲ ኣሕዋቶም እናተሳሕቱ ናብ መዓስከር ጐረባብቲ ሃገራትን ኢትዮጵያን ሱዳንን ውሒዞም። ካብኡ ቀጺሎም እውን ብኣዝዩ ሕሱም መገዲ ሰሃራን ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ብዙሕ መከራን ሽግርን ከምዝረኣዩ ዶ/ር ኣማኑኤል የረድእ።

ድሕረ ባይታ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን

ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል ኣፍሪሱ መሰልን ክብረትን ኤርትራውያን ግሂሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዒ ምስ ፈጸመ እዩ ኤርትራውያን ንፈለማ ግዜ ኣብ መፋርቕ 60ታት ንሱዳን ተሰዲዶም። ኣብ 1967 ከኣ ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዓስከር ከፊቱ ክድግፎም ጀሚሩ።

ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብ ኤርትራ ብዝኽሰት ዝነበረ ቀጻሊ ውግኣትን ደርቅን ካብ 1975 ክሳብ 1978 ጥራይ ልዕሊ 200,000 ሲቪል ኤርትራውያን ናብ መዓስከራት ሱዳን ሰጊሮም። ከምኡ እናበለ ከኣ ኣብ መፋርቕ 80ታት እቲ ቝጽሪ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ።

ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1991 ነጻነታ ምስ ረኸበት፡ ኣብ መንጐ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዝተገብረ ስምምዕ ልዕሊ 100ሽሕ ስደተኛታት ንሃገሮም ተመሊሶም። እንተዀነ ኣብ መስርሕ ምምላስን ዳግመ ምጥያስን ምስ ዩኤንኤችሲኣር ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጥረ፡ እቲ መስርሕ ከም እተዓናቐፈ፡ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ነበር ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ይገልጽ።

ይዅን እምበር ብዙሓት ስደተኛታት በብመገዶም ንኤርትራ ተመሊሶም እዮም። ዳሕራይ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠሞም ምሕደራን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብቐጻሊ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ጐንጺ ካብቶም ዝተመልሱ እንደገና ንሱዳን ከምእተሰዱ ይሕብሩ።

ህሉው ኵነታት ኣብ ሱዳን

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/e574/live/5f9fe4b0-7f57-11ed-90a7-556e529f9f89.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/e574/live/5f9fe4b0-7f57-11ed-90a7-556e529f9f89.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/608/cpsprodpb/e574/live/5f9fe4b0-7f57-11ed-90a7-556e529f9f89.jpg 608w" alt="ስደተኛታት ክግፈፉ እንከለው ዘርኢ ስእሊ" width="608" height="608" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,SOCIAL MEDIA

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኤርትራ እተሳተፈቶ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዕስክርና ኣምሊጦም ንሱዳን ዝኣተው ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ብሽሞንድን ዓንዶምን ክጽውዑ ዝሓተቱ ክልተ መንእሰያት፡ ካብ ግፋን ሃድንን ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ብምስጋእ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም የሕልፉዎ ከምዘለው ይገልጹ።

ሽሞንዲ ነቲ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ፡ “ኣብ ሱዳን እውን መለሳ ጥጥቖ ቆሎ እዩ ኰይኑና ዘሎ። ግን ብዝወሓደ ኣብ ዘይትድግፎን ዘይትኣምነሉን ኵናት ካብ ምማትን ምስንካልን ህይወትካ ምዕቃብ ዓቢ ነገር ስለዝዀነ ንዅሉ ዘጋጥመና ነገር ክንጾሮ ኢና” ይብል። ዓንዶም'ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎ፡ “ብጠያይቲ ኣሕዋትና እናተሳሓትና ኢና ዶባት ሰጊርና። ብጥይት እናተሃደንካ ኣብ ዘይትድግፎ ወራር ድራር ሓዊ ካብ ምዃን ኵሉ ዓይነት መከራ ስደት ምቕባል ይሓይሽ፣ ምኽንያቱ ህይወት መተካእታ የብላን ይብል።

ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ካርቱም ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ንስደተኛታት ክገፉ እንከለው ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘውር ቀንዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ሱዳን ዘለው ስደተኛታት ኤርትራ ብቐጻሊ ይግፈፉ፡ ተገፊፎም ይግረፉን፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝግደዱን ገሊኦም ድማ ክሃድሙ ክብሉ ብሓጺን ዝተቐዱን ዝተሃርሙን ከምዘለው ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝዀነ ኣጋጣሚ ስደተኛታት ካብ ጐደናታትን ዝነብርሉ ኣከባብን ብዓቕሞም ዝሰርሕሉ ቦታታት ተተገፊፎም ክውሰዱ ምርኣይ ልሙድ ምዃኑ ዶክተር ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ይገልጹ።

“እቶም ወረቐት የብልኩምን ተባሂሎም ካብ ጐደናታትን ኣባይቶምን ዝግፈፉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሰሪሖም ዘይረኽቡዎ ገንዘብ ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ክኸፍሉ እናተሓቱ፡ ካብ ኖቕጣታት ፖሊስ ይፍትሑ እዮም። ዝጣበቐሎም ዋናን ሓላፍነት ዝስከም ውዱብ ዝዀነ ኣካል ስለዘይበሎም ግን እንደገና ተገፊፎም ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱን” ክብሉ ነቲ ጸገም ይገልጹ።

ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝደጋገፍ “ዓርኮብኮባይ!” እተሰምየ ሓደ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ብሕጊ ተመዝጊቡ ብዓቕሙ ክነጣጠፍ ጀሚሩ ከምዘሎ ብምሕባር ነቲ ብንኡስ ዓቕሚ ኣብ ባይታ ወሪዱ ክሰርሕ ዝበጋገስ ዘሎ ትካል ብስደተኛታት ኣሕዋቱ ዝሓምም ዜጋ ክድግፎን ክዓስሎን ጸዊዑ።

እቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ቀዳሞት ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብምርድዳእ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለው ሓላፊ ኮሚሽን ምጥያስ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ሽዑ ካብ ዜሮ ሕጂ ግን ኣዝዩ ውህሉል ሃብታም ተመኵሮ ስለዝተጠርየ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቲ ካብ ዓዶም ዘውጽኦም ጉዳይ ክሳብ ዝቕየርን ዝመሓየሽን ኣብተን ዝተዓቚቡለን ጐረባብቲ ሃገራት ስራሕን ትምህርትን እንተተፈጢሩሎም ረጊኦም ህይወቶም ክመርሑ ከምዝኽእሉ ይዛረብ።

“ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ብሰንኪ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ኵናት ሓድሕድ ረዳኢ ስኢኖም ኣዝዮም ተወጺዖም ጸኒሖም እዮም። ሕጂ ግን ኢትዮጵያውያን ብስምምዕ ፕሪቶርያ ጉዳዮም ብሰላም ከዳቕስዎ ተሰማሚዖም ስለዘለው፡ ንሕና እዞም ኣብ ስደት እንርከብ ኤርትራውያን ከኣ ዓቕምና ኣተሓባቢርና ነዞም ስደተኛታት ኣሕዋትና ክንድግፎምን ተስፋ ክንኰኖምን ይግባእ” ይብል።

እቶም ኣብ 60ታት ንሱዳን ዝኣተውን ነጻነት ኤርትራ ምስተረጋገጸ፡ “ሎሚ ጽባሕ ንዓድና ክንምለስ ኢና” ኢሎም ንዓዶም ክምለሱ ሃንቀው እናበሉ ካልእ ዙር ስደት ዝተደረቦም ሕጂ ናብ ሓውሲ ከተማታት ዝማዕበላ ናይ ቀደም መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ሕጂ'ውን እንተዀነ ንዓዶም ክምለሱ ከምዝደልዩ ጸብጸባት ዩኤንኤችሲኣር የረድኡ።

Category: ትግርኛ

ኣስመራ፣ ናይ ኢትዮጵያ ባጤራ ብር ሒዞም ዝኣተዉ ገያሾ ተኣሲሮም

ኣስመራ፣ ናይ ኢትዮጵያ ባጤራ ብር ሒዞም ዝኣተዉ ገያሾ ተኣሲሮምብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ ክልተ ኤርትራውያን፣ ኣስታት 10 ሽሕ ብር ሒዝኩም ጸኒሕኩም ብዝብል ተኣሲሮም።እቶም ኣብ ንግዲ ከምዝነጥፉ ዝተሓበሩ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 60ታት ዝርከቡ ክልተ ኤርትራውያን፣ ኣብ 16 ሕዳር ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ጉዳዮም ክሳብ ዝጻረ ኣብ ማይ ስርዋ ተኣሲሮም ከምዘለው መቕርብ ናይ ሓደ ካብኣቶም ንራድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሾም ዝቐነዩ ኣዴታት ዝርከብኦም ሓያሎ ሰባት፣ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተመልስሉ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተኣስሮም ከምዝተወስዱ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ፈነወና ምቅልሑ ይዝከር።

እቶም ሽዱሽተ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝተኣሰሩ ክጥቀስ እንከሎ፣ ብ09 ሕዳር ድማ ኣርባዕተ መንእሰያትን ሓንቲ ኣደን ብተመሳሳሊ፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ’ዩ ተመልኪቱ።

ዝተኣስርሉ ምኽንያት ግና ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም፣ ርክባት ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ተቓወምቲ፣ ምዝርጋሕ ካብ ኣስመራ ዝተወስደ ኣሳእል ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ፣ ምዝርጋሕ ኣብ ኤርትራ ዝተኸልከለ መዛሙር፡ ደርፍታትን ፊልምን፣ ምውህላል ናይ ወጻኢ ሸርፊን ካልእን የሰላስሉ ኣለዉ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ኤርትራውያን ምክትታል ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==================