ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ትሕተ ቕርጺ መጓዓዝያ ምድሪ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ካብ ዝነበሮ ኣዝዩ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽርን ዝርግሐን ከምዝሰፍሐ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ቃለ መሕትት ዘካየዱ ሰብ መዚ ይገልጹ።ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት 10 ዓመታት ነጻነት፡ ብዙሓት ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ረኺበን ዘይፈልጣ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝርከባ ገጠራት ከይተረፈ ብሓገዝ መንግስትን ተሳትፎ ህዝብን መገዲ ተጸሪጉለን ኣብ ጥቐአን ምስ ዝርከባ ከተማታት ተራኺበን እየን።
ይኹን እምበር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳድን መቀያየሪ ኣቕሑን ሓያሎ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ኮነ ሚኒባሳት ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝጸንሓ ወነንቲ ተሽከርከርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ከማርሩ ይስምዑ።
ብፍላይ ግን ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ድሕሪ ዝልቀት ዕጽዋን ውሸባን ኮቪድ፡ ናይ ብሕቲ ኣውቶቡሳት ጌና ንኸይንቀሳቐሳ ተኸልኪለን ስለዝርከባ፡ ወነንቲ እተን ተሽከርከርቲ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቶም ጸገማቶም ንቢቢሲ ዘካፈሉ ወነንቲ ተሸከርከርቲ ንድሕነቶም ኣሽማቶም ክዕቀበሎም ስለዝሓተቱ ኣብዚ ዛንታ እዚ ስሞም ተቐይሩ ኣሎ።
ኣብ 2020 ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ ዕጽዋ ምስ ተኣወጀ፡ ብምሉአን ህዝቢ ዘመላልሳ ኣውቶቡሳትን ታክስን ከይተረፋ ብፍላይ እተን ናይ ብሕቲ ኣኣብ ዝነበረኦ እየን ካብ ስራሕ ደው ኢለን።
እቲ ኣዋጅ ሃንደበታውን ዘየላቡን ስለዝነበረ ቅድሚ ዝኣገረ ጥዕና ስለዝኾነ ከኣ ኣቶ ዑቕቡ እውን ከም ሰቦም 'ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት' ኢሎም ተቐቢሎሞ።
እንተኾነ ለበዳ ኮቪድ ሃዲኡ ዕጽዋ’ውን ምስ ፈኾሰ እተን ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ናብ ንቡር ስራሕ ክምለሳ ስለዘይተፈቕደ፡ ክሳብ ሕጂ ዳርጋ ንሰለስተ ዓመት ደው ስለዝበላ ኣኣብ ዝነበረኦ ብደሮናን ማይን ጸሓይን ናብ እርጋን ከምዝቐረባ ይዛረቡ ኣቶ ዑቕቡ።
ተመሳሳሊ ጸገም ዘጋጠሞ ኣቶ ሃይለ እውን፡ ዋላ እውን ጥዕና መኪና ንምሕላው ባትሪ ከይመውትን ሞተረ ከይምርትን ካብታ ደው ዝበለኦ ኣብታ ኸባቢ ከተንቀሳቕሰን ስለዘይተፈቕደ እቲ ንብረት ህዝቢ ንብረት ሃገር እውን ስለዝኾነ መንግስቲ ፍታሕ ክገብርን ክሕግዘናን ይግባእ ይብል።
እቶም ኣውቶቡሶም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ኮፍ ዝበለት ኣቦ፡
“ግደ ሓቒ ቅድሚ ኮቪድ’ውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ከም ድላይና ንሰርሕ ኣይነበረናን። መንግስቲ ብኩቦን ነዳዲ ይህበና፡ በታ ዝሰልዓልና ታሪፍ ከኣ ንተጓዓዝቲ ነኽፍልን ነገልግልን ነይርና። ዋላ እውን ወጻኢታትና ምስ ሸፈንና እተን እንረኽበን ንኣስቤዛ’ውን ዝኣኽላ እንተዘይነበራ እቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ናብራ ለሚድናዮ ኔርና። ናይ ሕጂ ግን ኣይግድን” ይብሉ።
እቶም ወነንቲ ተሽከርከርቲ ብደገ ደጊኦም ነዳዲ ብኽቡር ገዚኦም ንተሳፈርቲ ዋጋ ወሲኾም ምስ ዘኽፍሉዎም ከኣ ኣብ ወርሒ ዘየእትውዎ መቕጻዕቲ ከምዝወርዶም ይዛረቡ።
ኣቶ ሃይለ ብወገኑ፡ “ንኹሉ ኣገልግሎት ህዝቢ ዝህብ ወናኒ ናይ ብሕቲ ተሽከርከርቲ ኣይጠዓመናን። ክሳብ ሕጂ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሓይሽ እዩ እናበልና ተጸቢናን ተጸሚምናን ሕጂ ግን መካይንና ብኾፈን መሪተን ርኢና ንስእነን ኣሎና” ይብል።
ኣቶ ዑቕበ እውን ነታ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ደው ኢላ ዘላ ኣውቶቡሱ ኣብቲ ፈለማ ሞተረ ንኸይበላሾ ኢሉ ኣብታ ዘላታ የተንስኣ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ዝሓለፈ ክረምቲ ጀሚራ ግን "ሞተረኣ ከይተረፈ ስለዝመረተት" ዳግማይ ክትትስኣሉ ናብ ዘይትክእል ደረጃ ከምዝበጸሐት ብጓህን ምረትን ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን እተን ካብን ናብን ከተማታት ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ፡ እተን ብኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ዝውነና ኣውቶቡሳት’የን። እንተኾነ እተን ናይቲ ኩባንያ ኣውቶቡሳት ምስ ብዝሒ ተጓዓዚ ህዝቢ ስለዘይመጣጠና ሰብ ንነዊሕ ሰዓታት ሪጋ ሒዙ ቀንፈዘው ክብል ይግደድ ከምዘሎ ተገልገልቲ የማርሩ።
ስድራኣ ኣብ ባጽዕ ዝቕመጡ፡ ኣብ ኣስመራ እትነብር ኣስመረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ንንግደት ኣስተርእዮ ናብ ባጽዕ ንኽተከይድ ዝነበረ ሪጋ ዘሰምብድ ምንባሩ ትገልጽ።
“ሰብ ብድሮ እዩ ኣብቲ እንዳ ኣውቶቡስ ሪጋ ሒዙ ሓዲሩ። ኣነ ከኣ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ንግሆ ናብቲ ቦታ ብኩንትራት ታክሲ በጺሐ። እንተኾነ ክሳብ ሰዓት ሸሞንተ ዝተበገሰት ኣውቶቡስ ኣይነበረትን። ናብቲ ምውፋር ከይድና ምስ ሓተትና ከኣ እተን ካብ ባጽዕ ዝመጽኣ ዘለዋ እየን ክወስዳኹም ኢሎሙና” ትብል።
ኣስመረት፡ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጸብያ ምስላጥ ምስ ኣበያ ከኣ፡ ራብዓይ ርእሳ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ሚኢቲ ከፊሎም ብንእሽተይ ናይ ገዛ መኪና ምሸት ሰዓት ሸሞንተ ናብ ስድራኣ ንባጽዕ ከምዝበጽሐት ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኣብ መልሳ ከኣ ንሽዱሽተ ሰዓታት ተጸብያ ብኣውቶቡስ ሓራት ናብ ኣስመራ ከምዝተመለሰት ኣካፊላትና።
ኣስመረት “እተን ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ክሰርሓ እንከለዋ ዋላ እውን ካብተን ናይ ሓራት ቅሩብ ክብር ዝብላ እንተኾና ኣማሪጽና ስለእንስቀል ግዜና ንቑጥብ ነይርና” ብምባል ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ደው ብምባልን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዓቢ ሃጓፍ ከምዝተፈጠረ ትሕብር።
ካልእ ነባሪት ከተማ ከረን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓመድን ደሮናን ዝመልኦ መዕረፊ ኣውቶቡስ ከረን ናብ ኣስመራ መጓዓዝያ ክትረክብ ካብ ንግሆ ክሳብ ምሸት ተጸቢያ። እቲ ኩነታት ሰፊሕን ህዝቢ ብሓቂ በዚ ቅልውላው ይሳቐ ከምዘሎን፡ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ እንታይ ይገብር ከምዘሎን ክርደኣ ከም ዘይከኣለን ትዛረብ።
‘’ብሰንኪ ስእነት መጓዓዝያ ክንሰርሕ ኣይከኣልናን። ክሳብ መዓስ ሪጋ ክንገብር፡ ፍታሕ ዘይርከቦ ጉዳይ ኮይኑና። ናብ ኣስመራ ክትጎዓዝ ሪጋ፡ ሓጋዝ ክተወርድ ሪጋን ጉያን። እቲ መንግስቲ ጸገም ህዝቢ ዘይፈትሕ እንታይ እዩ እቲ ጸገሙ ሕጅስ ምርዳእ ኣቢዩና’’ ትብል።
ወናኒ ኣውቶቡስ ኣቶ ዑቕበ ብወገኑ “እዘን መካይን እዚኣን ሰሪሕና ደቅና ከነዕብየለንን ከነምህረለንን ኢልና ጨቖቕ ኢልና ዘጥረናየን’የን። ሕጂ ግን ኣድግስ ካብ ሙማታ ምጉታታ ኮይኑና፡ ዓነውነው ኢለን እናኽንርእየን ብጓሂ ንኹምተር ኣለና” ይብል።
ኣብዚ እዋን ታክሲ ተኻርዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ዑቕበ “ዘጥረኽዋ ኣውቶቡስ ተደርብያ ናይ ሰብ ታክሲ ተኻርየ ይሰርሕ ኣለኹ” ብምባል ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ንኸይሰርሓ ስለዝተኸልከላ ኣብ ቁጠብኡ ዓቢ ሃስያ ከምዘውረደ ይሕብር።
“ናተይስ ሓንቲ ኣውቶቡስ እያ። ክልተ ሰለስተ ኣውቶቡሳት ደው ዝበልኦም ሰባት’ውን ኣለዉ፡ ንዐኦም እናርኣና ኸኣ ንጸናናዕ ኣሎና” ብምባል መንግስቲ ኣብ ውሳኤሱ ዳግመ ግምት ክገብር ይምሕጸን።
ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ቀንዲ ህዝቢ ዝጓዓዘሉ ኣገባብ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኮይኑ፡ ካብን ናብን ከተማታት፡ ከምኡ’ውን ገጠራት ንምጉዕዓዝ ኣብተን ብግሊ ዝውነና ኣውቶቡሳትን ኣብተን ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ ሓራት ዝውነና ኣውቶቡሳትን’ዩ ዝምርኮስ።
ኣብ ውሽጢ ከተማታት ንዝግበር ምንቅስቃሳት ከኣ እቲ መኪና ክጥቀም ዝደሊ፡ ታክሲ ወይ ኣውቶቡሳት ህዝባዊ መጓዓዝያ ከም ኣማራጺ ኣለዎ።
መግለጺ ስእሊ,
ኣብ ኤርትራ ቀረብ ነዳዲ ኩሉ ግዜ ውሱንን ኣዝዩ እኹል ዘይኮነ ህዝባዊ መጓዓዝያን እዩ ዘሎ
ድሕረ ባይታ መጓዓዝያ ምድርን ብዝሒ ተሽከርከርትን
ኣብ 2018 ብዛዕባ ኣብ ጽላት መጓዓዝያን መራኸቢታትን እተመዝገበ ዓወታት፡ ምስ ኤሪ-ቲቪ ቃለ-መጠይቕ ዘካየደ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሴ ብርሃነ” ኤርትራ ኣብ 1991 ሓራ ኣብ ዝወጸትሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር 240 ኣቕሑ ዘጋዓዕዛ 27 ድማ ፈሳሲ ዝጽዕና ዓበይቲ መካይን ከምዝነበራ ድሕሪ ነጻነት ግን [ክሳብ እቲ ቃለ መሕትት ዝተገብረሉ ግዜ] እቲ ቝጽሪ ናብ ልዕሊ 15,000 ከምዝወሰኸ፡ ካብአን 3,244 ደረቕን ፈሳስን ጽዕነት ዘመላልሳ ዓበይቲ ተሽከርከርቲ ከምዘለዋ ሓቢሩ።
ካብ ግዳም ንሰብን ንብረትን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ኣውቶቡሳት፡ ሚኒባሳት፡ ቦጣትን በጠሓትን ንምእታው 1.6 ቢልዮን ናቕፋ ወጻኢ ከምእተገብረን ካብቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ኣገልግሎት ኣዝዩ ብዝተዓጻጸፈ መገዲ ከምዝዓበየ እውን ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ እተን ናይ ብሕቲ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ካብ ስራሕ ደው ብምባለን ህዝብን ዋናታትን ይህሰዩ ከምዘለው እቲ ምኒስተር ከስተብህለሉን ፍታሕ ከናድን ከምዝግባእ እቶም ጸገማቶም ንቢቢሲ ዘካፈሉ ሰባት ሓቢሮም።