Category: ትግርኛ

ሄኖክ ሙሉብርሃን ዕዉት ሻሙናይ መድረኽን ብጫ ማልያን ዙር ርዋንዳ 2023 ኮይኑ

ሄኖክ ሙሉብርሃን ዕዉት ሻሙናይ መድረኽን ብጫ ማልያን ዙር ርዋንዳ 2023 ሎሚ ሰንበት ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ዘካየደ ዙር ርዋንዳ-2023 ብዓወት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርዲያኒ ሲኤስኤፍ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተዛዚሙ። ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ከምኡ ኸኣ 2023 ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ንብጫ ማልያ ኣብ ሳልሳይ መድረክ ቀዳማይ ብምውጻእ ለቢሱ’ኳ እንተነበረ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ብተቐዳዳማይ ጋንታ ቶታል ኢነርጂ ቶማስ ቦነት ተመንጢሉ ኔሩ።ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ግን ነቲ ምስ ቀዳማይ ዝነበሮ ናይ ግዜ ፍልልይ ብምሕዋይ ደጊሙ ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ ብብጫ ማልያ ወቒቡ’ዩ ወድድሩ ጀሚሩ።

ፍልልዩ ዓቒቡ ስለዝኣተወ ኸኣ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2023 ክኸውን ክኢሉ።

ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ካብ ዝሰጋገር ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዚኡ’ዩ ተኻይዱ፡ ካብቲ ሓሙሽተ ኸኣ እንሆ ሕጂ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተወሲኽዎም፡ እቲ ኣርባዕተ ብዓወት ኤርትራውያን ተዛዚሙ።

ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝጻወት ዝነበረ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ 2022’ውን ናትናኤል ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ደጊሙ ተዓዊትሉ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ሎሚ ታሪኹ ኣብዚ ሰነድ ኣንቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ጸወታ ካብ ቀዳመይቲ ኪሎሜተር'ዩ ብናህሪ ጀሚሩ።

ተደጋጋሚ ናይ ሙምላቕ ፈተነ'ኳ እንተነበረ መብዛሕትኡ ግዜ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝወዳደረላ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ንኹሉ መጥቓዕትታት ከተምክኖ ትፍትን ነይራ።

ኣብ መበል 6.6 ኪሜ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐብ ነጥቢ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋየነ ራብዓይ ኣትዩ።

ኣብ መበል 10 ኪሜ ኲክ ስቴፕ መጥቃዕቲ ብምፍናው ክፍለዩ'ኳ እንተፈተኑ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን በይናኣዊ ተበግሶ ብምውሳድ ናብ ቅድሚት ብምውጻእ ነታ ጉጅለ ኣርከባ።

ቶታል ኢነርጂ'ውን ካልእ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ግምት ብጫ ማልያ መን ወሰደ ንምግማቱ ዘጸግም ገበርዎ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ መራሒት ስለዝነበረ ሓደ ኣንጻር ብዙሓት ክጠማጠም ጀመረ።

ሄኖክ ዘለዋ መራሒት ጉጀለ ካብ ዓባይ ጉጅለ 10 ካልኢት ፍልልይ ኣንጺፋ ጉዕዞኣ ትቕጽል ኔራ።

እታ 13 ተቐዳደምቲ ሒዛ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ጉጅለ ኣብ ክልተ ተገሚዓ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሕጂ’ውን ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ንቅድሚት ወጺኡ።

ኣብ መበል 26 ኪሜ ካልኣይቲ ጉጅለ ዳግማይ ብምጥቓዕ ንመራሒት ጉጅለ ኣርከብዋ።

ኣክሊሉ ኣረፍይነን ዳዊት የማነን ካብ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ብምውጻእ ናብ መራሒት ጉጅለ ኣርከቡ፡ ቁጽሪ ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ተቐዳደምቲ ናብ 15 ክብ ኣበልዎ፡ ፍልልይ ከኣ ናብ 45 ካልኢት ክብ በለ።

ኣብ መበል 29 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ፡ ፕሪትዘንን ኣኽሊሉን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣትዮም።

ዳዊት የማነ ከጥቕዕ'ኳ እንተፈተነ ዝተረፉ ተጻወትቲ ዕድል ኣይሃብዎን ኣርኪቦሞ፡ ኣብ መበል 38 ኪሎሜተር ከኣ 14ቲኦም ኣብ ሓደ ተጠርነፉ፡ ፍልልዮም'ውን ናብ 1 ደቂቕን 30 ካልኢትን ኣግፍሕዎ።

ዳዊት የማነ ኣብ መበል 39 ኪሜ ቀዳማይ ኣትዩ።

ጸወታ 45 ኪሜ ምስ ተለዓሎ መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ናብ 1 ደቒቕን 40 ካልኢትን ክብ ኢሉ።

ኣብ መበል 51 ኪሜ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መይን ኬንት ክዕወተላ እንከሎ፡ ሄኖክን ዳዊትን ካልኣይም ሳልሳይን ኣትዮም።

ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ይተርፎ፡ ኣብ ቅድሚት ርሱን ቅቅድም ይካየድ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ሻዱሸይት ዓቐበት ቀዳማይ ኣትዩ።

ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለዉ ኩሎም ብሓባር ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኮይኖም ንሓድሕዶም ኣብ ምትሕልላው ተጸምዱ።

ጸወታ ክዛዘም 8 ኪሎሜትር ይተርፎ።

መን'ዩ ብጫ ማልያ ክውንና ልቢ ዘንጠልጥል ጸወታ።

ብጫ ማልያ ጸወታ ናብታ መዛዘሚት መስመር እተብጽሕ ተራር ዓቐበት'ዩ ወሳዲኣ ከተፍልጥ።

3 ኪሎሜትር ምስ ተረፎም ዳዊት የማነ ንበይኑ ብምህዳም ፍልልዩ ክሳብ 10 ካልኢት ኣግፊሕዎ፡ ብጫ ማልያ ክወስድ እንተኾይኑ ግን ብውሑዱ ብ54 ካልኢት ቀዲሙ ክኣቱ ኣለዎ።

ድሕሪኡ ዘላ ጉጅለ ኣብ ምህዳኑ ተረባረበት።

ፕረዚደንት ፖል ካጋመ መን'ዩ ዕዉት እዚ ዕለት ንምርኣይ ካብ መንበሩ ሓፍ ኢሉ እናተጸበየ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ዕዉት እዚ መድረኽን ወናኒ ብጫ ማልያን ኮይኑ።

ዙር ርዋንዳ-2023ን ሄኖክን

ቅድሚ እዚ ውድድር ብማዕከናት ዜና ሓደ ካብቶም ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ’ዩ።

ኣብ ቀዳማይ መድረኽ እዚ ውድድር ኸኣ ንተቐዳዳማይ ኲክ ስቴፕ ኢታን ቬርኖን፡ ከምኡ ኸኣ ንተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ኢሚልየን ጀንየር ተኸቲሉ ሳልሳይ ብምእታው፡ ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ፡ ካብ ኣፍሪቃውያን ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ድማ ኮነ።

ኣብ ካልኣይ መድረኽ’ውን ብተመሳሳሊ ንኢታን ቤርኖን ተኸቲሉ ካልኣይ ብምእታው ኣብ ብጫ ማልያ ናብ ካልኣይ ደረጃ ክብ በለ።

ሄኖክ በዚ ኣየብቐዐን፡ ኣብታ ካብ ከተማ ሁየ ናብ ከተማ ሙሳንዘ ትዝርጋሕ ዝነበረት ዝነወሐት መድረኽ እዚ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ናይ ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ከመዝግብ ክኣለ፡ ብጫ ማልያ’ውን ካብ ኢታን ቬርኖን ተረከበ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ዕውት እቲ መድረኽ 31 ካልኢት ድሒሩ መበል ሓሙሻይ ብምእታዉ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ብ20 ካልኢት ድሒሩ ናብ ካልኣይ ወረደ።

ንሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካሉም ኦርሚስቶን ክዕወተሉ እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዛ መድረኽ እዚኢ 19 ካልኢት ድሒሩ መበል 16 ኮይኑ’ዩ ኣትዩ።

ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ካብ ተቐዳዳማይ ኵክ ስቴፕ ጁንየር ዊልያም ለሰርፍ ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መበል 10 ደረጃ ተቐመጠ።

ኣብ ሻዱሻይ መደረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ቀዳማይ ብ14 ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ ዝኣተወ ሄኖክ ኣብ ብጫ ማልያ እታ ዝነበረቶ 13 ካልኢት ፍልልይ ብምዕቓብ ደረጅኡ ናብ 9 ኣበረኸ።

ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ እታ ዝተረረ ዓቐበት ዝነበራ መድረኽ ኮይና፡ ኣብ ብጫ ማልያ ብዙሕ ለውጥታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ’ዩ ግምት ተዋሂቡ ነይሩ።

ኣብዛ መድረኽ ኣብ ብጫ ማልያ ግዜ ዘይነበሮም 20 ዝኾኑ ተቐዳዳደምቲ ናይ ዝተፈላለያ ጋንታታት ሃዲሞም ክሳዕ መወዳእታ ስለዝመከቱ፡ እቶም ኣብ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተቐዳዳምቲ ርሕቐቶም ሓልዮም’ዮም ዝኽተልዎም ነይሮም።

ሄኖክ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ነታ መራሒት ጉጅል ተኸቲሉ ነቶም ኣብ ብጫ ማልያ ዝወዳደርዎ ዝነበሩ ኣብ ዓቐበት ራሕሪሕዎም መበል 17 ብምእታው ብጫ ማልያ ክርከብ ክኢሉ።

ሎሚ ስለዝዓቐባ ከኣ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2023 ኮይኑ።

ኣብ 1999 ዝተወለደ ሄኖክ ሙሉብርሃን 1.76 ሜትሮ ቁመትን 60 ኪሎ ግራም ክብደትን ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።

ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ዝዓበየ ሄኖክ ኣብ 2020’ዩ ከም ፕሮፈሽናል ምስ ኤንቲቲ ጸወታ ጀሚሩ።

ኣብ 2021 ኸኣ ናብ ጋንታ ኵቤካ ተሰጋጎሩ ፡ ክሳብ ወርሒ ሰለስተ ናይ 2022 ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ድሕሪ ምጽዋት ኸኣ 21 ሚያዝያ 2022 ምስ ፕሮ ቲም ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ሲኤስኤፍ ኮይኑ ይጻወት ኣሎ።

Category: ትግርኛ

ኤርትራ: ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣመልኪቱ ንዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ተቓዊማ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣመልኪቱ ንዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኤርትራ ተቓዊማቶ።ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ 23 ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝቐረበ ሓሳብ፡ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘካየደቶ ወራር ንምኹናን እዩ ኔሩ።በዚ ድማ ሃገራት፡ ግጭት ዩክሬይን ክቐውምን ወተሃደራት ሩስያ ካብ ዩክሬይን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክወጹን ድምጸን ከስምዓ ተሓቲተን።

ነቲ ውሳነ 141 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ 32 ሃገራት ድምጸ ተዓቅቦ ጌረን።

ካብ ብሙልአን ሃገራት ዓለም ነቲ ውሳነ ዝተቓወማ 2ተ ሃገራት ጥራይ ክኾና እንከለዋ፡ ኤርትራ ኣብዚ ተርታ ተመዲባ ምስ ሶርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ማሊ፡ ኒኮራጓ፡ ቤላሩስን ሩስያን ብምዃን እያ፡ ንምዝዛም እቲ ግጭት ተቓውሞኣ ገሊጻ።

እዚ ዝቐረበ ናይ ውሳነ ሓሳብ፡ ሕጋዊ ቀያድነት እኳ እንተዘይብሉ፡ ዓብዩ ፖለቲካዊ ትርጉም ዝወሃቦ ምዃኑ ግን ዝተፈላለዩ ተንተንቲ የረድኡ።
ኤርትራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን፡ ምስ ሰሜን ኮርያ፡ ሩስያ፡ ሶርያን ቤላሩስን ብምዃን፡ ንሩስያ ጎረቤታ ካብ ምውራር ንኽትቁጠብ ዝጸውዐ እማመ ኣይፋል ኣድሚጻትሉ ኔራ።

Category: ትግርኛ

ኤርትራ ኣንጻር ሩስያ ንዝቐረበ እማመ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ

ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንምኹናን ዝቐረበ እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ድጋፍ ከሕልፎ እንከሎ፡ ኤርትራን ማሊን ተቓዊመን።ንኢትዮጵያ እትርከበን ዓሰርተ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ድምጸ ተዓቅቦ መሪጸን።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን ኤርትራ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣንጻር ሩስያ ዝቐረበ እማመ ተቓዊመን ምንባረን ይዝከር።እቲ እማመ፡ ሩስያ ወተሃደራታ ካብ ዩክረይን ክትስሕብን ውግእ ደው ክብልን ዝጽውዕ እዩ።እቲ ስጉምቲ ብሕጋዊ መገዲ ቀያዲ ኣይኰነን'ኳ እንተተባህለ ፖለቲካዊ ርዝነት ከምዘለዎ ይግለጽ።

ኲናት ዩክረይን ካብ ዝጅመር ሎሚ ሓደ ዓመት መሊኡዎ ኣሎ። ፕሬዝደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብዚ ዓመት ንክንዕወት ኩሉ ክንገብር ኢና” ኢሉ።ብተወሳኺ ንሰራዊት ሃገሩን ሓካይምን ሓዊሱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት ንዝሓገዝኣ ሃገራት ወጻኢ ኣመስጊኑ።

"ንኹሉ ስግኣታት፣ ደብዳብ ቦምባን ሚሳይልን፣ ድሮናት ካሚካዝ፣ ምጥፋእን (ማሕበራዊ ኣገልግሎታት) ዛሕልን ክንጻወሮ ኢና። ካብኡ ንላዕሊ ተረርቲ ኢና" ኢሉ። 

ትማሊ ሓሙስ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ እቲ ውድብ፡ ወራር ሩስያ ‘ሓባራዊ ሕልና ዓለም ዘጸልምት’ ክብል ኰኒንዎ።

ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ፡ ‘ሩስያ ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክትወጽእ’ ዝጠልብ ብዩክረይንን መሻርኽታን ዝድገፍ እማመ እንትዝትዩ፡ ዩክሬን ነቲ እማመ ብምድጋፍ ሃገራት ምትሕግጋዝ ከርእዩ ተስፋ ገይራ ነይራ።

ሩስያ ብወገና፡ ምዕራባውያን ሃገራት ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ንሩስያ ክስዕራ ይደልያ ክብል ከሲሱ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ካብ 141 ሃገራት እተን 32 ድምጸ ተዓቅቦ ዝመረጻ ኰይነን፡ ኤርትራ እትርከበን ሸውዓተ ሃገራት ድማ ነቲ ረቂቕ ተቓዊመን ድምጸን ኣስሚዐን።

ዳርጋ ፍርቂ ካብተን ድምጸ ተኣቅቦ ዘስመዓ ሃገራት ካብ ኣፍሪቃ እየን።

እዚአን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣልጀርያ፣ ኣንጎላ፣ ብሩንዲ፣ ናሚብያ፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ኮንጎ-ብራዛቪል፣ ጋቦን፣ ጊኒ፣ ሞዛምቢክ፣ ሱዳን፣ ቶጎ፣ ኡጋንዳን ዚምባብወን እየን።

ሰኔጋል፣ ቡርኪናፋሶ፣ ካሜሩን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ኤስዋቲኒን ጊኒ-ቢሳውን ኣብቲ ድምጺ ምሃብ ኣይተሳተፋን።

ናይጀርያ፣ ኣይቮሪ ኮስት፣ ግብጺ፣ ጋናን ኬንያን፡ ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝደገፋ ሃገራት ኣፍሪቃ እየን።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ነቲ ንሱ “ሓያል ምልክት ዓለማዊ ደገፍ” ኢሉ ዝገለጾ ውሳነ ብሓጎስ ተቐቢልዎ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ሩስያን ዩክረይንን ነፍሲ ወከፈን ብውሕዱ 100 ሽሕ ወተሃደራተን ሞይቶምን ቆሲሎምን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስደተኛታት ኰይኖም ወይ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ተመዛቢሎም ይርከቡ።