ፍልልዩ ዓቒቡ ስለዝኣተወ ኸኣ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2023 ክኸውን ክኢሉ።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ናብ 2.1 ካብ ዝሰጋገር ሎሚ ዓመት ንሓሙሻይ ግዚኡ’ዩ ተኻይዱ፡ ካብቲ ሓሙሽተ ኸኣ እንሆ ሕጂ ሄኖክ ሙሉብርሃን ተወሲኽዎም፡ እቲ ኣርባዕተ ብዓወት ኤርትራውያን ተዛዚሙ።
ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝጻወት ዝነበረ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ 2022’ውን ናትናኤል ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኣንድሮኒ ጅያካቶሊ ብምዃን ደጊሙ ተዓዊትሉ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ሎሚ ታሪኹ ኣብዚ ሰነድ ኣንቢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ጸወታ ካብ ቀዳመይቲ ኪሎሜተር'ዩ ብናህሪ ጀሚሩ።
ተደጋጋሚ ናይ ሙምላቕ ፈተነ'ኳ እንተነበረ መብዛሕትኡ ግዜ ሄኖክ ሙሉብርሃን ዝወዳደረላ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ንኹሉ መጥቓዕትታት ከተምክኖ ትፍትን ነይራ።
ኣብ መበል 6.6 ኪሜ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐብ ነጥቢ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋየነ ራብዓይ ኣትዩ።
ኣብ መበል 10 ኪሜ ኲክ ስቴፕ መጥቃዕቲ ብምፍናው ክፍለዩ'ኳ እንተፈተኑ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን በይናኣዊ ተበግሶ ብምውሳድ ናብ ቅድሚት ብምውጻእ ነታ ጉጅለ ኣርከባ።
ቶታል ኢነርጂ'ውን ካልእ መጥቃዕቲ ብምውሳድ፡ ግምት ብጫ ማልያ መን ወሰደ ንምግማቱ ዘጸግም ገበርዎ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ምስ መራሒት ስለዝነበረ ሓደ ኣንጻር ብዙሓት ክጠማጠም ጀመረ።
ሄኖክ ዘለዋ መራሒት ጉጀለ ካብ ዓባይ ጉጅለ 10 ካልኢት ፍልልይ ኣንጺፋ ጉዕዞኣ ትቕጽል ኔራ።
እታ 13 ተቐዳደምቲ ሒዛ ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ጉጅለ ኣብ ክልተ ተገሚዓ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ሕጂ’ውን ምስ ቀዳመይቲ ጉጅለ ንቅድሚት ወጺኡ።
ኣብ መበል 26 ኪሜ ካልኣይቲ ጉጅለ ዳግማይ ብምጥቓዕ ንመራሒት ጉጅለ ኣርከብዋ።
ኣክሊሉ ኣረፍይነን ዳዊት የማነን ካብ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ብምውጻእ ናብ መራሒት ጉጅለ ኣርከቡ፡ ቁጽሪ ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ተቐዳደምቲ ናብ 15 ክብ ኣበልዎ፡ ፍልልይ ከኣ ናብ 45 ካልኢት ክብ በለ።
ኣብ መበል 29 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ፡ ፕሪትዘንን ኣኽሊሉን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ኣትዮም።
ዳዊት የማነ ከጥቕዕ'ኳ እንተፈተነ ዝተረፉ ተጻወትቲ ዕድል ኣይሃብዎን ኣርኪቦሞ፡ ኣብ መበል 38 ኪሎሜተር ከኣ 14ቲኦም ኣብ ሓደ ተጠርነፉ፡ ፍልልዮም'ውን ናብ 1 ደቂቕን 30 ካልኢትን ኣግፍሕዎ።
ዳዊት የማነ ኣብ መበል 39 ኪሜ ቀዳማይ ኣትዩ።
ጸወታ 45 ኪሜ ምስ ተለዓሎ መራሒት ጉጅለ ፍልልያ ናብ 1 ደቒቕን 40 ካልኢትን ክብ ኢሉ።
ኣብ መበል 51 ኪሜ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ቮላታ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መይን ኬንት ክዕወተላ እንከሎ፡ ሄኖክን ዳዊትን ካልኣይም ሳልሳይን ኣትዮም።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ይተርፎ፡ ኣብ ቅድሚት ርሱን ቅቅድም ይካየድ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ሻዱሸይት ዓቐበት ቀዳማይ ኣትዩ።
ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘለዉ ኩሎም ብሓባር ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኮይኖም ንሓድሕዶም ኣብ ምትሕልላው ተጸምዱ።
ጸወታ ክዛዘም 8 ኪሎሜትር ይተርፎ።
መን'ዩ ብጫ ማልያ ክውንና ልቢ ዘንጠልጥል ጸወታ።
ብጫ ማልያ ጸወታ ናብታ መዛዘሚት መስመር እተብጽሕ ተራር ዓቐበት'ዩ ወሳዲኣ ከተፍልጥ።
3 ኪሎሜትር ምስ ተረፎም ዳዊት የማነ ንበይኑ ብምህዳም ፍልልዩ ክሳብ 10 ካልኢት ኣግፊሕዎ፡ ብጫ ማልያ ክወስድ እንተኾይኑ ግን ብውሑዱ ብ54 ካልኢት ቀዲሙ ክኣቱ ኣለዎ።
ድሕሪኡ ዘላ ጉጅለ ኣብ ምህዳኑ ተረባረበት።
ፕረዚደንት ፖል ካጋመ መን'ዩ ዕዉት እዚ ዕለት ንምርኣይ ካብ መንበሩ ሓፍ ኢሉ እናተጸበየ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ዕዉት እዚ መድረኽን ወናኒ ብጫ ማልያን ኮይኑ።
ዙር ርዋንዳ-2023ን ሄኖክን
ቅድሚ እዚ ውድድር ብማዕከናት ዜና ሓደ ካብቶም ነዚ ውድድር ክዕወቱሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ’ዩ።
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ እዚ ውድድር ኸኣ ንተቐዳዳማይ ኲክ ስቴፕ ኢታን ቬርኖን፡ ከምኡ ኸኣ ንተቐዳዳማይ ቶታል ኢነርጂ ኢሚልየን ጀንየር ተኸቲሉ ሳልሳይ ብምእታው፡ ኣብ ብጫ ማልያ ሳልሳይ፡ ካብ ኣፍሪቃውያን ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ድማ ኮነ።
ኣብ ካልኣይ መድረኽ’ውን ብተመሳሳሊ ንኢታን ቤርኖን ተኸቲሉ ካልኣይ ብምእታው ኣብ ብጫ ማልያ ናብ ካልኣይ ደረጃ ክብ በለ።
ሄኖክ በዚ ኣየብቐዐን፡ ኣብታ ካብ ከተማ ሁየ ናብ ከተማ ሙሳንዘ ትዝርጋሕ ዝነበረት ዝነወሐት መድረኽ እዚ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ናይ ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ከመዝግብ ክኣለ፡ ብጫ ማልያ’ውን ካብ ኢታን ቬርኖን ተረከበ።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ዕውት እቲ መድረኽ 31 ካልኢት ድሒሩ መበል ሓሙሻይ ብምእታዉ፡ ኣብ ብጫ ማልያ ብ20 ካልኢት ድሒሩ ናብ ካልኣይ ወረደ።
ንሓሙሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ካሉም ኦርሚስቶን ክዕወተሉ እንከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዛ መድረኽ እዚኢ 19 ካልኢት ድሒሩ መበል 16 ኮይኑ’ዩ ኣትዩ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ካብ ተቐዳዳማይ ኵክ ስቴፕ ጁንየር ዊልያም ለሰርፍ ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መበል 10 ደረጃ ተቐመጠ።
ኣብ ሻዱሻይ መደረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ቀዳማይ ብ14 ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ ዝኣተወ ሄኖክ ኣብ ብጫ ማልያ እታ ዝነበረቶ 13 ካልኢት ፍልልይ ብምዕቓብ ደረጅኡ ናብ 9 ኣበረኸ።
ሻብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ እታ ዝተረረ ዓቐበት ዝነበራ መድረኽ ኮይና፡ ኣብ ብጫ ማልያ ብዙሕ ለውጥታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣቐዲሙ’ዩ ግምት ተዋሂቡ ነይሩ።
ኣብዛ መድረኽ ኣብ ብጫ ማልያ ግዜ ዘይነበሮም 20 ዝኾኑ ተቐዳዳደምቲ ናይ ዝተፈላለያ ጋንታታት ሃዲሞም ክሳዕ መወዳእታ ስለዝመከቱ፡ እቶም ኣብ ዳሕረወይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ተቐዳዳምቲ ርሕቐቶም ሓልዮም’ዮም ዝኽተልዎም ነይሮም።
ሄኖክ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ነታ መራሒት ጉጅል ተኸቲሉ ነቶም ኣብ ብጫ ማልያ ዝወዳደርዎ ዝነበሩ ኣብ ዓቐበት ራሕሪሕዎም መበል 17 ብምእታው ብጫ ማልያ ክርከብ ክኢሉ።
ሎሚ ስለዝዓቐባ ከኣ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2023 ኮይኑ።
ኣብ 1999 ዝተወለደ ሄኖክ ሙሉብርሃን 1.76 ሜትሮ ቁመትን 60 ኪሎ ግራም ክብደትን ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ።
ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ዝዓበየ ሄኖክ ኣብ 2020’ዩ ከም ፕሮፈሽናል ምስ ኤንቲቲ ጸወታ ጀሚሩ።
ኣብ 2021 ኸኣ ናብ ጋንታ ኵቤካ ተሰጋጎሩ ፡ ክሳብ ወርሒ ሰለስተ ናይ 2022 ምስ ጋንታ ባይክ አይድ ድሕሪ ምጽዋት ኸኣ 21 ሚያዝያ 2022 ምስ ፕሮ ቲም ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ሲኤስኤፍ ኮይኑ ይጻወት ኣሎ።