ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳይ እንታይ ተዛሪቡ?
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ቀዳም 04 መጋቢት 2023፡ ንዘቤታዊ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ተሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ሳልሳይ ክፋል ቃለ መሕትት፡ ሓፈሻዊ ጥሙር ቁጠባዊ መደባት፡ ንልምዓት ማይ፣ ጸዓት፣ ትሕተ ቅርጽን ዕደናን ብዝምልከት ዛጊት እንታይ ከም ዝተዓመመ መብርሂ ሂቡ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ከምቲ ብዙሓት ኤርትራውያን ብዛዕባ ውሽጣዊ ኩነታት እታ ሃገር ብሃንቀውታ ዝተጸበይዎ ለውጥታት ኣብ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ይኹኑ ኣብ ፖለቲካዊ ንጹር ዝኾነ ውጥን ኣይሃበን።
ልምዓት ማይ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ማይ ብዝምልከት ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ክስረሓሉ ጸኒሑ'ዩ ኢሉ።
ይኹን እምበር ካብቲ እተወጠነ መደባት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 20% እውን ከም ዘይተሳለጠ ሓቢሩ።
እቶም ዓበይቲ ወሓይዝ ኤርትራ፡ ሩባታት ጋሽ ሰቲትን ዓንሰባን ገና ከምዘይተተንከፉ ኣብ ካልእ ዝተፈላለየ ቦታታት ግን ሓያሎ ሓጽብታት ከምእተሰርሑ ኣረዲኡ።
ንኣብነት ኣብ ከርከበት ሓጽቢ ተገይሩ ኣስታት 300 ሚልዮን ሜተር ኵዩብ ሜተር ማይ እኳ እንተተኣከበ፡ ክሳብ ሕጂ ከምቲ ዝተሓሰበ ኣብ መዓላ ኣይወዓለን ኢሉ።
ንዝመጽእ እዋን ብልዑል ናህሪ ክስርሓሉ ከም ዝግባእ፤ እተን ብዙሕ ሰብ ዝሰፍረለን ዘሎ ከም ከረን ባጽዕን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ገጠራት ዝርከብ ህዝቢ እውን ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ከምዝግባእ ሓቢሩ።
“ብዝሓየለ ናህርን ብዝቐልጠፈን ኣካይዳ መደባትና ከነተግብር ኣሎና” ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኤርትራ ኣብ ከተማታት ይኹኑ ኣብ ገጠራት ስእነት ማይ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ህዝቢ፡ ነተን ስሩዕ ግዜ ዘይብለን ቦጣት ንመዓልታት ክጽበ ይግደድ ከም ዘሎ ይዛረቡ።
ንጥፈታት መስኖ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሰባት ካብ ልምዳዊ ኣሰራርሓ ወጺኦም ብዘበናዊ ስርዓተ መስኖ ከልምዑ መታን ማያት ካብ ሓጽቢ ናብ ግራት ብጸዓት ጄኔረተራት ኣብ ክንዲ ዝዝርጋሕ ናብ በሪኽ ቦታታት ተጮንጒዑ ብስሕበት (ግራቪቲ) ናብ ግራውቲ ከምዝዕደል ንምግባር ይስራሕ ምህላው ገሊጹ።
ኣብ ዲጋታት ዝፈርዩ ዓሳታት እውን ንክስስኑ፡ ናይ ማይ ኩዖ ፍወሳ፣ ናይ ከትርን ዛላን፣ ናይ ምግራብን ስራሕ ንርግኣት ሓጽብታትን ዲጋታትን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ስርዓተ መስኖ ኣብ ዋዕን ዛሕልን፡ ምስ ምህፋፍ ማይን ካልእን ተኣሳሲሩ ዝረአ ነገር ስለዘሎ ምስኡ ዝኸይድ ቴክኖሎጂ ምእታው ከም ዘድሊ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ እቲ ብዝናብ ዝርከብ ምህርቲ ወቕታዊ ስለ ዝኾነ፡ ብስርዓተ መስኖ ግን ክልተ ሰለስተ ምህርቲ ከተፍሪ ስለ ዝከኣል ኣብቶም ድሮ ተሃኒጾም ዘለው ዓበይቲ ዲጋታት ንዘሎ ማይ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕል ክንሰርሕ ይግባእ ኢሉ።
“[ዛጊት] ኣብ ቅኑዕ መኣዝን ኣሎና፤ ቀዳምነታትና ኣይጠፍኣናን። ዘሎና ጸጋታት ኣጓሳጒስና ናይ ልምዓት መደባትና ከነተግብር ዘጸግመና የሎን። ግን እቲ ዝገበርናዮ ስለዘየዕግበና ብዝሓየለ ናህርን ጻዕርን ናይ ልምዓት መደባት ከነዳሉ ይግባእ” ኢሉ።
ጉዳይ ጸዓት
ማይን ጸዓትን ብዝግባእ ከይተማልአ ካልእ ናይ ልምዓት ጽላታት ክስጉሙ ከም ዘይክእሉ፡ ትሕተ ቕርጺ እውን ኣገዳሲ ብምዃኑ ኣብ ቀዳምነት ከ ምዝስራዕ ብምጥቃስ ረስንኣውን ንፋሳውን ጸዓት ክስርሓሎም ከምዝግባእ ገለጹ።
እንተኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ዓመት ዓመት ዝገብሮ ቃለ መሕትት፡ ንልምዓት ማይ ኮነ ንጸዓት ብዝምልከት፡ ከም መራሕ ሃገር ዘይኮነስ፡ ከም ማንም ወሃብ ርእይቶ “ ከምዚ ክግበር ኣለዎ፤ ከምዚ ክግበር ይግባእ” ብዝብል ሓረጋት፡ ወትሩ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ሸንኮለል ክብል ከምዝፍትን ነቲ ቃለ መሕትቱ ዝተኸታተሉ ሰባት ይገልጹ።
ሰማያዊ ቁጠባ ኣብ ገማግም ባሕርን ደሴታትን ኤርትራ
ንሰማያዊ ቁጠባ ብዝምልከት ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ባህግን ድሌትን ክውን ውጺኢቱን ዓቢ ጋግ ከምዘሎ ግን ከኣ “ኣብ ቃላትና ተስፋ ምቑራጽ ዝበሃል ስለዘየለ” ኣዝዩ ዘተሃላልኽ እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ኣብ ዓመት ካብ 80 ክሳብ 120 ሽሕ ቶን ዝኸውን ናይ ዓሳ ጸጋታት ከም ዘለዋ፡ እቶም 40% ዓይነታት ዓሳ ካብቶም ክብሪ ዘለዎ ዓሳታት እኳ እንተኾኑ ክሳብ ሕጂ ንዓመት ልዕሊ 10 ሽሕ ቶን ክግፈፍ ከምዘይተኻእለ ሓበሩ።
ኣብ ፈለማ እቲ ውጥን ክሕሰብ እንከሎ ኣብ ጢዖ፡ ዕድን ገልዓሎን ንገፈፍቲ ዓሳ ዝኸውን ናእሽቱ መርሳታት ክስራሕ ተፈቲኑ እኳ እንተነበረ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ከምቲ ዝተሓስበ ከምዘይሰለጠ ተዛሪቡ።
ጸጋታት ባሕሪ ኤርትራ፡ በቲ ዝድለ ዓቐን ክምዝመዝ እንተኾይኑ፡ ናይ ጸዓትን ማይን፣ ናይ መጓዓዝያ ትሕተ ቕርጺ፣ ናይ ገማግም ባሕሪ መገድታት፣ ናይ በረድ መመስርሒ ነቑጣታት፣ መመስርሒ ዓሳታት ፋብሪካታት፣ ናይ ጃላቡን መራኽብን መሳለጢ ከምዘድሊ እውን ኣረዲኡ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መደባት ልምዓት ባሕሪ ተበጋጊሱ እኳ እንተነበረ ብዝተፈለላየ ምኽንያት ከምዘይሰለጠ እኳ እንተገለጸ በቲ ዘጋጠመ ፍሽለት ኣየናይ ትካል ምምሕዳርን ከም ዝሕተት ኣየነጸረን።
እንተኾነ፡ ብዙሓት ትካላት ኤትርትራ ብሰንኪ ስእነት ባጀትን ክኢላታትን ከምኡ’ውን ሰናይ ምሕደራን ክዕጸዋ ተራእየን።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ሃብታም ናይ ጨው ሃብቲ ከምዘለዋ እንተኾነ እትረፍ ናብ ዓለማዊ ዕዳጋ ዝቐንዐ ወፍሪ ክሳብ ሕጂ ንዘቤታዊ ዕዳጋ ዘርዊ ዘዕግብ ፍርያት እውን ከምዘየሎ ሓቢሩ።
ዜጋታት ኤርትራ፡ ድሕሪ እተን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበረን ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ዘተኮራ ክልተ ክፋል ቃለ መሕትት፡ ኣብ ዝመጽእ መደባቱ፡ ኣብቲ ብኵናትን ኵናተ ኵናትን በዂሩን ተወንዚፉን ዝጸንሐ ዘቤታዊ ጉዳይ፡ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት ይዛረብ ይኸውን ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም ንቢቢሲ ምሕባሮም ይዝከር።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ቃለ መሕትቱ ፕሪዘደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ዝተወጠነ መደባት ልምዓት መኻልፍ ስለዘጋጠመ ከምቲ ዝተሓስበ ከምዘይሰለጠ ብምሕባር ሕጂ ግን “ ድኻማትና ጽቡቕ ገይርና ኣለሊና፤ ስለምንታይ ዝበሃግናዮ ዘይረኸብና፤ ንዝብል ሕቶታት መልሲ ተረኺቡሉ ስለዘሎ ነዚ ሰማያዊ ሃብትን ቁጠባን ክንሰርሓሉ…ኢና” ኢሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ መደባት ልምዓት ብኸምቲ ዝተሓስቦ ንምስላጥ ናይ ሰብ ዓቕምን ዘበናዊ መሺነርን ከምዘድሊ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ቃለ መሕትቲ እውን ኤርትራ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሕጽረት ከምዘጋጠማ ሓቢሩ ነይሩ።
ይኹን እምበር ብፍልሰት እቶም ካብ ሃገሮም ዝስደዱ ዘለው መንእሰያት ንምምሕዳር ኣመሪካ እዩ ክኸስስ ዝስማዕ።
እቶም ንስደት ዝነፈጹ መንእሰያት ግን ናይ ግዜ ገደብ ብዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብብልሹው ምሕደራን ከምዝተማረሩን እዮም ዝገልጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንዘቤታዊ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕትትን ዝህቦ ሓበሬታን፡ ነዞም ሎሚ እውን ዝተዛረበሎም ኣርእስታት ጸዓት፣ ልምዓት ማይ፣ ትሕተ ቕርጺ “ ክግበር ኣለዎ እንተዘይኮይኑ፡ ብጭቡጥ ኣሃዝን እስታስቲክን ክንድዚ ዝኣክል ተዓሚሙ ክንድዚ ዝኸውን ከኣ በዝን በዝን ምኽንያት ኣይተተግበረን ዝብል ንሰማዕትን ተዓዘብትን ዘእምንን ዘዕግብን ሓበሬታ ሂቡ ከምዘይፈልጥ እዮም ዜጋታታት ዝነቕፉዎ።
ማዕድናዊ ሃብቲ
ኤርትራ ከም ወርቅን ነሓስን፡ ሓጺንን ፖታሽን፡ ነዳድን ጋዝን፡ እምንን ላይምን፡ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ገዚፍ ማዕድናዊ ሃብቲ ከምዘለዋ፡ ናይ ማዕድናት እቶት ንኻልእ ቁጠባዊ ጽላት ስለ ዝምውል ኣገዳሲ እዩ።
እንተኾነ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ናይ ቢሻን ዛራን ወፍሪ ዕደና፡ ሃብታም ተመኩሮ እምበር ብዙሕ ረብሓ ከም ዘይተረኽቦ ብምሕባር፡ “ ማዕድናትና ባዕላትና ክንምስርሖም እንተዘይኪኢልና ብዙሕ ትርጉም የብሉን” አሉ።
“ ዕደና ዝበሃል ኣብዛ ሃገር ዝተማሃርናሉ እንተዘይኮይኑ፡ ብዙሕ ዝተጠቕምናሉ የሎን” ክብል ሳልሳይ ክፋል ቃለ መሕትቱ ኣጠናቒቑ።
ይኹን እምበር እቲ ዓመታዊ ባጀቱ ክንደይ ምዃኑ ንህዝቢ እውን ሓቢሩ ዘይፈልጥ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዛጊት ካብ ዕደና ወርቂ ክንደይ ኣታዊ ከምእተረኽበን ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝወዓለን ሓቢሩ ከምዘይፈልጥ ዜጋታት ይገልጹ።
ኩባንያ ዕደና ነቭሰን ኣብ 2015 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ዕደና ቢሻ ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ብምምዝጋብ፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ንግዳዊ ስርሓት ካብ ዝጅምር ንመንግስቲ ኤርትራ ልዕሊ 1.0 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ ኣቓሊሑ ነይሩ።
ፓስፖርት ኤርትራ ብድኽመቱ ምስ ሓሙሽተ ዳሕረዎት ተሰሪዑ
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ንእሽተይ ኤውሮጳዊት ሃገር ሉክሰምበርግ፡ ብ 115.50 ነጥቢ ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ 20 ጥራይ ዘዋህለለት ኣፍጋኒስታን ድማ እታ ዝደኸመ ፓስፖርት ዘለዋ ኮይና።
ብ 26.50 ነጥቢ ኣብ መበል 196 ዝተሰርዐት ኤርትራ፡ ፓስፖርታ ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ እዩ ከእቱ ዘኽእል።
ቅዋማዊ መሰል ክነሱ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዘውጽኦም ዝተፈላለዩ ኣዋጃት፣ ኤርትራውያን ፓስፖርት ናይ ምርካብ ዕድሎም ምህሙን ብምዃኑ፡ ብመንገዲ ስግረዶብ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኽሰግሩ፡ ዘይተኣደነ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ከጋጥሞም ጸኒሑ’ዩ።