ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ጓሉ ንምኒስተር ዜና ኤርትራ ነበር ዓሊ ዓብዱ ኮይና፡ ኣብ 2012 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ይዝከር።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓሳባትካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል፡ ኣብ ልዕሊ ናይ እምነትን ኣምልኾን ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ መሰላት ቀይድታት ኣምቢሩ ከምዘሎ ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክኸስዎ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብዚ እዋን ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ሰራዊት ኣይተሰለፍኩምን ንዝበሎም ንምህዳን፡ ገዛ ገዛ ብምእታው ዝግበር ተፍትሽ፣ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ምዕሻግ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረ ብዝሓየለ ኣገባብ ግፋታት ይካየድ ምህላው ይግለጽ።
መንግስቲ ኤርትራ ብዘይ መብርሂ ንሰለስተ ካቶሊካውያን ካህናት፡ ኣባ ኣብርሃም ሃብቶም ገብረማርያም፣ ኣቦይ ምሕረትኣብ እስጢፋኖስን ጳጳስ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስን ብ15 ጥቅምቲ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻ ክምለሱ ከለዉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ፡ ተሰዊሮም ይርከቡ።
ንምዃኑ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ መን'ያ?
ሲሃም ብ3 ሚያዝያ 1997 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ተወሊዳ። ይኹን እምበር ኣቦኣ ዓሊ ዓብዱ ኣሕመድ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝምራሕ መንግስቲ ብምኒስተርነት ይሰርሕ ስለዝነበረ ብሕጻና ናብ ኤርትራ ከደት። ኣብ 2012 ምኒስተር ዜና ዝነበረ ወላዲኣ ካብቲ ስርዓት ነብሱ ኣግሊሉ ናብ ኣውስትራልያ ተሰደ።
ወላዲኣ ነቲ ዘገልግሎ ዝነበረ ስርዓት ገዲፉ ምስ ሃደመ፡ ሲሃም ብ8 ታሕሳስ 2012 ድሕነታ ንከተውሕስ ናብ ሱዳን ክትሃድም ምስ ፈተነት እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።
እታ ጓል 15 እንከላ ዝተኣስረት ሲሃም ብዝኾነ ይኹን ገበን ኣይተኸሰትን። ካብታ ዝተኣስረትላ እዋን ንደሓር እውን ዳግም ኣይተራእየትን።
ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ዓሊ ዓብዱ ምስ ሃደመ ንወዲ 87 ዓመት ኣቦሓጎ ሲሃም ዓብዱ ኣሕመድን ንሓወቦኣ ሓሰን ዓብዱ ኣሕመድን እውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩዎም’ዩ።
ኣባሓጎኣ ኣቶ ዓብዱ ከኣ ኣብ ታሕሳስ 2017 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ ነዊሕ ኸይጸንሑ ዓሪፎም።
ዘመድ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ፡ ሲሃም ካብ እትእሰር ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘላ ወይ ካብ መንግስቲ ዝዀነ ይኹን ሓበሬታ ከምዘይረኸቡ፡ ንሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሮም።
ብዓለም -ለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሓደ እሱር ብሓይሊ ምስ ቀየድካዮ ዝርከበሉ ቦታን ሃለዋቱን ንስድራ ቤቱን ትካላት ፍትሕን ምስዘይትሕብር፡ ወይ እቲ ሰብ ኣበይ ከም ዝኣተወን ከም እተቐትለን ምስ ዘይፍለጥ “ግዱድ ምስዋር” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ተዋሳእቲ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ንሲሃም ድርብ ዜግነት ዝሃባ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣበይ ከም ዘላን ሃለዋታን ንምፍላጥ ቅልጡፍ ሓበሬታ ክሓትትን ብህይወት ከም ዘላ ከረጋግጹን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ንክትፍታሕ ክጽውዑን ከምዝግባእ ሂዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሩ ።
ምስዋር እሱራት ኣብ ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ሲሃም ዘኣመሰለ ተርእዮ ሓዲስ ኣይኰነን። ብዙሓት እሱራት ብዝተኣሰርዎ፡ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ዜጋታት ብዙሓት'ዮም።
እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ኣባላት ላዕለዋይ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝነበሩ፡ ኣዳለውቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ'ውን ተቓውሞኣዊ ዝንባለ ኣርኢኹም ብዚብል ክሲ ዝተኣስሩ ዜጋታት ውሑዳት ከምዘይኮኑ ኣምነስቲ ኢንተርናሺናል ዝርከቦም ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም።
ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ፣ ምእሳር፣ ምድስካል፣ ምንጻል፣ ምሽራብ ዜጋታት ዝውቱር'ዩ።
ኮሚሽን ምጽራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት (ኤርትራ) ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ሓቲትካ መልሲ ዘይርከበሉ፡ ኣቤት ዘይትብለሉ ክሳብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ ከቢድ ግህሰት ከምዝፍጸም ገሊጹ ነይሩ።