Category: ትግርኛ

ኤርትራ፡ ሰለስተ ወለዶታት ኣብ ዘየቋርጽ ዓንኬል ኲናት

ዓብደላ ኣደም (ጸጋም) ምስ መዛንኡን ኣዘዝቲን ኦፐሬተራቶምን ኣብ ግንባር ሓልሓልንብዙሓት ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሰራዊት ሃገሮም ዝተጸምበሮ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ፈደራላዊ ሰራዊትን ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሳቢ፡ ብዅሉ መዳያቱን ዝህልዎ ሳዕቤናት ከኣ ኣሰካፊ ፍጻመ እዩ።እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ዝተኻየደ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ግፋ፡ ምዕጻው ኣባይቲ ማእሰርቲ ዓበይቲ ወለዲ መቐጸልታ ዝተሓለፈ መሪር ገጽ ኲናት’ዩ።ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ፡ በሰላ ኲናት ስለእተሰከመት፡ ብሓፈሻኡ ሳዕቤን ንኤርትራውያን ከቢድ እዩ። እዚ ይዅን ግን፡ እቲ ዝሓለፈ ከይኣክል፡ ብወገን ኤርትራ፡ ዝስማዕ ቋንቋን ቃናን ሰላም፡ ራህዋ፡ ልምዓትን ምዕባለን የለን። ስለምንታይ ግን ኤርትራ ኣብ ዘየቋርጽ ዓንኬል ኲናት ተጸሚዳ ትርከብ?

ወለዶ ገድሊ- ሓርነታዊ ኲናት

ኤርትራውያን ንፍጹም ጐበጣ ኢትዮጵያ ብምቅዋም ኣብ ፈለማ 60ታት ንብረታዊ ተጋድሎ ነቒሎም። ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት መሪር ቃልሲ ኸኣ ኣብ ግንቦት 1991 ልዕሊ 65,000 ህይወት ከፊሎም ተዓዊቶም፣ ኣብ 1993 ብወግዒ ልኡላዊት ሃገር መስሪቶም።

ኣቶ ዓብደላ ኣደም ሓደ ካብቶም ኣብ ንእስነቶም ኣብቲ ቃልሲ ዝተሳተፉን ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክሳብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝበጽሐ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ፈለማ ኣመሓደሪ ኣውራጃ ሰንሒት፣ ብድሕረኡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ጸኒሑ ድማ ብደረጃ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገለ’ዩ።

ብዛዕባ ምረት ሓርነታዊ ኲናት ውልቃዊ ተመክሮታቱ ኣካፊሉና’ሎ። 

ኣቚርደት - ዝተንጠልጠለ ሬሳ

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/27a1/live/c46dfe60-9ba7-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/340/cpsprodpb/27a1/live/c46dfe60-9ba7-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 340w" alt="ከተማ ቑርደት" width="340" height="191" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,YEMANE G. MESKEL

 
መግለጺ ስእሊ,

ከተማ ኣቑርደት

 

ዓብደላ፡ ኣብ ፈለማ 60ታት፡ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ኣቑርደት ዘሰንብድ ፍጻመታት ይዝክር፤ ማሕነቕቲ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)።

ሓደ መዓልቲ፡ ዓብደላን መዛንኡ ቘልዑን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ህዝቢ ክተኣኻኸብ ርእዮም፡ ናብቲ እኩብ ህዝቢ ተሓዊሶም። እቲ ዝረኣይዎ ግን ዕሸል ኣእምሮኦም ክጾሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ተሓኤ፡ ንሓደ "ጃሱስ" ንምቕታል ኣብ ኣቑርደት ቦምባ ምስተኮሱ ስርዓት ሃይለስላሰ፡ ነቲ እግሪ ዝተክል ዝነበረ ሰውራ ንምቝጻይን መንእሰያት ንኸይጽንበርዎ ንምፍርራሕን፡ ሬሳ ናይቲ ኣብ ውግእ ዝቐተሉዎ ወለሎ መሓመድ ዓሊ ዝበሃል ውሩይ ተጋዳላይ ኣብ ቅርዓት ከተማ ኣቑርደት ኣንጠልጢሎሞ። 

እቲ ፍጻመ ግን ንዓብደላን ነቶም ደቂ 15 -16 ዓመት ዝነበሩ መዛንኡን ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ፈጢሩሎም።

“ንሕና ቘልዑ ስለዝነበርና ኣብ እግሪ እቶም ዓጒጎም ዝነበሩ ሰባት ኣቲና ነቲ ዝተንጠልጠለ ሬሳ ኣንቃዕሪርና ንርእዮ ኔርና። 

“ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣኹዎ ‘እውይይ. . . እዚ ሰብኣይ’ዚ ደኣ ንገዛና ይመጽእ ነይሩ’ንድዩ ኢለ” ይብል ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እንክዝክር።  እቲ ሬሳኡ ብጭካነ ዝተንጠልጠለ ተጋዳላይ ዓርኪ ኣቦኡ እዩ ነይሩ።

ዓብደላ ገና 18 ከይመልአ ኣብ 1969 ናብ ቃልሲ ተሰሊፉ። ንእስነቱን ንቕሓቱን ዘለለዩ ሓለፍቱ ከኣ ኣጋር ሓኪም ንክኸውን መሪጾምዎ።  ስልጠና ወሲዱ ከኣ ነቲ ዕማም ተታሓሒዝዎ። 

ኣብ 1971 ካብ ቀዳማይን ካልኣይ ወገን (ጕጅለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ) ምስ ዝተኣኻኸቡ ተጋደልቲ ኣብ ሰለሙና፡ ሰሜናዊ ባሕሪ ንፈለማ ግዜ ምስ ኮማንድስ ኣብ ውግእ ተሳቲፉ።

“እታ ኣነ ዝነበርኩዋ መስርዕ ብሬን’ያ ነይራ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ከም ኣባል መሪሕነት ምሳና ነይሩ። እቲ ሽዑ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ፍሉጥ ኣዛዚ ሰራዊት ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ነበር ኢብራሂም ዓፋ እውን ኣርፒጂ ዓጢቝ ምሳና ክታኾስ ውዒሉ።

ዳሕራይ ግን ኢሳይያስ እቲ ውግእ ምስ ሃድአ ናብ ቦታኡ ከይዱ” ብምባል ሌላኡ ምስ ኲናት ከመይ ከምዝነበረ ይገልጽ። 

‘ዘሕዝን ተመክሮ ኲናት-ሓድሕድ’

ኣብ ፈለማ 70ታት ዝጀመረ ውሽጣዊ ነውጺን ምትፍናንን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1972 ገንፊሉ ናብ ዝኸፍአ መልክዑ ተሰጋጊሩ ናብ ውጹእ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ። 

ኣብ ገረግር ሱዳን ዝተኻየደ ንሞራል ተጋደልትን ህዝብን ዝተንከፈ ዘሕዝን ደማዊ ውግእ ሓድሕድ፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝከር ጸሊም ነጥቢ እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ታሪኻዊ ጕዕዞ ዝነበረ ዓብደላ ከም ሓኪም ሓይሊ ኰይኑ ንክፉእ ገጽ ኲናት ብቐረባ ርእይዎ'ዩ።

ድሕሪ ነሓሰ 1973 ኣብ ዝተገብረ ምትሕንፋጽ ከኣ ኮሚሽነር ሓይሊ ኰይኑ ተመዚዙ። ኣብ ዝቐጸለ ናይ ቃልሲ ዓመታት ክሳብ ምሕራር ከተማታትን ምዝላቕን 1978 ከም ኣዛዚ ቦጦሎኒ፡ ኣብ ከም ሻድሻይ ወራርን ሰላሕታን ምድምሳስ ውቃው እዝን ከም መራሕ ብርጌድ፡ ኣብ ከም ሰፊሕ ውግእ ባረንቱ ከኣ ከም መራሕ ክፍለ ሰራዊት ኰይኑ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኣገልጊሉ።

ዛንታ 22 ዓመተ ተጋድሎኡ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጺር ዓንቀጽ ክዝንቶ ኣጸጋሚ እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ጕዕዞ ህይወቱ ብፍሉይነት ዝዝክሮ ነገራት ኣለዎ። 

ሰላሕታ ወራርን፡ መስዋእቲ ናይ ቀረባ ዓርኩን ሓለቓኡን ዝነበረ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ወተሃደራዊ ሓላፊን ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢብራሂም ዓፋ ካብቶም ኣብ ተመኵሮኡ ዝመረሩ ዝብሎም'ዮም።

ብተመኵሮ 1973 ዝፍለጥ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተፈጥረ ጸሊም ታሪኽ ማእሰርትን ቅንጸላን ኣርካናት ተጋደልቲ እውን ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ብሓዘን ዝዝክርዎ’ዩ። 

‘ኲናት ህይወት ዝኽፈሎ መስርሕ’ዩ’

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/e8ea/live/31412070-9aa0-11ed-aa33-31aea7c86895.png 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/e8ea/live/31412070-9aa0-11ed-aa33-31aea7c86895.png 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/e8ea/live/31412070-9aa0-11ed-aa33-31aea7c86895.png 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/e8ea/live/31412070-9aa0-11ed-aa33-31aea7c86895.png 800w" alt="ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ብርሃነ ገርዝጊሄር፡ ኣሕመድ ካካይ፡ ተኽለ ጉብጣን፡ ዓብደላ ኣደም፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ" width="1648" height="1068" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,AA

 
መግለጺ ስእሊ,

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣስመሮም ገርዝጊሄር፡ ኣሕመድ ካካይ፡ ተኽለ ጉብጣን፡ ዓብደላ ኣደም፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ኣብ 80ታት

 

ኣብ ነብሲ ወከፍ ይዕበ ይንኣስ ውግእ ህይወት ሰብ ስለ እትኸፍል መሪር እዩ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከኣ፡ ሻድሻይ ወራር ንሰላሕታን፡ ምርብራብ ግንባር ጊንዳዕን ዝኣመሰሉ እዮም ብምረቶም ዝዝከሩ። 

ስርዓት ደርግ ‘ቀይ ኮከብ’ ዝሰመዮ ሻድሻይ ወራር መሪር'ኳ እንተነበረ፡ ዓብደላ ነቲ ኣሃዱኡን እቲ ግንባርን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰላሕታ ወራር እዩ ዘምርር።

ኣብ 1985 ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ መጥቃዕቲ ባረንቱ ን50 መዓልታት ተዋጊኡ፡ ተደፊኡ ናብ ቀዋሚ ግንባራቱ ናቕፋን ሓልሓልን ምስ ተመልሰ፡ ስርዓት ደርግ ‘ተዳኺሞም እዮም’ ኢሉ ንናቕፋ ንምሓዝ ከቢድ መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ኣብ ርእሲኡ ናብቲ ኣብ 1984 ተደምሲሱ ዝገደፎ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንኽምለስ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ከኣ ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ህዝባዊ ግንባር ነበር ኢብራሂም ዓፋ ብስልኳ ናይ ስለያ ተሰዊኡ።

ኢብራሂም ቅድሚ ሰሙን ኣብ ናቕፋ ምስ ዓብደላ ተራኺቡ ብምንባሩ፡ ብጻዩ ሮሞዳን ኣውልያይ፡ መስዋእቲ ሓላፊኡን ናይ ቀረባ ዓርኩን ምስ ነገሮ ክኣምን ኣይከኣለን ሰምቢዱን ተሰሚዑዎን።

ብድሕሪኡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ንላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ንዓንበርበብ ጸዊዑ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ነጊሩ ክሳብ ብወግዒ ዝሕበር ብምስጢር ክተሓዝ ተነጊርዎም።

መስዋእቲ ኢብራሂም ብወግዒ ምስ ተፈልጠ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ። ይዅን እምበር ዓብደላ እቲ ዘኽብሮን ዝፈትዎን ብጻዩ ብጅግንነት ከምዝተሰወ እዩ ዝኣምን።

ዓብደላ፡ እቲ ኣብ ግንቦት 1991 ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተዛዘመ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት1993 ልኡላዊት ሃገር ብምፍጣር ተልእኾ ብምፍጻሙ ንዕኡን ብዙሓት ብጾቱን ከምዘጸናንዖም ይዛረብ።

ድሕሪ ደጊም፡ ውግእን ወረ-ውግእን ኣብቂዑ፡ ድምጺ ጥይት ሃዲኡ፡ ኣብታ ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበት ሃገር ብሰላም፡ ራህዋ፡ ቅሳነትን ብልጽግናን ኣስተርሕዮም ሂወቶም ክመርሑ ዝተመነዩ ህዝብን ተጋደልትን ትጽቢቶም ከምዘይተጋህደ ዓብደላ ይገልጽ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ እታ ሃገር ናብ ዶባዊ ምስሕሓባትን ዳግማይ ኲናትን ኣትያ ኣብ 1995 ምስ የመንን ጂቡቲን፡ ኣብ 1996 ምስ ሱዳን፡ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ተዋጊኣ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ እቲ ኣብ ስድራቤታት ስዉኣትን ስንኩላንን ዝወረደ ክሳብ ሎሚ ዘይሓወየ በሰላ ኵናት እንደገና ተወሲኹዎ። 

ንቡር ህይወት ዝተሓረሞ ወለዶ ናጽነት

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/c8dd/live/1aebb320-9aa1-11ed-aa33-31aea7c86895.png 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/c8dd/live/1aebb320-9aa1-11ed-aa33-31aea7c86895.png 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/c8dd/live/1aebb320-9aa1-11ed-aa33-31aea7c86895.png 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/c8dd/live/1aebb320-9aa1-11ed-aa33-31aea7c86895.png 800w" alt="ሰሎሙን ሰመረ" width="1872" height="1058" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,FN

 
መግለጺ ስእሊ,

ሰሎሙን ሰመረ ኣብቲ ምስ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣት ዝተሳተፈን ኣብ ኲናት ዝዓበየን እዩ 

 

ኣብቲ ምስ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየዱ ውግኣት ዝተሳተፈ ሰለሙን ሰመረ ሓደ ካብቶም ብቐጻሊ ኲናት ብቐረባ ዝተጸልዉ ብዙሓት ኤርትራውያን’ዩ።

ገና ህጻን እንከሎ፡ እቲ ድሮ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ዝነበረ ወላዲኡ፡ ኣብ 1976 ንስድራ ቤቱ ናብ ሜዳ ወሲድዎም። እንተዀነ ናብራ ገድሊ ውግእን ሃለኽለኽን ብምንባሩ ንሜዳ ምስ ከዱ’ውን ምስ ኣቦኡ ዝተራኸብሉ እዋን ውሑድ’ዩ። ብሰንኩ ኸኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ዘለዎ ዝኽሪ ኣዝዩ ሃሳስ እዩ።

“ኣቦይ ሓንሳብ፡ ደብዓት ናብ ዝበሃል መዓስከር [ሳሕል] መጺኡ ሪኡና ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ብዙሕ ኣይረኣኹዎን። ሽዑ ህጻን ስለዝነበርኩ። ብኣካል ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ’የ ክብል ኣይክእልን'የ፡ ዝያዳ ብስእሉን ታሪኹን እየ ዝፈልጦ” ይብል።

ሰለሙን፡ እቲ ብዙሕ ዘየስተማቐሮ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝፈትዎን ዝናፍቘን ወላዲኡ ብግቡእ ከየለለዮን ከይጸገቦን ኣብ ሓርነታዊ ኵናት፡ ኣብ ደቂ ሸሓይ ዓንሰባ ተሰዊኡ።  

እቲ ኣብ ውግእን ወረ-ውግእን ዓብዩ ኣብ ቃልሲ ዝጐበዘ ሰለሙን ኣብ መወዳእታ ንሱ'ውን ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተጸንቢሩ። ኣብ ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ተመዲቡ ድማ፡ ዘዋሪ ታንኪ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ተሳቲፉ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ዘስካሕክሕ ገጽ ኲናት ብዓይኑ ርእዩ።

“ኣነ ካብ ቍልዕነተይ ኣብ ኲናት እየ ዓብየ። ኵሉ ውግእ ሕማቕ’ዩ ጽቡቕ ዝበሃል የብሉን፤ ኵሉ ክፉእ’ዩ” ዝብል ሰለሙን፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዙር ውግእ ዶባዊ ኲናት ዘጋጠሞ ደብዳብ ግን ብፍሉይ ይዝክሮ።

“ቦምባታት ከም ዝናብ’ዩ ዝዘንበና ነይሩ። ካብቲ ዝናብ ደብዳብ ከኣ ከተምልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። እታ ሓንቲ እንተዘይሃሪማትካ፡ እታ ካልአይቲ ትረኽበካ” ብማለት ነቲ መጽለሊ ርእሲ ኣብ ዘይብሉ ሰጣሕ ኣጻምእ ጐልጎል፡ ብዘይመግብን ዝስተን ለይትን ቀትርን ዝተዋጋኣሉ ብሉጻትን ፍቱዋትን ብጾቱ ዝኸፈለሉ መሪር እዋን ይዝክር።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ዅሉ ዋጋ ዝኸፈለሉ “መብጽዓን ሕድርን ስለዝተጠልመ” ሰላምን ራህዋን ንኸናዲ ብኣማኢት ኣሽሓት ምስ ዝቝጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ከምዘምረሐ ይዛረብ።

ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ “ዋላ’ኳ ጠንቂ ኵሉ እቲ ምስ ጐረባብቲ ዝነበረ ግጭታት ኤርትራ ጥራይ እንተዘይኰነት፡ ግን ኵሉ እቲ ጸገማት ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክፍታሕ ዝኽእል እዩ ነይሩ” ይብል።

እንተዀነ ሓለቓኡ ነበር ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጉዳያት ኣብ ክንዲ ብዲፕሎማሲ ዝፈትሕ ቀልጢፉ ናብ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ዝኣቱ ሰብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ዝፍጠር ኵነታት ቀልጢፉ ናብ ረጽሚ ከምዘምርሐ ይኸስስ።

ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ጠንቅታት ናይቲ ምስ ጐረባብቲ ዝኣትዎ ግጭታት፡ “ውዲታትን ሽርሒታትን” ምዕራባውያን ሃገራት ምዃኑ’ዩ ብተደጋጋሚ ዝምጕት።

“ኣብ ዘይንደልዮ፡ ዘይምኽኑይ ናይ ዶባት ኲናት ክሸሙና፡ ዕረፍቲ ዘይብሉ ጸገም እዩ ኰይኑ. . . ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ኮለል ናይ ዶባት ግጭት ምእታውና ትም ኢልካ ዝመጸ ነገር ኣይኮነን” ብምባል'ዩ ንርእሱ ክከላኸል ዝስማዕ።

ይዅን እምበር ዓብደላን ብዙሓት ኤርትራውያን ተንተንትን ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝብሎ ብምንጻግ፡ ሃገር እናተኸላኸልካ እውን ልምዓታዊ መደባት ብምዕባይ ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወት ዜጋታት ከተመሓይሽ፡ መነባብሮ ህዝቢ ክትቅይር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ከተኽብርን ህዝብኻ ክትሓቁፍን ዘይከኣል ኣይነበረን ክብሉ ይምጕቱ።

ኣብ 2014 ኢሳይያስ ብዛዕባ ቅዋም 1997 ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “መብዛሕትኡ ናይ ፖለቲካ ገስጋስ ጕዕዞና፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዕልቕልቓትን ናይ ደገ ምትእትታዋትን፡ ሓንሳብ ብህቦብላ ሓንሳብ ብማዕበል ሓንሳብ ብሓጹራት እናተዓንቀፈ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ” ብምባል፡ ሓድሽ ቅዋም ከምዝንደፍ ቃል ኣትዩ ነይሩ፤ ክሳብ ሎሚ ግን ዝተተግበረ መብጽዓ የለን።

ካብዚ ዓንኬል ኲናትን ውግእን ንምህዳም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ዝረኸበ ይርከበና እናበሉ ብሓደገኛ መስመራት ጕዕዞ ናብ ስደት ስለዝወሓዙ፡ ኤርትራ “ህዝባ ዝጽንቀቕ” ዘሎ ሃገር ተባሂላ ክትግለጽ ጸኒሓ ኣላ። 

ሳልሳይ ወለዶ ኣብ ኲናት- ዝማህመነ ተስፋ ሰላም

https://ichef.bbci.co.uk/news/320/cpsprodpb/ec3e/live/fdef2ca0-9ba6-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 320w, https://ichef.bbci.co.uk/news/480/cpsprodpb/ec3e/live/fdef2ca0-9ba6-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 480w, https://ichef.bbci.co.uk/news/624/cpsprodpb/ec3e/live/fdef2ca0-9ba6-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 624w, https://ichef.bbci.co.uk/news/800/cpsprodpb/ec3e/live/fdef2ca0-9ba6-11ed-891f-d346a06863d9.jpg 800w" alt="ናይ ኤርትራ ምዃና እትግለጽ ታንክ ኣብ ትግራይ (20 ሰነ 2021)" width="988" height="556" class="e3vrtyk0 bbc-rb7xa0 e1mo64ex0" style="box-sizing: inherit; border-style: none; display: block; width: 650.662px; height: auto;" />

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ኢትዮጵያን ኤርትራ ድሕሪ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ኵነተ-ኲናትን ኣብ ሓምለን መስከረምን 2018 ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራመን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ሰራዊቱ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ።

ኣምበሳደር ዓብደላ፡ ከም በዓል ወለሎ ዝኣመሰሉ ገዳይም ተጋደልቲ ተሰዊኦም፤ "ብድሕሪኡ  ኣርኪቡልና ክንደይ ኲናት ኣሕሊፍና። ኣብ ናጽነት ቈልዑ ዝነበሩ ደቅና ብዶባት ኣብ ዝምኽነ ውግእ ኣትዮም። ሕጂ ኸኣ ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዝተወለዱ ቈልዑ ናብ ኲናት [ትግራይ] ወፊሮም ብምማቶም" ከቢድ ጓሂ ከም ዝስምዖ ይዛረብ።

“ሰለስተ ወለዶታት ብኲናት ሓሊፉ ናብ ራብዓይ ገጽና ንሰግር ኣለና፡ ስለምንታይ? ስለምንታይ እዛ ሃገር ብዘይካ ኲናት ካልእ ዘይትፈልጥ?” ስለምንታይ፡ እዚ ሓድሽ ወለዶ ብዘይካ ንሓደ መራሒ ከገልግል መሰል ዘይብሉ?” ክብል ሕቶታቱ ይሰርዕ።

ሰብመዚ ኤርትራ ኣብዚ ኲናት’ዚ ብወገን ሃገሮም ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ዛጊት ኣይገለጹን ዘለዉ። ብዙሓት ኣብቲ ኲናት ደሃዮም ዝጠፍአ መንእሰያት ከምዘለዉ ግን ምንጭታት ካብታ ሃገር ይገልጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ንመጻኢ እውን ገና “መኸተ” ከምዘድሊ፡ ዝእምት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

“2023 ብተዛማዲ፡ ናይ ዓብለልቲን ሓንከርቲን ዕንደራታት ኰነ፡ ናይ መጋበርያታቶም ሸርሒታት ዝዕገስ ስለዘይመስል፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ልምዓታዊ ብድሆታትና’ውን ክዓቢ ስለዝዀነ፡ ከይተዛነና ንዝሓየለ መኸተ ኣብ እነካይዶ ምድላዋት፡ ዓወት ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊን ናጻን ሕርያና’ዩ” ክብል ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ’ሎ።

እቲ ብዕድል ካብ ብዙሕ ውግኣት ብሂወት ዝደሓነ ሰለሙን፡ ኲናት ሰላም እንተዘይወሊዱ መዃን ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

"ድሕሪ ኲናት ሰላም ክኸውን፡ እቲ ጠንቂ ውግእ ዝነበረ ጸገማት መዕለቢ ክረክብ ኢልካ እምበር ዕድመኻ ምሉእ ክትዋጋእ ኣይትነብርን ኢኻ። ምሉእ ዘመንካ ምስ ትዋጋእ ትደክም ትመውት ከኣ. . .፣ ኣቦታትና ጠፊኦም ዓሌትና ምሉእ ጠፊኡ ሰላም እንተዘየልዩስ፡ ንምንታይ ዕላማ ደኣ ኢና ንዋጋእ" ክብል ንሱ'ውን ሕቶታቱ ይድርድር።

“‘ጽባሕ ተረከብቲ ሃገር ኢኹም፡ ተረከብቲ ሕድሪ ኢኹም፡ ኣብ መጻኢት ኤርትራና ብሰላም ክነብር ኢና’ እናተበሃልና ኢና ዓቢናን ተቓሊስናን፤ እቲ ዝተነግረናን ዝገጠመና ግን በበይኑ’ዩ” ብማለት ከኣ ንመራሕቲ ኤርትራ ይነቅፍ።

ዓብደላ፡ ስለምንታይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዛ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ሕገ-መንግስቲን ሃገራዊ ባይቶን ብዘይ ተሓታትነት ዝመርሓ ዘሎ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ “ብኩራት ትካላት” ከምኡ'ውን እቲ ስርዓት “ብፍርሕን ዘይምትእምማንን ይገዝእ ብምህላዉን’ዩ" ኢሉ ይኣምን።

እቶም ብኲናት ዝሓለፉ መዘናኡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሰበስልጣንን ኤርትራ ከኣ ጸጊሙዎም እምበር፡ ደቈምን ደቂደቈምን ኣብ ተኸታታሊ ውግኣት ክጠፍኡ ስለዘይደልዩ ነቲ ስርዓትን ምሕደራን ይቕበሉዎ እዮም ዝብል እምነትን ከምዘይብሉ የረድእ።

እቲ ወላዲኡ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዝሰኣነን፡ ባዕሉ ካብቲ ንብዙሓት ብጾቱ ዝቐዘፈን ውግኣት ብዕድል ዝደሓነን ሰለሙን’ውን፡ ድሕሪ’ዚ ኵሉ ምረትን ክሳራን ናብ ስደት ከምርሕ ተገደዲዱስ፡ ሎሚ ኣብ ሽወደን ሓድሽ መነባብሮ ፈጢሩ ህይወቱ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያትን ወለዶምን ግን፡ ብሕጂ’ውን እንታይ ከመጽእ’ዩ ብምባል ከብዶም ሓቚፎም ካብ ምጽባይን ካብቲ ዓንኬል ኲናት ንምድሓን መዋጽኦ ካብ ምንዳይን ካልእ ኣማራጺ ዘለዎም ኣይመስልን።

Category: ትግርኛ

ብሊንከን፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ብጽቡቕ ከምዝቕበሎ ተዛሪቡ

ኣብይ ኣሕመድ[ጸጋማይ] ኣንቶኒ ብሊንከን[የማናይ]ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብቐንዱ ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን መስርሕ ኣፈጻጽማ ውዕል ሰላምን፡ ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለታትን ካልእን ኣልዒሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ኣፈኛኡ ነድ ፕራይዝ ኣፍሊጡ።እቲ ኣፈኛ ኣብ ገጽ ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ዘስፈሮ፡ ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ብቐዳም 21 ጥሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ንምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ሰሜን ትግራይን ንኣገደስቲ ምዕባለታት ‘ቲ ምርኡይ ስጕሚ ዘርኢ ዘሎ ትግባረ መስርሕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ከምኡ'ውን ንግጭት ክልል ኦሮሚያን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጐ ብሊንከንንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተገብረ ዘተ ኣመልኪቱ ዛጊት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ነገር ግን የለን።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሰበስልጣን ንዝተኻየደ ዝርርብ ኣመልኪቱ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብኽልቲኦም ወገናት፡ ብ 2 ሕዳር 2022 ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ "ዓቢይ ምዕባለ" ከም ዘርኣየ ይጠቅስ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት ከም'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽኡ ምህላዎም ብሓጐስ ከምዝቕበሎ ኣመልኪቱ፤ እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ ወሳኒ ምዕባለ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሐለፈ ሰሙን ሰራዊት ኤርትራ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ዓድዋን ኣኽሱምን ከምኡ'ውን ካብ ካልኦት ከባቢት ትግራይ ብበዝሒ ከምዝወጽኣ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ሓያሎ ምንጭታት ኤርትራ ንቢቢሲ ከምዘሓበርዎ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጽሩ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ናውትን ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ኣረጋጊጾም’ዮም። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ነይሮም።

https://twitter.com/SecBlinken/status/1616921078017794049?ref_src=twsrc%5Egoogle%7Ctwcamp%5Eserp%7Ctwgr%5Etweet">
Skip Twitter post

ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ከ እንታይ ኢሉ?

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ግህሰት ንምጽራይ ዓለምለኻውያን ተቘጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኣትዉ ክፍቀደሎም ጸዊዑ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰት መሰላት ዝምርምር ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝቘመ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ግን እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ተቓውሞኣ ምስምዓ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ መርማሪ ጕጅለ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ተቓውሞ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንዝተፈጸመ ገበናት ተሓታትነት ንምርግጋጽ ናይ ገዛእ ርእሱ መሰጋገሪ ፍትሒ ንምትካል ይሰርሕ ከምዘሎን ምትእትታው ካልኦት ከምዘይቅበልን ኣፍሊጡ እዩ።

መግለጺ ነድ ፕራይዝ ብተወሳኺ፡ እቲ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ሃገሩ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝምራሕ መስርሕ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ እትገብሮ ደገፍ ከም እትቕጽሎ ከም ዘረጋገጸ ኣመልኪቱ።

ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ናብ ካልኦት ጐረባብቲ ክልላት ኢትዮጵያ ዝለሓመ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል፡ ፍሉያት ልኡኻት መዚዛ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ጻዕሪታት ክትገብር ከም ዝጸንሐትን፡ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተትን ይፍለጥ።

ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብቲ ብቐዳም ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝምልከት ከምዝተዘራረቡ'ውን ተገሊጹ፤ ክልቲኦም፡ ንኣገዳስነት መኸተምታ እዚ ዘይምርግጋእ [ክልል ኦሮሚያ] ዘትዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን፡ እቲ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ክፋላት እታ ሃገር ዝንቀሳቐስ፡ መንግስቲ ‘ግብረሽበራዊ’ ኢሉ ዝሰመዮ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን መጥቃዕትን ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ኰይኖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ መነባብሮኦም ከምዝተመዛበሉ ጸብጻባት የመልክቱ።

መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 'ቲ ክልል ንዝፍጠር ግጭት ንምቛም፡ "ኵሉ ዓይነት ኣማራጺታት" ኣብ ግብሪ የውዕሉ ከምዘለዉ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ገሊጾም እዮም።

በዚ መሰረት፡ ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ ንዝደልዩ ዕጡቓት ኣፍደገ መንግስቲ ክፉት ምዃኑ ብምምልካት፡ ካብዚ ወጻኢ ንዝንቀሳቐሱ ግን ሓይልታት ጸጥታ “ዘድሊ ስጕምቲ” ክወስዱ ምዃኖም፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ምግላጹ ይፍለጥ።